ሓንጎል ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ፍልልይ ኣሎዎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሓንጐልና ኣጕሊሁ ብዘርኢ መነጸር ምስእንርእዮ ብዙሓት ሰራውር ደምን ሕልኽላኽ ዝበዝሖም መትንታትን ካብ ምርኣይ ካልእ እንርእዮ የለን።
እንተኾነ ሓንጐልና መንነትና፡ ኣተሓሳስብናን ስምዒታትናን ኢሉ’ውን ፍልፍል ምኽንያታውነትን ብውጽኢት እንኣምን ከምዝዀንና ዝገብር ኣካል ሰብነትና እዩ።
በዚ ድማ ሓንጐል ክልኡ ጾታ ዝሕመ ኣይኮነን። እንተዀነ ምሁራን እቲ ዓውዲ ሓንጐል ተባዕታይን ኣንስታይን ሓደ ድዩ ወይስ ፍልልይ ኣለዎ? ዝብል ሕቶ የልዕሉ’ዮም።
ውሽጣዊ ክፋል ሓንጐልና ካብ ሽክና ርእስና ኣውጺእና ንኻልእ ሰብ እንተነርእዮ ናይ ተባዕታይ ይዅን ኣንስታይ ኢልካ ንምፍላይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።
ተመራመርቲ ሓንጐል ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ሓደ ዓይነት ወይስ ዝፈላለ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ክትዕ’ዮም ዝርከቡ።
እዚ ንምፍላጥ ካብ ዘካይድዎም ምርምራት እቲ ሓደ ሓንጐል ክልቲኦም ጾታ ቀልቢ ዝሓቱ ተግባራት ክውግኑ ምግባር’ዩ።
ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ ምርምራት፡ ተባዕትዮ ካርታ ኣንቢቦም ኣንፈት ቦታታት ተረዲኦም እቲ ቦታ ብምርካብ ካብ ደቂ ኣነስትዮ ብ50 ሚእታዊት በሊጾም ተረኺቦም።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ደቀንስትዮ ኣብ ውሱን ሰዓታት ብዙሓት ተግባራት ብምውጋን ካብ ተባዕትዮ በሊጸን ተረኺበን።
እቶም ተመራመርቲ ነዚ ንምርግጋጽ ንተሳተፍቲ ናይዚ ፈተነ ኣብ ውሽጢ 8 ደቃይቕ ዝተፈላለዩ ሰለስተ ነገራት ንኽፍጽም ከምዝኣዘዝዎም ገሊጾም።
እቶም ተግባራት ከኣ ሒሳብ ምግልባጥ፡ ኣድራሻ ሓደ ሆቴል ምፍላጥን ሓደ ኣብ ወፈራ ዝጠፍአ መፍትሕ ኣሊሽካ ምርካብን’ዮም።
እዞም ተግባራት ክፍጽሙ ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ ድማ ቀልቦም ንምስራቕ ኣብ መንጐ መንጐ ተሌፎን ክድወለሎም ይግበር ነይሩ።
ኣብዚ ከይዲ ምርምር ደቂ ኣንስትዮ እቶም ተግባራት ኣብቲ ዝተወሃበን ግዜ ሰሪሐን ወዲአን። እቶም ተባዕትዮ ግን ነቲ ዝጠፍአ ቦታ ካርታ ናይ ምንባብ ዓቕሞም ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ወፈራ ዝጠፍአ መፍትሕ ኣብ ምርካብ ግን ኣይተዓወቱን።
ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ስምዒት ደቂ ሰባት ኣብ ምርዳእ’ውን እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝሓሻ ኰይነን ተረኺበን።

ምንጪ ስእሊ, SPL
እቲ ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ ድዩ ትምህርታዊ?
