ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ ብጥይት ተሃሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ነበር ሺንዞ ኣቤ፡ ናራ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጐስጓስ ምርጫ ብጥይት ተሃሪሙ ወዲቑ።
ኣቤ፡ ክልተ ግዜ ክትኮሰሉ እንከሎ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ጥይት ብድሕሪኡ ስለ ዝተሃርመ ናብ መሬት ወዲቑ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።
ኣመሓዳሪ ቶክዮ ዝነበረ ጆቺ ማሱዞ፡ ጥዕናዊ ኵነታት ኣቤ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ፡ ልቡ ካብ ንቡር ስርሓ ተዳኺማ ምህላዋ ሓቢሩ።
እዚ፡ ኣብ ጃፓን ሞት ብወግዒ ቅድሚ ምንጋሩ ዝዝውተር ኣገላልጻ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጹ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝልጠፉ ዘለው ምስልታት ድማ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ማእከል ጽርግያ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ክሕክሙ ክጓየዩ የርእዩ። ቀልጢፉ ናብ ሕክምና ከም ዝተወስደ ድማ ተሓቢሩ።
ኣቤ፡ ንሓደ ኣብ ናራ ዝወዳደር ሕጹይ ናይ ድጋፍ ዘረባ እናስመዐ እንከሎ ከም ዝተሃርመ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።
እታ ቀዳመይቲ ጥይት ክትስሕቶ እንከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ብሑቕኡ ሃሪማቶ እናደመየ ናብ መሬት ወዲቑ።
ሓይልታት ጸጥታ ድማ፡ ነቲ ነዚ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ንምህዳም ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ዘይገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።
ጋዜጣ እታ ሃገር ኤንኤችኬይ፡ ፖሊስ ነቲ ብረት’ውን ከም ዝሓዝዎ ገሊጻ።
ኣቤ፡ ኣብ ጃፓን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ኰይኑ፡ ብ2020 ጥዕናዊ ጉዳያት ምኽንያት ብምግባር ካብ ስልጣን ከም ዝወረደ ይዝከር።
ድሕሪኡ፡ ‘ኣልሰራቲቭ ኰሊቲስ’ [ulcerative colitis] ብዝተባህለ ሕማም መዓናጡ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ።
ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ብፉሚዮ ኪሺዳ ዝተተክአ፡ ናይ ቀረባ ብጻዩ ዝነበረ ዮሽሂሂዴ ሱጋ ተተኪኡ ነይሩ።
ኣብ ጃፓን፡ ዋንነት ብረት ፍቑድ ስለ ዘይኰነ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ክፍጸም ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ተጓንፎታት ፖለቲካዊ ግጭት'ውን ብዙሕ ኣይስማዕን።
ኣብ 2014፡ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘጋጠመ ሞት 33,599 ብምንጽጻር ኣብ ጃፓን ብብረት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞት ሽዱሽተ ሰባት ጥራይ’ዩ ኣጋጢሙ።
ኣብታ ሃገር፡ ብረት ዝዕድግ ሰብ ኣዝዩ ጽንኩር ፈተናን መርመራ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ክሓልፍ ይግደድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







