ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር መደረ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ብጥይት ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ብጥይት ዝተሃረመ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ፡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ መራኸቢ ብዙሓን ጃፓን ሓቢሩ።
እቲ ንጃፓን ብርክት ንዝበለ ዓመታት ዝመርሐ፡ ወዲ 67 ዓመት ኣቤ፡ ናራ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ምርጫዊ ጎስጓስ እናካየደ እንከሎ እዩ ብጥይት ተሃሪሙ።
ኣቤ፡ ክልተ ግዜ ክትኮሰሉ እንከሎ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ጥይት ብድሕሪኡ ስለ ዝተሃርመ ናብ መሬት ወዲቑ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።
ኣመሓዳሪ ቶክዮ ዝነበረ ጆቺ ማሱዞ፡ ጥዕናዊ ኵነታት ኣቤ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ፡ ልቡ ካብ ንቡር ስርሓ ተዳኺማ ምህላዋ ሓቢሩ ኔይሩ።
ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝልጠፉ ዘለው ምስልታት ድማ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ማእከል ጽርግያ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ክሕክሙ ክጓየዩ የርእዩ።
ኣቤ፡ ንሓደ ኣብ ናራ ዝወዳደር ሕጹይ ናይ ድጋፍ ዘረባ እናስመዐ እንከሎ ከም ዝተሃርመ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
ንሱ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ስፍራ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን እናተገበረሉ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ላዕለዋይ ኣባል ሊበራላዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ምግላጹ መደበር ቴለቪዥን ኤንኤችኬ ጸብጺባ።
እታ ቀዳመይቲ ጥይት ክትስሕቶ እንከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ብሑቕኡ ሃሪማቶ እናደመየ ናብ መሬት ወዲቑ።
ሓይልታት ጸጥታ ድማ፡ ነቲ ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ንምህዳም ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ዘይገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ተገሊጹ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኤንኤችኬይ፡ ፖሊስ ነቲ ብረት’ውን ከም ዝሓዝዎ ገሊጻ።
ኣቤ፡ ኣብ ጃፓን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ፡ ብ2020 ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ ይዝከር።
ድሕሪኡ፡ ‘ኣልሰራቲቭ ኰሊቲስ’ [ulcerative colitis] ብዝተባህለ ሕማም መዓናጡ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ።
ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ብፉሚዮ ኪሺዳ ዝተተክአ፡ ናይ ቀረባ ብጻዩ ዝነበረ ዮሽሂሂዴ ሱጋ ተተኪኡ ነይሩ።
ኣብ ጃፓን፡ ዋንነት ብረት ፍቑድ ስለ ዘይኰነ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ክፍጸም ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ተጓንፎታት ፖለቲካዊ ግጭት'ውን ብዙሕ ኣይስማዕን።
ኣብ 2014፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘጋጠመ ሞት 33,599 ብምንጽጻር ኣብ ጃፓን ብብረት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞት ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ’ዩ ኣጋጢሙ።
ኣብታ ሃገር፡ ብረት ዝዕድግ ሰብ ኣዝዩ ጽንኩር ፈተናን መርመራ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክሓልፍ ይግደድ።
ብሞት እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቱን፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዮን ሱክ ዮል፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ፕረዚደንት ሮማንያ ካላውስ ሎሃንስ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኦርጎጋን ዝርከብዎም ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







