ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ቦኮሓራም ሓዊሱ ልዕሊ 400 እሱራት ኣምሊጦም

ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጄርያ ኣቡጃ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፡ ሰሉስ ምሸት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣባላት ቦኮ ሃራም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዝርከቡዎም 436 እሱራት ከምዘምለጡ ሰብ መዚ ገሊጾም።
በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 879 እሱራት ሃዲሞም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 443 ከምዝተትሓዙ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሚኒስተሪ ውሽጢ ዓዲ ናይጄርያ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝኮነ ሹያቡ ቤልጎረ ብወገኑ፡ እቶም ዕጡቓት ኣባላት ጉጅለ ቦኮሓራም ከምዝኾኑን ንተሓባበርቶም ንምፍታሕ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ገሊጹ።
ካብቶም ዝሃደሙ ገሊኦም ብፖሊስ ተታሒዞም ገሊኦም ከኣ ብፍቓዶም ከምዝተመለሱ እውን ገሊጹ።
ብሰሉስ ምሸት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኩጄ፡ ከቢድ ነትጒን ድምጺ ጠያይትን ከምዝተሰምዐ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ጥርጡራት ኣባላት ጉጅለ ቦኮሓራምን ፖለቲከኛታትን ዝርከቡዎም ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ዝተኣሰሩሉ እዩ።
ኣብ ናይጄርያ እሱራት ንምምላጥ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ዝተለመዱ ኮይኖም፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 5 ሽሕ እሱራት ኣምሊጦም እዮም።
እስላማዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ብዙሓት መጥቃዕቲታት ፈጺሙ እዩ ፤ ካልኦት ዝተወደቡ ገበነኛታት እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ የካይዱ እዮም።
ሰዓታት ቅድሚ እቲ ሰሉስ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ መካይን ፕረዚደንት እታ ሃገር ተኹሲ ከፊቶም ነይሮም።
ፕረዚደንት ሙሃመዱ ቡሃሪ ግን ኣብተን መካይን ኣይነበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







