ፍትዋት እንስሳታት ገዛ፡ ኣብ ምምዕባል ሓንጎል ደቅና ዘለዎም ግደ

እንስሳ ዝሓቖፈ ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንስሳ ዘቤት ምምራጽ ኣብቲ ገዛ ብኸመይ ከም ዝሰማምዑ ካብ ምርዳእ እዩ ዝጅምር። ኬሊ ኦክስ እንስሳታት ናብ ሓደ ስድራቤት ክጽንበሩ ከለዉ እንታይ ከም ዘጋጥም - ከምኡ'ውን ኣብ ምዕባለ ህጻናት ዘለዎም ዓሚቝ ጽልዋ ዳህሲሱ’ሎ።

ንብዙሓት ሰባት፡ ፍትዋት እንስሳታት ገዛ (‘ፔትስ’) ኣብ ብዙሕ ደረጃታት ህይወት ደገፍ ዝህቡ ኣዝዮም ዝተላመዱ ኣባላት ስድራቤት እዮም። መጻምድቲ ርክቦም ንኸጽንዑ ክሕግዙ፤ ንንኣሽቱ ቆልዑ ከም መጻወቲ ኮይኖም ከዘናግዑን ደቆም ካብ ገዛ ንዝወፅኡ ወለዲ ምሕዝነት ክህቡን ይኽእሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ 63 ሚኢታዊት ካብቶም ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታት እንስሳ ዘቤት ከምዝነበሮም የመልክት።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ከባቢ እቲ ህጻናት ትምህርቲ ዝጅምሩሉ እዋን ዋንነት ፍትዋት እንስሳ ዘቤት ብ 10 ሚኢታዊት ከም ዝወሰኸን ኣረጋጊጹ።

ብዙሓት ወለዲ ንሓደ እንስሳ ምሕላው ተበግሶ ክወስዱ ከለዉ፡ ህጻናት ብዛዕባ ክንክን፣ ሓላፍነትን ርህራሄን ጠቓሚ ትምህርቲ ክህቦም ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

"ብፍላይ ንንኣሽቱ ቆልዑ፡ ናይ ሓደ ሰብ ኣረኣእያ ካብቲ ናቶም ኣረኣእያ ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝኽእል ምፍላጥ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ - ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝምድና ሰብን እንስሳን ሜጋን ሙለር።

"እዚ ድማ ምናልባት ካብቲ ምስ ሓው ወይ መዛኑ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ዝቐለለ ትምህርቲ'ዩ” ክትብል ወሲኻ ትገልፅ።

ንሳ ከምእትብሎ ብዛዕባ ጠቓሚ ጽልዋ ፍትው እንስሳ ገዛ ኣብ ህጻናት ዝቐርብ ሓሳባት ግን ካብቲ ዝግለፅ ንላዕሊ ዝኸይድ እዩ።

እቶም እንስሳታት ኣብ ማሕበራዊ ክእለት ህጻናት፣ ኣካላዊ ጥዕና ዋላ’ውን ኣብ ምምዕባል ኣእምሮኣዊ ዕቤት ህጻናት ክጸልዉ ከም ዝኽእሉን ምዕቃቦም ድማ ምስ ዝለዓለ ደረጃ ርህራሄ ዝተኣሳሰር ምዃኑን ትሕብር። ክንክን እንስሳ ዘቤት ምግባር ኦቲዝም ኣብ ዘለዎም ህጻናትን ስድራቤታቶምን ዘሎ ውጥረት (ጸቕጢ) ክንክይ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ደጋፊ ምትእስሳር ንምፍጣር ክሕግዝ ይኽእል።

ካልኦት መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ ድማ፡ ህጻናት ካብ እንስሳታት ህሞታዊ ረብሓታት ይረኽቡ እዮም። ኣብ ሓደ ጽምዲ መጽናዕትታት፡ ህጻናት ኣብ ሓደ ናይ ነገራት ምምዳብ ዕማም ውሑድ ጌጋታት ክፍፅሙ ዝተረኣዩ ኮይኖም፡ ኣብቲ ዘለዉሉ ክፍሊ ከልቢ ምስ ዝህሉ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ምዝካር ዕማም ውሑድ ምልክታት ጥራሕ ይፅበዩ ነይሮም።

ዓበይቲ’ውን ንእንስሳታት ገዛና ከም ኣባላት ስድራቤት ምርኣይ እንተወሓደ ጥዕናና ከም ዘመሓይሽ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዝምድና ምስ እንስሳታት – ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ሰባት

