‘ትሕቲ ክሳዱ ዝተቐብረ ሰብ ኴንና ንነብር ኣለና’ - ተጋሩ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, KASSA HAILEMARIYAM/ FACEBOOK
ንብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ስነልቦናውን ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ዝገልጹ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ምምሕዳር ገዳርፍ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ቱናይድባህ ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ሰላም ኣውሪዶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ተስፋ ይገብሩ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ክትነብር ዝጸንሐት ጓል 46 ዓመት ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረእግዝኣብሄርን ደቃን ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ዶብ ሱዳን ካብ ዝሰግሩ 19 ኣዋርሕ ሓሊፎም ኣለው።
ንሳን ደቃን ዝለመድዎ ጽቡቕ መግብን መደቀስን ካብ ዝሓርሞም’ውን ኣዋርሕ ተቘጺሮም።
መዓስከር ቱናይድባህ፡ ንዓሰርታት ኣሽሓት ስደተኛታት መጽለሊ እንተዀነ’ውን፡ ከቢድ ሕጽረት ቀረብ መግብን ዘተኣማምን መጽለሊ ቦታን ግን ኣለዎ።
ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ክሳብ 28 ለካቲት 2022፡ ኣብቲ መዓስከር፡ 23ሽሕን 750 ስደተኛታት ከም ዝነብሩ የመልክት።
እዚኦም፡ ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ወርሓዊ ብዝረኽብዎ 14 ኪሎ ማሽላ፡ ሓደ ሊትሮ ዘይቲን ሓደ ኪሎ ዓደስን፡ ምንባር ጥራይ ከም ዝቕጽሉ እቶም ስደተኛታት ብምስትንታን ይዛረቡ።
“እዚአን ቁንጣሮ ጥረ ጨው ተወሲኸንአን’የን ዝወሃባና። ካልእ ምንም ተወሳኺ ነገር የብሉን። ንሕና'ውን እቲ ኣመጻጽኣና ብጣዕሚ ዝኸፍአ’ዩ ነይሩ። ኣብ ዝባንና ዝነበረ ዝተቐደደ ይዅን ጥዑይ ጨርቂ ሒዝና ሬሳታት እናሰገርና ኢና መጺእና፤ ከቢድ’ዩ” ብምባል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ነቲ ኵነታት ተረድእ።
በዚ ምኽንያት፡ ንሳን ካልኦት ስደተኛታት መነባብሮኦም፡ “ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ዝተቐበረ፡ ግን ትንፋሱ ዘይሓለፈ ኴንና ኢና ንነብር ዘልና” ክትብል ነቲ ናይ ስደት ህይወታ ትገልጾ።
ንሳ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ዶብ ሱዳን ሰጊራ ኣብ ሓምዳይት ክትጸንሕ እንከላ፡ ካብ 11 ለካቲት 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ ግን ኣብቲ መዓስከር ኣትያ።
እቲ ዝቐርበሎም ሓገዛት፡ እዋኑ ሓልዩ ከም ዘይመጽእን ዝተቘራረጸ ከም ዝዀነን እትዛረብ ካልእ ስደተኛ እቲ መዓስከር ለተብርሃን ተኽላይ፡ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ብምህላዩ ብዙሓት ንሕማማት ተቓላዕቲ ኰይኖም’ዮም ትብል።
“ኣብ ኵሉ ጐዶሎ ኣሎ፤ ሰብ ክኣ ብጣዕሚ’ዩ ዝሓምም፤ ዕፍሽዋን ካልእን እናሓመመ መብዛሕትኡ ሰብነቱ ምልክት ጥራይ ኰይኑ’ዩ። መድሃኒት’ውን ብኡ መንጽር ኣይርከብን፡” ትብል።
ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝሰገሩ ጸብጻባት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ዘየተኣማምኑ ቴንዳታትን ክረምትን
መዓስከር ቱናይድባህ ካብ ገዳርፍ ብመኪና ኣስታት ክልተ ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ጐልጎል ዝተደኰነ ንንፋስን ዝናብን ዝተቓልዐ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
መብዛሕትኦም፡ ብገመድን ጀዲድ ጨርቅን ተወጢሮም ዝተሰርሑ እዮም ዝብል ኣመሓዳሪ እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ኣዳል፡ ኣብቲ መዓስከር ካብ ዘለው 14 ብሎካት፡ ኣብ ሓደ ብሎክ ክሳብ 550 ዝበጽሕ ካብ ቴንዳ ዝተሰርሑ መጽለሊ ቦታታት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።
“ቅድም ኢሉ፡ ነቶም ኣካላዊ መጉዳእትን ጥዕናዊ ጸገማትን ዘለዎም ሰባት ኣጉዶ ዝመስል ገዛ ተሰሪሑሎም’ዮም፤ ኣብ ዝተወሰነ ብሎካት’ውን ዝተጀመረ ስርሓት ኣሎ። ዝበዝሕ ህዝቢ ግን ኣብ ቴንዳ እዩ ዘሎ፤ ንሳተን ከኣ ኣብዚ እዋን ኣሪገን ስለ ዝተቐደዳ፡ እቲ ስደተኛ ብቐዳድ ጨርቂ፣ ሳዕሪ ገይሩ እናለገበ መጸገኒ ስኢኑለን። ሕጂ ክኣ ክረምቲ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ኣሎ” ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ መዓስከር ዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስን ብርክት ዝበለ መጽለሊ ቦታ ከዕኑ እንከሎ፡ ብዝስዓበ ሓያል ውሑጅ ድማ ተዋሒጡ ነይሩ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ንሰሙናት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ንፋስ፡ ናውትን መዕቀሊን ስደተኛታት መዓስከራት ኡም ራኩባን ቱናይድባህን ከም ዘዕነወ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ካብ 10 ሽሕ ስድራቤታት ናይቶም ኣርባዕተ ሽሕ መንበሪ ቴንዳ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ፡ ዝናብን በረድ ዝተሓወሶ ህቦብላን ከም ዝዓነዉ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ'ዩ።
“ኣስታት 568 ዝኣኽሉ መራሕቲ ስድራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኮለልን ጥርዓንን’ዮም ዘለው። ገዛውትና ተቐዲደንን ፈሪሰንን ጀማይካ ብዝተባህለ ገመድ ተሸቂጠን፡ ጨርቂ ዘርጊሕና ኣብ ንፋስን ቁርን ካብ እንነብር ዓመትን ሸውዓተ ወርሕ ሓሊፉና። ካልኣይ ክረምቲ ኣርኪቡና ኣሎ፤ ንንፋስን ውሑጅን ኢና ድሉዋት ኴንና ዘለና እምበር፡ ክረምቲ ይመጽኣኒ ኣሎ’ሞ ኣብ ገዛይ ከጽልል ዝብል ተስፋ የብልናን” ክትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ስግኣታ ትገልጽ።
እቲ ስደተኛ ብትኽክል ኣይተሓገዘን ዝብል ኣመሓዳሪ እቲ መዓስከር ኣቶ ኣስማረ ብወገኑ፡ ቅድም ኢሉ ዝተዋህቦም ናይ ሶላር መብራህቲ ተበላሽዩ ከም ዘይተተክኣሎምን ብዝቐርበሎም ሓገዝ ዕጉባት ዘይኰኑ ናብራኦም ንምሕጋዝ ዝተዋህቦም ኮበርታ ከም ዝሸጥዎን ሓቢሩ።
