ቢንያም ግርማይ ኣብ ፈላሚ መድረኽ ቮልታ ኮሙኒታ ቫለንሽያ ቀዳማይ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ፈላሚ መድረኽ ቮልታ ኮሙኒታ ቫለንሽያ ቀዳማይ ወጺኡ።
ዙር ቫለንሽያ ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ ሎሚ ዓመት ንመበል 74 ግዜ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሎም ተቐዳዳማይ ጃምቦ ቪዝማ ኣሎቭ ኮይጅን ተቐዳዳማይ ሙቪ ስታር ኢቫን ጋርሽያን ካልኣይን ሳልሳይን ወጺኦም።
ቢንያም ግርማይ በዚ ናይ ሎሚ ዓወቱ ተሓጊዙ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ።
ብዘይካ እዚ ንነጥቢ ትውሃብ ቀጠልያ ማልያን ንትሕቲ 23 ዕድሚኦም ትውሃብ ጻዕዳ ማልያን'ውን ክውንን ክኢሉ ኣሎ።
ቀደማይ መድረኽ ቮልታ ኮሙኒታ ቫለንሽያ 189.4 ኪሎ ሜተር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ቢንያም ንውድድሩ ብ4 ሰዓት፡ 38 ደቒቕን 11 ካልኢትን’ዩ ዛዚምዎ።
ኣብዚ ውድድር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ትሬክ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ኢትዮጵያውያን ወላይ በርሀ፡ ጽጋቡ ግርማን ሙሉ ሃይለሚካኤልን’ውን ይወዳደሩ ኣለዉ።
ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ግዜ ከይከሰረ መበል 25 ክወጽእ እንከሎ፡ ኢትዮጵያዊ ወላይ በርሀ ብ2 ደቒቕን 19 ካልኢት ድሒሩ መበል 66፡ ሙሉ ሃይለሚካኤልን ጽጋቡ ግርማይን ብ10 ደቂቕን 54 ካልኢትን ድሒሮም መበል 84 ከምኡ ከአ መበል 118 ወጺኦም።
ቢንያም ግርማይ ኣብ መጋቢት 2022 ኣብቲ ካብ 1934 ጀሚሩ ዓመታዊ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ክላሲካዊ ቅድድም ብሽክለታ ጌንት-ዌቨልገም ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ምንባሩ ይዝከር።
ቢንያም ኣብ ግንቦት 17 2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ብምውጽኡ፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ክሰርሕ ክኢሉ'ዩ።
እቲ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ሕዳር 2021 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርጊያ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ትሕቲ-23 ዓመት'ውን ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው፡ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ናብ መድረኽ ክድይብ ዝበቕዐ'ዩ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክሌታ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝፈለመ ኣብ ጋቦን ክካየድ ዝጸንሐ ውድድር ዙር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ 2023 ዝንኣድ ዓወታት ምምዝጋቦም ይፍለጥ።
ኣብ ዓመተ 2022 ብዘርኣዮ ብቕዓት እቲ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ዙር ጋቦን ዝነበረ ቢንያም፡ ነቲ ሽልማት ኣከታቲሉ ሰለስተ ዓመታት ዝተዓወተሉ እንኮ ኣፍሪቓዊ ክኸውን ክኢሉ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