ኣብ መንጐ ሓንጐል ክልተኦም ጾታ ዘሎ ፍልልይ ብሰንኪ ጾታኦም’ዩ ኢልና ቅድሚ ናብ መደምደምታ ምብጻሕና ብመርትዖታት ክነደግፎ ኣለና።
ነዚ ንምርዳእ ሓንጐል ክልቲኡ ጾታ ዝተዋቐረሉ ፈሊጥካ ምትንታን ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ፍልልይ ተፈጥሮኣዊ እንተዀይኑ ኣብ መዋቕር ሓንጐልና ፍልልይ ክህሉ ኣለዎ።
ክብደት ሓንጐል ወዲ ተባዕታይ ካብ ናይ ጓለስተይቲ ብማእከላይ ገምጋም ብ10 ሚኢታዊት ይበልጽ።
እንተኾነ ክብደት ሓንጐል ብጾታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ተመሳሳሊ ጾታ ኰይኑ’ውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል’ዩ።
እዚ ማለት ክብደት ሓንጐል ናይ ሓንቲ ጓል ካብ ናይ ወዲ ዝዛይደሉ ግዜ ኣሎ ማለት’ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ደቂ ተባዕትዮ ብኣካላዊ ሚዛን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝበልጹ ልዑል ክብደት ሓንጎል እንተለዎም ዘገርም ኣይኮነን።
እንተኾነ፡ ተመራመርቲ እዚ ፍልልይ ክብደት ሓንጐል ምስ ክእለትን መንፍዓትን ዘራኽብ ነገር ከምዘይብሉ’ዮም ዝሰማምዑ።
ኣብ መንጐ መዋቕር ሓንጐል ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታ ፍልልይ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብሊን ተመራማሪ ኒውሮ ባይሎጂ ፕሮፌሰር ኬቨን ሚሼል፡ እቲ ፍልልይ ባህርያት ምርባሕ ጾታ ዝቈጻጸር ከምዝዀነ ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ ሓንጐልና ዝርከብ ሃይፖተላመስ ኣብ ተባዕታይን ኣነስታይን ጾታ ዝተፈላለየ’ዩ። እዚ ክፋል ሓንጐልና ኣጉሊሑ ብዘርኢ መነጽር ክርአ እንከሎ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣነስትዮ ናይ 6 ሚእታዊት ብልጫ ኣለዎ።
እንተዀነ እዚ ፍልልይ ምስ ባህርያት ደቂ ተባዕትዮ ይዅን ደቀንስትዮ ብቐጥታ ዘይክራኸብ ይኽእል’ዩ ክብል ፕሮፌሰር ኬቨን ይሕብር።
ንኣብነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘርእይዎ መንፈስ ልዕልነት፡ ኣቦሓጎታትና ዘርኦም ንምትካእ ክወዳደሩ ግድን ስለዝነበረ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
እቲ ቀደም ቀደም ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ ንኽሕጸዩ ንኻልኦት ደቂ ተባዕትዮ በሊጾም ክርከቡ ግድን ነይሩ’ዩ።
ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል’ውን እንተዀነ እቲ ውድድር ብዝተፈላለዩ መገድታት ክግለጽ ንርእዮ ንኸውን ኢና።
በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ መዋቕር ሓንጐልና ዝርከብ ሂፖካምፐስ ዝተበሃለ ክፋል ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ተባዕታይ ዝበለጸ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ።
እዚ ክፋል ሓንጐልና ፍጻመታት ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዝተዛመደ ኰይኑ ኣብ መንጎ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ ፍልልይ የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
የማናይን ጸጋማይን ክፋላት ሓንጐል
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫንያ ኣሜሪካ ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ካብ 8-22 ዝዕድመኦም 900 ኣወዳትን ኣዋልድን ሓንጐል፡ ብማይክሮስኮፕ ብምርኣይ ነቲ ውጽኢት ብምስሊ ክዕዘብዎ ፈተነ ገይሮም።
ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፈት ዶ/ር ረጂና ቨርማን፡ “በቲ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ተገሪምና ኢና፡” ትብል።
የማናይን ጸጋማይን ክፋላት ሓንጐል ዝተፈላለየ ዕማማት ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ከ ፍልልያት ኣለዎም ዶ? ንምፍላጥ እዩ እቲ ፈተነ ተኻይዱ።
