ድሕሪ ፈታኒ ጕዕዞ ስደትን ስቓይን ምስ ስድራኡ ክሕወስ ዘይከኣለ መንእሰይ

ሽመይ ዲኔ ኣሕመድ ይበሃል። ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ’የ፤ ኣብ ምብራቕ ወለጋ [ክልል ኦሮሚያ] ወረዳ ሲቡ ስሬ ጣብያ ቦቈ ጂማ ዓብየ።
ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽአይ ኣብ ትምህርተይ ንፉዕ'የ ነይረ። ኣቦይ’ውን የተባብዐኒ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ክፍሊ ቀዳማይን ካልኣይን እየ ዝወጽእ ነይረ።
ኣብ ሻድሻይ ክፍሊ ጥራይ’የ ሳልሳይ ወጺአ። ሻብዓይ ክፍሊ ኣትየ ንሓንቲ ወርሒ ምስ ተመሃርና ግን ኣብቲ ከባቢ ጐንጺ ስለ ዝተላዕለ ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ።
ብሰንኪ'ዚ፡ ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ተሰናኺለ፤ ካብ ሃገር ክወጽእ ከኣ ወሲነ።
ድሕሪኡ፡ መማህርተይ ዝነበረ ኣብ ግብጺ ዝነብር ሓደ ደላሊ ተሌፎን ደዊለሉ። ንሱ ከኣ ኣብ ድሬዳዋ ንዝርከብ ካልእ ደላሊ ይድውል።
ካብ ሃገር ንምውጻእ 15 ሽሕ ብር ከም ዘድሊ ይነግረኒ፤ ኣነ ግን ኣነ ሰለስተ ሽሕ ጥራይ’ዩ ነይሩኒ።
ክሳብ ድሬዳዋ ዘብጽሓኒ ከፊለ፡ በቲ ዝተረፈ ድማ ክዳን ገዚአ፤ ኣብ ኢደይ ዝተረፈኒ ገንዘብ ኣይነበረን።
ማይ ተሰፊሩ ዝቐርበሉ ጉዕዞ ስደት
ድሬዳዋ ምስ በጻሕኩ፡ ደለልቲ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ሓዊሶም ናብ በረኻ ሶማል ወሲዶምና።
ኣብኡ፡ ዝብላዕ ዝስተ ኣይነበረናን። ሎሚ እንተበሊዕካ ጽባሕ ዘይክትበልዕ ትኽእል።
ማይ ተዓቒኑ’ዩ ዝቐርበልና። ሓንቲ ሊትሮ ንኽልተ ሰብ ትወሃብ።
ሶማል ምስ በጻሕና፡ ተወሳኺ ገንዘብ ንኽንከፍል ናብ ስድራ ስልኪ ደውሉ ኢሎምና። ገንዘብ ንዘይብሎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ይሃርሙዎም ነይሮም።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንኽልተ ወርሒ ጸኒሕና። ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፣ ፍርቈም ከኣ ገዲፎምና ብጅቡቲ ከይዶም።
ንሕና ከኣ፡ ናብ ስዑዲ ንምኻድ መገዲ እናተሳለጠልና እንከሎ ኣነ ሓሚመ።
ኣብ ጸምጸም በረኻ፡ ንነዊሕ መዓልታት ስለ ዝተጓዓዝና ከምኡ’ውን ማይን መግብን ብምስኣንና ተዳኺመ ነይረ።
ምሳና ናብ ስዑዲ ክኸዱ ይጽበዩ ካብ ዝነበሩ፡ እቶም 450 ሞይቶም’ዮም። ካብዚኦም ሽሞም ዝፈልጦም ቈልዑ ኣለው።
‘ካብኦም ከተምልጥ ኣይትኽእልን’
ቤተሰብና ገንዘብ ዘይብሎም እንተዀይኖም፡ ቴሌፎን ብምድዋል ስድራና እናሰምዑ ይሃርሙና።
እቲ ዝደልይዎ ገንዘብ እንተዘይተላኢኹ ሓደ ዓመት’ውን እንተዀነ፡ ሒዞምና ኰፍ ይብሉ እምበር ኣየውጽኡናን።