እንስሳታት ገዛ ብሓቂ መሰረት ናይዚ ዅሉ ረብሓታት ድዮም ወይስ ከምኡ ከምዝኾኑ ኢና ንሓስብ? ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ - ፐርዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ህዝብን ዓለማዊ ጥዕናን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝኾነት ሄይሊ ክርስቲያን ሓንቲ ካብቶም ኣብዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካይዱ ተመራመርቲ እያ።

ሄይሊን መሳርሕታን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓት ኣብ ዝዕድሚኦም 4000 ህጻናት ካብ ዝገብርዎ መፅናዕቲ ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ፍትው እንስሳ ምውናን ምስ መዛኑ ዝፍጠሩ ፀገማት ክንክዩ ከምዝገብርን ንማሕበረሰብ ብወለንተኝነት ናይ ምግልጋል ባህርያት ከም ዘማዕብል የመልክት።

ህፃን ምስ ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ገዝኦም ከልቢ ኣብ ዘለዎም ስድራ ዝነብሩ ካብ 2 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ዝያዳ ንጡፋት ከምዝኾኑ፣ ኣብ 'ስክሪን' ዝወሓደ ግዜ ከም ዘሕልፉን ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ከም ዝድቅሱን ተረጋጊፁ።

ብቐጻሊ ምስ ከልቢ ዝተኣሳሰር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ህጻናት ዝሓሸ ውጽኢት ዕብየት ከም ዘለዎም መፅናዕቲ እቶም ተመራመርቲ የመልክት።

እዚ ማለት ግን ኩሉ ስድራቤት ፍትው ናይ ገዛ እንስሳ ክህልዎ ኣለዎ ማለት፤ ወይ ድማ ኩሉ ከልቢ ዘለዎ ቆልዓ ካብቶም ከልቢ ዘይብሎም ዝሓሸ ኩነታት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ናይ ባህሪ ጉዳያት፣ ዝተሓላለኹ ሕክምናዊ ድሌታትን ንሓደ እንስሳ ምእላይ ዘስዕቦ ፋይናንሳዊ ጾርን ተደማሚሮም ነቲ ምስ ፍትው እንስሳ ዝህልው ህይወት ካብቲ እንፅበዮ ንታሕቲ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ንእንስሳ ዘቤት ኣብ ዘይምቹእ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ስድራቤታት ከኣ ተወሳኺ ዕንቅፋታት የጋጥሞም።

"ኩሉ ቆልዓ ዘለዎ ሰብ ከልቢ ክህልዎ ኣብ እንመኽረሉ ደረጃ ንበጽሕ ኣይመስለንን" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ - ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝምድና ሰብን እንስሳን ሜጋን ሙለር።

ድልዱል ዝምድና ምህናጽ

ፍትዋት ናይ ገዛ እንስሳታት ኣብ ህጻናት ዝህልዎም ኣወንታዊ ጽልዋ ክለዓል ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ኩነታት ርክቦም ምፍላጥ እውን ወሳኒ'ዩ።

ምስ እንስሳ እተሕልፎ ግዜ ሓደ ረቛሒ እዩ። ንኣብነት ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ ኣብ ክፍሎም ዝለመደ ‘ሃምስተር’ [ኣንጭዋ ዝመስል እንስሳ] እንተሃልይዎም፡ ነቲ እንስሳ ልክዕ ምስቲ ድሕሪ ትምህርቲ መዓልታዊ ሒዝካዮ ክትዘውር ናይ ስድራቤት ከልቢ ዝመጣጠን ምትእስሳር ክህልወካ ዘሎ ተኽእሎ ፀቢብ እዩ።

ዕድመ ሓደ ህጻን እውን ምስ ሓደ ፍሉይ እንስሳ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ካብቶም ብኣፈጣጥርኦም ኣዝዮም ርሑቓት ዝኾኑ ከም ኣዕዋፍን ዓሳን ዝበሉ እንስሳት ምስቶም ከም ድሙን ኣኽላባትን ዝኣመሰሉ ምስ ደቂ ሰባት ዝያዳ ዝላመዱ እንስሳታት ዝሓየለ ምትእስሳር የማዕብሉ።

ኣብ ኣውስትራልያ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓፍቲ ወይ ሓው ዘይብሎም ህጻናት ካብ ፍትዋት ናይ ገዛ እንስሳታት ክርብሑ ከም ዝኽእሉ የመልክት። እዚ ዝኸውን ድማ ምናልባት ሓደ ሓደ ግዜ ከም ተካኢ ሓው/ሓፍቲ ኮይኖም ስለ ዝነጥፉ ክኸውን ይኽእል።

