'ተባዕታይነት' ክሕሎ ኣለዎ ብምባል ሃይማኖቶም ናብ ኦርቶዶክስ ሩስያ ዝቕይሩ ዘለው ኣመሪካውያን

ምእመን ቤተክርስቲያን ቀሺ ሙሴ ማክፈርሰን ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ኣብ ኢንተርነት ድማ ዓቢ ተኸታታሊ ኣለዎ
መግለጺ ስእሊ, ምእመን ቤተክርስቲያን ቀሺ ሙሴ ማክፈርሰን ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ኣብ ኢንተርነት ድማ ዓቢ ተኸታታሊ ኣለዎ

"ብዙሓት ሰባት፡ 'ኣቦይ ሙሴ፡ ከመይ ጌረ እየ ተባዕታይነተይ ክብ ከብሎ ዝኽእል?' ብምባል ይሓቱኒ።"

ኣብ ናይ ዩቱብ ቪድዮ፡ ሓደ ካህን ንተሪርን ጣዕሳ ዘየርእን ዓይነት ተባዕታይነትን ይጣበቕ ኣሎ።

ጸቢብ ጂንስ ምግባር፡ እግርኻ ሰቒልካ ከፍ ምባል፡ ክዳን ምትኳስ፡ ቅንድብ ዓይንኻ መልክዕ ምትሓዝ፡ ዋላ ሾርባ ምብላዕ፡ ካብቶም ኣዝዩ ኣንስታዊ ክብል ዘላግጸሎም ነገራት እዮም።

ቀሺ ሙሴ ማክፈርሰን - ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ - ናይ ክብደት ሓጺናት ከልዕል ዘርእዩ ካልኦት ቪድዮታት'ዉን ኣለው።

ፕሮቴስታንት ኰይኑ ዓብዩ፤ ኣብ ሓደ እዋን ሃናጺ ነይሩ።

ሕጂ ግን ኣብ ጆርጅታውን ቴክሳስ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ካብ ሩስያ ወጻኢ (ROCOR) ከም ካህን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

እዚ ድማ ጨንፈር ናይቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ኣደ ቤተክርስትያን እዩ።

ኣብ ኒውዮርክ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝኸፈተ ዘለዎ ዓለማዊ መርበብ ሮኮር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ ክፋል ኣመሪካ እናሰፍሐ ይመጽእ ኣሎ - ብቐንዱ ድማ ብሰንኪ ሰባት ካብ ካልእ እምነታት ምቕያሮም እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቀሺ ሙሴ ኣብታ ካብ ኦስቲን ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣደ ኣምላኽ 75 ሓደስቲ ሰዓብቲ ክጥቑ ገይሩ።

"ኣነን በዓልቲ ቤተይን ቅድሚ 20 ዓመት ክንቅይር ከለና ንኦርቶዶክስ ዝበለጸ ዝተዓቀበት ምስጢር ኢና ንብላ ነይርና፡ ምኽንያቱ ሰባት እንታይ ምዃና ኣይፈልጡን ነይሮም፡" ይብል።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ግን ምእመንና ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።"

ኣብታ ቀሺ ሙሴ ዘገልግለላ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ናይ ሰንበት ቅዳሴ፡ ብዙሓት ኣብ ዕስራን ሰላሳን ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ብብዝሒ ክጽልዩ ይርኣዩ።

እዚ ሃይማኖት፡ ካብ 4ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝጅምር ትውፊታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ዘመናዊት ኣመሪካ ህይወት ዝኸበደቶም መንእሰያት ብብዝሒ ዝስሕብ ዘሎ ይመስል።

መሃንዲስ ሶፍትዌር ቴዎዶር፡ ዝፈትዎ ስራሕን ዝፈትዋ በዓልቲ ቤትን ከም ዝነበሮን፡ ውሽጡ ግን ባዶነት ይስምዖ ከም ዝነበረን ይረዛብ።

ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ "ኣዝዩ ተሪር" ከም ዝነበረን ብቐጻሊ ይጋገዩ ከም ዘለዉ ይነግሮም ከም ዘሎን ይኣምን።

ደቂ ተባዕትዮ፡ ማእረርቲን ኣብ ገዛ ንእትጸንሕ ሰበይቲ ክድግፉን ስለ ዝደልዩ ይንቀፉ ኣለዉ ክብል የማርር።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣዝዩ መርዛም ዝምድና'ዩ ዝንገረና ዘሎ፤ ከምኡ ክኸውን የብሉን።"

ዳርጋ ኵሎም ዝረኽቦም ሃይማኖቶም ዝቐየሩ መንእሰያት፡ ንደቆም ኣብ ገዛ ትምህርቲ ክህብዎም ዝመረጹ እዮም።

እዚ ድማ ብኸፊል ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስርሐን ወይ ሞያአን ንላዕሊ ንስድራቤተን ቀዳምነት ክህባ ኣለወን ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም እዩ።

ኣብ ሰሜን ሂዩስተን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ሮኮር ሊቀ ካህን ዝዀኑ ቐሺ ጆን ዋይትፎርድ፡ ቆልዑ ኣብ ገዛ ትምህርቲ መክሃሩ ምግባር፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዘረጋግጽን፡ "ካብ ዛዕባታት ስግረ ጾታ ወይ ካልኦት 57 ዓይታት ጾታ ርሒቕኻ፡ ደቅኻ እትከላኸለሉ መገዲ" ምዃኑን ይዛረቡ።

ምስቲ ኣብ ዓበይቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመሪካ ዝርከቡ ሚልዮናት ሰዓብቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ቁጽሪ ክርስትያን ኦርቶዶክሳውያን ውሑድ እዩ - ኣስታት ሓደ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ጥራይ።

እዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ሩስያ፡ ዩክረይን፡ ኤውሮጳን ግሪኽን ከምኡ'ዉን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያንን የጠቓልል።

ኣብ 1917 ካብ ሰውራ ሩስያ ብዝሃደሙ ካህናትን ኣቕሽሽትን ዝተመስረተት ሮኮር፡ ብብዙሓት ከም ዓቃባዊት ኦርቶዶክሳዊት ስልጣን ኣመሪካ እያ ትረአ።

እዚ ንእሽቶ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ግን ሓያል እዩ፤ ኣብ ውሽጡ ዝግንፍል ዘሎ ድማ፡ ብፍላይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ሞስኮ ዘርእዮ ዘሎ ዝንባለ ስዒቡ፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ሓቀኛ ወሰኽ ቁጽሪ ምእመናን ብቑጽሪ ንምግላጹ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ካብ ማእከል መጽናዕቲ ፒው ዝተረኽበ መረዳእታ ግን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት 64% ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2007 ዝነበረ 46% ከም ዝወሰኸን ይሕብር።

ኣብ 773 ምእመናን ዝተገብረ ንእሽቶ መጽናዕቲ፡ ነዚ ዝንባለ ዝድግፍ ይመስል።

መብዛሕትኦም ኣብ ቀረባ እዋን ሓደስቲ ዝመጽኡ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም፡ ብዙሓት ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓድሽ እምነት ንኽደልዩ ከም ዝደፍኦም ይዛረቡ።

እቲ መጽናዕቲ ካብታ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣላስካ ብሩስያውያን መነኮሳት ዝተመስረተት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣመሪካ (OCA) ዝተወስደ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳን ሜክሲኮን ልዕሊ 700 ሰበኻታት፡ ተልእኾታት፡ ማሕበረሰባት፡ ገዳማትን ትካላትን ዘለዋ እያ።