“እቲ ሰፋራይ፡ መጀመርታ ካብ ኲናት ተመዛቢሉ ስለ ዝመጽአ እቲ ዝጸንሖ ከም ናብራ ተቐቢልዎ፡ ስፋር እኽልን፡ ኮበርታን ተዋሂብዎ ኣብ መሬት ስጋጃ ኣንጺፉ ናብራ ክደፍእ ጀሚሩ። ሕጂ ግን ዝተጐሳቘለ ህይወት ኰይኑ፤ መማረጺ ዝሰኣነ ህይወቱ ንምሕጋዝ ዝተዋህቦ ኮበርታን ዝመጽኣሉ እኽልን ሸይጡ ንበርበረን ዕንጸይትን ዘውዕል ኣሎ፡” ይብል።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ መዓስከር ስርቅን ካልኦት ጸገማትን የጋጥሙ ምህላዎም’ውን እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።
ተስፋታት ሰላም
እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝሓልፍዎ ዘለው ህይወት እቲ ዝኸፍአ ሸነኹ፡ ቤተይ ካብ ዝብልዎ ከባብን ስድራ ቤትን ዝርሓቑ ብምዃኖም እዩ።
ኣብ ቀረባ፡ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ንምዝርራብ ቅሩባት ምዃኖም ምግላጾም ክኣ፡ ተስፋታት ሰላም ክቀላቐል ገይሩ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ኮሚቴ ቈይሙ ምህላው ሓቢሩ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል’ውን፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ንምዝርራብ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ “ኣብቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝዳሎ ዘተ ዝሳተፍ ሓላፍነትን መምርሕን ዝተዋህቦ ልኡኽ ንምስዳድ ተዳሊና ኢና” ኢሉ።
“ኣብ ግዜ ሰላም፡ ወሊደ ደቀይ ኣምሂረ ኣብ ስራሕ ኣብጺሐ’የ፤ ጽቡቕ ህይወት ነይሩኒ። ኣብ ልምዓትን ስራሕን ኢና ነይርና፤ ድሕሪ እቲ ኲናት እንነብሮ ዘለና ግን እቲ ዝኸፍአ ዝብሃል እዩ” እትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ፡ ንተግባራውነት እዚ ተበግሶ ብሃንቀውታ ካብ ዝጽበዩ ስደተኛታት ሓንቲ እያ።
ክሳብ ሕጂ፡ ደሃይ ኣብ ዞባ ማእከል ዝነብሩ ወለዳን ኣሕዋታን የብላን።
“ዋይ ዋይ! ክሳብ እዛ ዕለት፡ ስድራይ ተወዲኦም’ዶ ይዀኑ?እቲ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ ከመይ ኢለ ክደፍኦ? እናበልኩ እየ ዝጭነቕ። እቲ ሃዋሁ ሰላም ካብ ዘሕደረለይ ተስፋ ሓደ፡ ዓዲ ተመሊሰ ዝተወሰነ ስድራ’ዶ ይረክብ ይኸውን? ዝብል ኰይኑ፡ ናብ ዓዲ ተመሊሰ ንቡር ህይወትይን ናብራይን ክምለስ ተስፋ እገብር፡” ኢላ።
ለተብርሃን፡ ብዛዕባ እዞም ምዕባለታት ከም ዘይሰምዐትን፡ እትሰምዓሉ መገዲ'ውን ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ “ወትሩ፡ ዋላ’ውን እቲ ህይወት እንተመረረ፣ ብሽግራት'ውን እንተመልአ፡ ሰላም መጺኡ ክርኢ ተስፋ እገብር፡” ትብል።
እቲ ንኣስታት 19 ኣዋርሕ ዝቐጸለን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ከም ዘስዓበ ይዝረብ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዓለም ካብተን ዝበዝሐ ተመዛበልቲ ዘለወን ሃገራት ከም ዝኾነት፡ ኣብ ቅድሚት ከም እትስራዕን ንውሽጣዊ ምዝንባል ዝከታተል ትካል (IDMC) ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ 5.1 ሚሊዮን ሰባት ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝቕጽሉ ዘለው ጐንጽታትን ብሄር ተኰር መጥቃዕታትን፣ ደርቂ ከምኡ’ውን ቍጠባዊ ዘይምርግጋእ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም።
ካብዚኦም፡ እቶም 4.2 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