ከልቢ ዝሓቖፈ ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንስሳታት ገዛ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ንዝህሉ ማሕበራዊ ርክባት ኣብ ምጥንኻር ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መዕበይቲ ስድራቤታት፡ እንስሳ ዘቤት ኣብ መንጎ መዕበይትን ህጻናትን ጥቡቕ ዝምድና ንምምችቻእ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኣብ ገዝኦም እንስሳ ዝነበሮም ህጻናት፡ ብዛዕባ ኣእምሮ እንስሳታት ዝለዓለ ደረጃ እምነት ከም ዘለዎም፡ ማለት እንስሳታት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባትን ስምዒታትን ከም ዘለዎም ዝሓስቡ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስ ናይ ገዛ እንስሳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ቆልዓ ምስ ተፈጥሮ ኣዝዩ ስጡም ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እንስሳታት ብዛዕባ ቆልዑ እንታይ ይሓስቡ?

ከልቢ ዝሓዘ ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣኽላባት ኣብ ጎኒ ደቂ ሰባት ክነብሩ ዝኽእሉን ኣዝዩ ድልዱል ምትእስሳር ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ዘለዎምን ምዃኖም ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ድሙ ብልቦም ኣብ ብሕትውና ዝነብሩ ፍጥረታት እዮም። ከምኡ ኮይኖም ግን ነቶም ምስኦም ዘለዉ ሰባት ከም ስድራ ዝቘጽርዎም ይመስሉ።

"ድሙታትና ጭራአን ኣልዒለን ኣብ እግርና ብምሕኻኽ ሰላም ይብላና - እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ምስ ካልእ ኣጸቢቐን ዝፈልጣኦ ወይ ከም ኣባል ስድራቤት ዝቖጽርኦ ድሙ ክረኽባ ከለዋ ዝገብርኦ እዩ” ክብል ብራድሾው ኣብታ ‘ዘ ኣኒማልስ ኣሞንግ ኣስ’ እትብል መጽሓፉ ጽሒፉ’ሎ።

እዚ ናይ ምዝማድ ተኽእሎ ምስ ህጻናት ይትርጎም ድዩ ኣይትርጎምን? ዝብል ግን ኣብቲ ናይቲ እንስሳ ብእስነቱ ዘሕለፎ ተመኩሮታት እዩ ዝምርኮስ።

እዚ ክኸውን ድማ ክልቲኦም ድሙን ኣኽላባትን ሓጺር መስኮት ዕድመ ኣለዎም። ንኮራኹር ኣኽላባት ካብ ከባቢ ሸሞንተ ክሳብ 16 ሰሙን ኣብ ዘሎ ዕድሚኦም ብዛዕባ ኣብ ህይወቶም ከጋጥሞዎም ዝኽእሉ ዓይነታት ሰባት ይፈልጡ።

"ኮራኹር ወይ ነኣሽቱ ደማሙ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ዕድሚኦም ወይ ከከምቲ መሰረታዊ ባህርያቶም ምስ ቆልዑ ብኣጋ ክላለዩ እንተዘይኪኢሎም ምሉእ ብምሉእ ኣሉታዊ ምልክታት ከርእዩ ከም ዝኽእሉ ዝፍለጥ እዩ" ይብል ብራድሾው።

ኣብ ውሽጢ ገዛና እነዕብዮም እንስሳታትና ባህርያት እንስሳት ክላበሱ ዘይምግባር- ማለት፡ ከም ደቂ ሰባት ክሓስቡን ክመላለሱን ምጽባይ - ብፍላይ ኣብ ድሕነት ሓደ ህጻን ቆላሕታ ክንገብረሉ ኣገዳሲ እዩ።

"ሓደ ከልቢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከመይ ምላሽ ከም ዝህብ ፈጺምካ 100 ሚእታዊት ርግጸኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል ብራድሾው።

ህጻናት ባዕሎም ንናይ ገዛ እንስሳታት ከም ኣብ ህይወቶም ኣገደስቲ ፍጡራት ጌሮም ይሰርዕዎም እዮም። ከም ብጾቶም፣ ከም መጸናንዕን ደገፍቶምን ከምኡ’ውን መመሳጥርቶምን እውን ይርእይዎም።