ብሰንኪ ምኽሳዕ ህጻናት ብሕማም ሽኮር ይተሓዙ ኣለዉ- መጽናዕቲ

ዝከሰዐ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ ምኽሳዕ (ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ) ኣብ ህጻውንቲ “ኣዝዩ ዘሻቕል ወሰኽ” ሓማም ሽኮር-2 ይርከብ ከምዘሎ ሓካይም ይሕብሩ።

ዳያቢትስ ዩኬ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ፡ ዓቐኑ ዝሓለፎ ርጉዲ ነቲ ኣብ ህጻናት ዝረኣይ ዘሎ ሕማም ሽኮር ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእልን ምኽባር ናብራ ዝፈጠሮ ዘይጥዑይ ኣመጋግባ'ውን ነቲ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእልን ገሊጹ።

ብፍላይ እቲ ኩነታት ኣብ ዝተረሰዑ ከባቢታት እንግሊዝን ዌልስን ዝገደደ ከምዝኾነ ቁጽራዊ መረዳእታ የመልክት።

ካብቶም 10 ብሽኮር-2 ዝተትሓዙ ህጻናት እቶም ኣርባዕተ ካብ ዝተገለሉ ከባቢታት ዝመጹ እዮም።

ኣብታ ሃገር ካብ 10 ህጻናት እቲ ሓደ፡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ኣብ ዝበጽሐሉ፡ ካብ መጠን ዝሓለፎ ርጉዲ ኣለዎ።

ዓቐን ዝሓለፎ ርጉዲ ፡ ንሕማም ሽኮር-2 ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ዝውስኽ ኮይኑ፡ ናይ ቤተሰብ ናይ ሕማም ሽኮር ድሕረ ባይታን ዓሌትን እውን ነቲ ሕማም ዘቃልዑ ባእታታት እዮም።

ሕማም ሽኮር ኣብ ደም ብዙሕ ሽኮር (ግሉኮዝ) ክህሉ ዝገብር ሕማም እዩ።

ሕማም ሽኮር 1 ዘለዎም ሰባት ኢንሱሊን ኣየመንጭዉን፤ ሽኮር ክልተ ድማ ብቑዕ ወይ እኹል ዘይኮነ ኢንሱሊን የመንጩ።

ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት በዝሒ ብሕማም ሽኮር ክልተ ዝተጠቕዑ ህጻናት ብ 50 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ መረዳእታ ዳያቢትስ ዩኬ ይሕብር።

ዋና ፈጻሚ እቲ ትካል ክሪስ ኢስኪው “ኣብ ህጻናት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ክሰዐ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ነቲ ናይ ህጻናት ደረጃ ክልተ ሽኮር ከየጋድዶ ኣዚና ተሻቒልና ኣለና” ብምባል ኣብ ተበጻሕነት ጥዕና ዘሎ ዘይምዕሩይነት ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነን ምኽባር ናብራ እውን ከምዘጋደዶን ተዛሪቡ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ብወገኑ ኣብ 2030 ክሰዐ ህጻናት ብፍርቂ ንምንካይ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ ገሊጹ።