ከም ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ሩስያ ድማ ትውሰድ።

ታሪኽን ኣተሓሳስባን ምብራቓዊ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትና - ብፍላይ ኣብ ዘመናዊት ሩስያ - ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ስኮት ኬንዎርዚ፡ ኣብ ኦሃዮ ከተማ ሲንሲናቲ ዝርከብ ሰበኻ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ -ኦሲኤ - ትዓቢ ከም ዘላ ይረዛብ።

ን24 ዓመታት ኣብታ ቤተክርስትያን እዩ ተማሂሩ፤ ክሳብ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ብዝሒ ምእመናን ተመሳሳሊ ከም ዝነበረ ይጠቅስ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን ብቐጻሊ ዋሕዚ ሓደስቲ ሓተትትን ንኽጥመቑ ዝዳለዉ ሰባትን ከም ዝተራእየ ገሊጹ።

ፕሮፌሰር ኬንዎርዚ፡ "እዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሰበኻ፡ ወይ ውሑዳት ቦታታት ቴክሳስ ጥራይ ዘሎ ዘይኰነ፡ ብርግጽ ካብዚ ንላዕሊ'ዩ፡" ይብል።

ዲጂታላዊ ዓለም፡ ኣብዚ ማዕበል ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ።

ቀሺ ሙሴ ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ተኸታተልቲ ኣለዎ።

ብኦርቶዶክሳውያን ኣቕሽሽትን ሰዓብትን - ብቐንዱ ደቂ ተባዕትዮ - ዝቐርቡ ካልኦት ዓሰርተታት ፖድካስትን ቪድዮታትን ግን ኣለዉ።

ቀሺ ሙሴ እግዚኣብሔር ንምግልጋል ለልተ መገዲታት ኣለዉ ብምባል ንኣመንቲ ይነግሮም ከም - መነኮስ ወይ ፈላሲት ምዃን፡ ወይ ድማ ምምርዓው።

እቶም ነቲ ካልኣይ መገዲ ዝሓዙ ድማ፡ ካብ መከላኸሊ ጥንሲ ክቑጠቡን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ቆልዑ ክወልዱን ይግባእ ይብል።

"ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ባሪኹ ዝፈልጥ ሓደ ቅዱስ እስከ ንገሩኒ" ይብል።

ቀሺ ሙሴ፡ ሓደ ነገር ቅቡል ጌርካ ምውሳድ "ተባዕታዊ ምዃን ማለት ኣይኰነን፡ ንቡር ጥራይ እዩ። ኣብ ምዕራባውያን ኵሉ ነገር ኣዝዩ ኣንስታዊ ኰይኑ ኣሎ፡" ብምባል ብፍላይ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናት ፕሮቴስታንት ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከታ እየን ኢሉ ይኣምን።

"ኣነ ናብ ናይ ተይለር ስዊፍት ኮንሰርት ኰይኑ ዝስምዓኒ ኣገልግሎታት ክኸይድ ኣይደልን እየ። ቋንቋ ናይቲ 'ናይ ኣምልኾ ሙዚቃ' እንተርኢኻዮ፡ ኵሉ ስምዒት ይበዝሖ - እዚ ተባዕታዊ ኣይኰነን።"

ባክ

ምንጪ ስእሊ, Buck Johnson

ባክ ጆንሰን ን25 ዓመታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ዝሰርሐ ኰይኑ፡ 'ካውንተርፍሎው' ዝተሰመየ ፖድካስት የቕርብ።

ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ከባቢኡ ናብ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ክኣቱ ፈሪሑ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

እዚ ድማ፡ "ዝተፈለየ ስለ ዝመስል፡ ሰብነተይ ብውቃጦ ዝተሸፈነ፡" ስለ ዝዀነ ኢሉ።

እንተዀነ ሓንጐፋይ ኢላ ተቐቢላትኒ በለ።

ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ ዘይተዓጽወት ቤተክርስትያን ምዃና ድማ ኣግራሞት ፈጢርሉ።