እናቀጥቀጡኻ ኣብ ኢዶም ክትደኽሞም እንከለኻ ድማ ናብ ጐደና ኣውጺኦም ይድርብዩኻ። ኣነ፡ ድሕሪኡ’የ ኣብ ኢድ ደለልቲ ከም ዝዀንኩን ገንዘብ ክልእኹለይ ከም ዝደልን ቴሌፎን ደዊለ ሓቲተዮም።
ስድራ’ውን፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ገንዘብ ኣኻኺቦም ሰዲዶምለይ። መጀመርታ ተመለስ እንዶ ኢሎምኒ፤ ኣነ ግን እምብለይ ኢለ።
ቤተሰበይ፡ 15 ሽሕ ብር ምስ ልኣኹለይ መገዲ ጀሚርና። ኣብ ውሽጢ በረኻ ንሓደ ሰሙን ብእግርና ተጓዒዝና።
ኣብ ዝመሰየና እናሓደርና ምስ ወግሐ ጕዕዞ ንቕጽል።
ኣብ ገምገም ባሕሪ ምስ በጻሕና፡ ካልእ ጕጅለ ኣብ ድሕረና ስለ ዘሎ ምስኦም ኢኹም ትኸዱ፡ ኢሎም ኣብ ሓደ ሕብእ ዝበለ ቦታ ኣኪቦም የቐምጡና።
ካብ መንጐና ተስፋ ቘሪጾም ዝምለሱ ሰባት ነይሮም’ዮም፤ ፍርቈም ድማ ማዕረና ምስጓም ኣብይዎም ኣብ በረኻ ተሪፎም።
እቶም ደለልቲ፡ ዝደለይዎ ገንዘብ ምስ ረኸቡ ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተሞትካ’ውን ኣይግድሶምን።
ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ በጻሕና፡ ካልኦት ደለልቲ ናብ የመን ንምኻድ ገንዘብ ክፈሉ ይብሉና።
እንተደልዮም፡ 100 ሽሕ ብር ኣምጽእ ይብሉኻ፤ ኣብቲ ሰብ ዝብሃል ዘይብሉ በረኻ ኣሲሮም ሰብ ዘሳቕይሉ ቦታ ኣለዎም።
ገንዘብ የብለይን እንተኢልካዮም ድማ፡ ምስ ደኸምካ ኣውጺኦም ይድርቡዩኻ።

ስእነት ሰላም ዝወለዶ ቅዛነት
ኣብ ሃገር ከለኹ ተመሃሪ’የ ነይረ። ምስ ኣቦይን ኣደይን ከኣ ይመሃር ነይረ።
ብሰንኪ ሰላም ምስኣን ግን ዝመሃረሉ ቦታ ኣይነበረን። ብሰንኪ'ዚ እየ ወለደይ፡ ጥራውዝትይ መጽሓፍተይን ገዲፈ ናብ የመን ክስደድ ወጺአ።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኣይኦኤም] ናብ ሆስፒታል ምስ ኣእተወኒ፡ ሕጽበት ኩሊት ክገብር ከም ዘለኒ፡ ኩሊተይ ጽቡቕ ይሰርሓ ከምዘየለዋ ነጊሮምኒ።
ብፍላይ የመን ምስ ኣተኹ፡ እቲ ትካል እዩ ዘሐክመኒ ነይሩ።
ካብ ሃገር ክወጽእ እንከለኹ፡ ስራሕ ኣብ ዓቢይ ቦታ ክበጽሕ’የ ኢለ ነይረ። እንተዀነ፡ ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ኣይኰነን።
ምስ ሓመምኩ ብዙሕ ተጸጊመ። ንሳቶም [ሰራሕተኛታት ኣይኦኤም] እውን ምሳይ ተሸጊሮም።
ካብ ሃገር ቅድሚ ምውጽአይ፡ ኦነግ ኢኹም ኢሎም ክኣስሩና መጺኦም፤ ንሕና ግን ሰለማውያን ሰባት [ገባር] ኢና። ብዛዕባ ኦነግ’ውን እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
ኦነግ፡ ኣብ ጫካ እምበር ኣብ ከባቢና ብዙሕ ኣይፍለጥን ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብኡኡ ምኽንያት ከከላብቱና እንከለው ኣብዚ ሰሪሕና፡ ገዛእ ርእስናን ናብራናን ክንቅይር ኣይንኽእልን ኢልና ኢና ካብ ሃገር ወጺእና።