ካልእ ኣባል እዚ ጕጅለ ተመራመርቲ ዝዀነ ፕሮፌሰር ሩበን ጉር፡ ጸጋማይ ክፍሊ ሓንጐልና ቋንቋ ዝመልኽን ሓበሬታታት ዘሰላስልን ከም ዝዀነ ይሕብር።
የማናይ ክፋል ሓንጐልና ድማ፡ ምስ ስምዒታትና ዝተኣሳሰሩ ነገራት ከም ዘሰላስል የረድእ።
በዚ ኵነታት’ዚ፡ ኣብ ኣእምሮ ደቀንስትዮ ዝርከቡ መትንታት ሓንጐል፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝተኣሳሰሩ እዮም።
በዚ ድማ ደቀንስትዮ፡ ካብ ዘረባ፡ ስምዒትን ትንተናን ዝመጽኡ ሓበሬታታት ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝበለጸ ከም ዝቕበላ የርኢ።
ካብዚ ድማ፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ደቀንስትዮ ክልቲኡ ክፋል ሓንጐለን ከም ዝጥቀማ መረዳእታ ከም ዝረኸቡ ይገልጹ።
ኣብ ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮ ብየማን ይዅን ብጸጋም ዘለው መትንታት፡ ካብ ድሕሪት ንቕድሚት ዝተኣሳሰሩ እዮም።
በዚ መሰረት፡ እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ሓንጐል፡ ዝረኣዮ ወይ ዝተቐበሎ ሓበሬታ ኣሰላሲሉን ተንቲኑን ናብ ቅድሚት ከም ዝልእኽ ፕሮፌሰር ሩበን ይገልጽ።
እዚ ናይ ቅድሚት ክፋል ሓንጐል ድማ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ሓበሬታ ተጠቒሙ ውሳነ ክወስድ ይኽእል።
ንኣብነት ሓደ ንሃድን በረኻ ዝወፈረ ወዲ፡ ሓደ ኣራዊት ርእይ ኣቢሉ ዝወስዱ ውሳነ በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓልፍ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።
እዚ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝተራእየ ፍልልይ፡ ኣብ ህጻናት ኣወዳትን ኣዋልድን ግን ኣይተራእየን።
እዚ ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዝርአ፡ ህጻናት 13 ዓመት ኣብ ዝበጽሑሉ ዕድመ ምዃኑ ውጽኢት’ቲ ምርምር የመልክት።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ፍልልይ’ዚ፡ ካብ ትምህርቲ ወይ ኣከባብያዊ ጸቕጢ ዝመበገሲኡ ጠንቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ጥርጣረ ኣንቢሮም ኣለው።
ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ኣስተን ፕሮፌሰር ጊና ሪፖን፡ ኣብ ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝርአ ፍልልይ፡ ካብ ኣተዓባብያን ባህላዊ ፍልልያትን ዝብገስ እምበር፡ ሓንጐል ኣወዳት ኣዋልድ ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ ትገልጽ።
እታ ፕሮፌሰር ከም እትብሎ፡ ሓንጐልና ካብ ከባቢኡ ብዝወስዶ ነገራት እዩ ዝዓብን ዝስልጥንን።
ስለዚ፡ ካብቲ ኣብ መንጐ ሓንጐል ኣወዳትን ኣዋልድን ዘሎ ፍልልይ፡ ጾታ ከይፈለኻ ኣብ መንጐ ውልቀሰባት ዘሎ ፍልልይ ሓንጐል ዝያዳ ጐሊሑ ይርአ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተመራመርቲ፡ መሳርሒታት ‘ማግኔቲክ ሪዞናንስ ኢሜጅ (ኤምአርአይ) ተጠቒሞም ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ክርእዩ ፈቲኖም እዮም።
በቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ’ውን ኣብ መንጐ’ዚ ክልቲኡ ጾታ ዝተራእየ ፍልልይ ሓንጐል፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ሓንጐል ደቂ ተባዕትዮ ብኽብደቱ ካብቲ ናይ ጓለንስተይቲ ዝዓቢ ክኸውን እንከሎ፡ ግዳማዊ ክፋል ሓንጐል ደቀንስትዮ ድማ ካብ ናይ ደቂተባዕትዮ ርጕድ ዝበለ ኰይኑ ተረኺቡ።
ብሓፈሻ፡ እቶም ኣብ ኣቃውማ ሓንጐል ኣወዳትን ኣዋልድን ፍልልይ ዝረኸቡ’ውን፡ ብመሰረቱ ናይ ጓል ናይ ወዲ ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ እዮም ዝገልጹ።
ሓንጐል፡ ምስ ባህርን ክእለትን ደቂተባዕትዮ ዘለዎ ቀጥታዊ ተዛምዶ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ግን ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይተኻእለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