እቲ ሓድሽ እምነቱ ኣብ ዓለም ዘለዎ ኣረኣእያ ይቕይሮ ከም ዘሎ ድማ ይዛረብ።

"ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘለዎም ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘጨንቐኒ" ይብል ባክ።

ሚዲያታት ድማ፡ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝንቡዕ ሓበሬታ'የን ዘቕርባ ኢሉ።

"ኣብ ኣመሪካ፡ ካብቲ ዝሑል ኲናት ዝነበረ ወለዶ ዘይቀየሮ ነገራት ዘሎ ይመስለኒ። ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ኣይርድኣንን - ግን ሩስያ ሕማቕ እያ ይብሉ፡" ይብል።

ሓላፊ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ኣብ ሞስኮ ፓትርያርክ ኪሪል ንወራር ዩክረይን ብጽኑዕ ደጊፎምዎ።

ቅዱስ ኲናት ብምባል፣ ንግዳያታ ድማ ብዙሕ ከም ዘይድንግጸሎም ገሊጾም።

ንሊቀ ካህናት ቀሺ ጆን ዋይትፎርድ ብዛዕባ እቲ ብዙሓት ከም ጐስጓሲ ኲናት ዝቖጽርዎ ቀሺ ሩስያ ምስ ተሓተተ፡ ቃላት እቲ ፓትርያርክ ተጠውዮም'ዮም ቀሪቦም ኢሉ።

ፑቲን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቐሰ፡ ኣብ ካቴድራል ክርስቶስ መድሓኒ ሞስኮ ኣብ እዋን ኣገልግሎት ሽምዓታት ሒዙን ኣብ በዓል ጥምቀት ኣብ በረድ ዝመልኦ ማይ ኽጥሕልን ዘርእዩ ተንቀሳቓሲ ምስሊታትን ስእልታትን፡ ጽልዋ ዝፈጠሩ ይመስሉ።

ገሊኦም - ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን - ሩስያ ከም ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሓቀኛ ክርስትና ይርእይዋ።

ቅድሚ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ካልእ ካብ ቴክሳስ ዝመጽአ ሃይማኖቱ ናብ ኦርቶዶክስ ዝቐየረ ቀሺ ጆሴፍ ግሊሰን ምስ በዓልቲ ቤቱን ሸሞንተ ደቁን ካብ ኣመሪካ ናብታ ካብ ሞስኮ ንሰሜን ኣርባዕተ ሰዓታት ብመኪና እትርሕቕ ቁሸት ቦሪሶግለብስኪ ገዓዙ።

"ሩስያ ሓዳር ግብረሰዶማውያን የብላን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት የብላን፡ ደቅኻ ኣብ ገዛኻ እትምህረሉ ቦታ'ዩ፡ - ብርግጽ - እዚ ናይ ሽሕ ዓመት ታሪኽ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትና ኣዝየ እየ ዝፈትዎ" ክብል ንሓደ ሩስያዊ ኣዳላዊ ቪድዮ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ዓቃባውያን ናብ ሩስያ ክግዕዙ ዝላቦ ምንቅስቓስ ካብ መንጐ ዘሰጕሙ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ፑቲን ነቶም ካብ ምዕራባዊ ሊበራሊዝም ዝሃድሙ ቅልጡፍ ናይ ሓባር ክብርታት ቪዛ ኣተኣታትዩ ነይሩ።

ኣብ ቴክሳስ፡ ባክ ንሱን ካልኦት ምእመናን፡ ንቕጽበታዊ ዕግበትን ኣመሪካዊ ሃልኪን ገጾም ይዓጽፉ ከም ዘለው ይዛረብ።

ብዛዕባ "ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ነገራት ኢና ንሓስብ ዘለና -ከም ልምድታት፡ ፍቕሪ ስድራቤትካ፡ ንማሕበረሰብ ዘለካ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ጎረባብቲ። እዚ ጽቡቕ ጌሩ ዝሰማማዕና ይመስለኒ - ብፍላይ ድማ ኣብ ቴክሳስ።"