መጀመርታ ካብ ሃገር ዘውጽኣኒ ምኽንያት እዚ እዩ። እዚ ዅሉ ጕዕዞ ስደት ሓሊፈ ኸኣ ዝገደደ ጥዕናይ ስኢነ።
ካብ የመን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ኵነታት ከምዘመቻችኡለይ ክነግሩኒ እንከለው፡ ኣነ ናብ ስዑዲ እንተዘይከድኩ ኢለ ሓንጊደ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሓካይም ይመኽሩኒ፤ ኣብዚ ዕድመኻ ኣብ መገዲ ካብ እትተርፍ ናብ ሃገርካ ተመሊስካ ምስ ኣደኻን ኣቦኻን ክትነብር ኢና ንምዕደካ ኢሎምኒ።
ግደ ሓቂ፡ ከም ኣቦ እዮም ዝሕግዙንን ዝመኽሩንን፤ ኣምላኽ ውዕለቶም ይኽፈለለይ።
ኣባላት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዮም ናብ ሆስፒታል ኣእትዮም ዝሕብሕቡንን ዘሐከሙንን።
ጕዕዞ ናብ ኢትዮጵያ
ኣብ ስደት እንከለና፡ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም’ዮም። ናብ ስዑዲ እናኸዱ እንከለው ኣብ መገዲ ተሃሪሞም፣ ኣብ የመን ኣብቲ ዝደቀስኩሉ ሆስፒታል ኣትዮም ዝሞቱ ብዙሓት እዮም።
ድሕሪኡ፡ ካብዝስ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ይሓይሽ ኢለ ወሲነ።
ናብ ሃገር ዝተመለስኩሉ መዓልቲ ዓቢ ሓጐስ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ኣብ ስደት እንከለኹ ምስ ስድራይ ክራኸብ ኣይክእልን ነይረ።
ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለስኩ ግን ስድራይ ብቴሌፎን ረኺበዮም። እንተዀነ፡ ኣነ ካብ ሃገር ምስ ወጻእኩ፡ ኣብቲ ከባቢና ብምሉኡ ግጭት ተላዒሉ ኵሉ ነገራት ተቐይሩ'ዩ ጸኒሑኒ።
ሕጂ፡ ስድራይ ጨዋቃ ናብ ዝበሃል ከባቢ ተመዛቢሎም እዮም ዘለው። ቤትን ንብረቶምን ኵሉ ዓንዩ’ዩ።
ነበርቲ ጨዋቃ’ዮም ንዕኦም’ውን ዝሕግዙዎም ዘለው።
ስድራይ ተሌፎን ክድውለሎም እንከለኹ፡ ጥሪቶምን ኵለን ተሓሪዶም ህይወቶም ጥራይ ንምትራፍ ሃዲሞም ኣብ ኢድ ሰብ ከም ዝርከቡ ነጊሮምኒ።
ሓዚነ፤ ኣነ ግን ዋላ ሓደ ክገብረሎም ዝኽእል ነገር የለን። ካብ ሃገር ምስ ወጻእኩ ኩሊተይ ስለ ዝሓመምኩ ሰሪሐ ክልእከሎም ዝኽእል ነገር ኣይነበረን።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጻእኩ ቴሌፎን ክድውለሎም እንከለኹ፡ ‘ከመይ ከም እንመጽእ ጸጊሙና እምበር መጺእና ምርኣናካ’ ይብሉኒ።
ግን ገንዘብ የብሎምን።
ኣነ ሕጂ ናብቲ ዝተወለድኩሉ ከባቢ ተመሊሰ ዝኸደሉ ምኽንያት የለን። ኣብ ከባቢ ነቀምት ሰሪሐ ዝነብረሉ ወይ ትምህርተይ ዝቕጽለሉ ዕድል እንተዝረክብ ግን ደስ ምብለኒ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







