ሰብሰርሖ ብልሒ ናብ ጽንተት ከምርሓና ይኽእል’ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ የጠንቅቝ

ምንጪ ስእሊ, Future Publishing/Getty Images
ሰብሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ - ኤኣይ] ምጥፋእ ሰብኣውነት ከስዕብ ከም ዝኽእል ሓለፍቲ ኦፕንኤይን ጉግል ዲፕማይንድን ዝርከብዎም ክኢላታት ኣጠንቂቘም።
ነዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ድሕነት ኤኣይ ዝተሓትመ መግለጺ ድማ ዓሰርተታት ደጊፎምዎ።
"ኤኣይ ዘስዕቦ ሓደጋ ምጥፋእ ንምፍዃስ ማዕረ ማዕረኡ ብደረጃ ከም ለበዳታትን ኲናት ኒዩክሌርን ዝኣመሰሉ ሕብረተሰባዊ ሓደጋታት ዓለምለኻዊ ቀዳምነት ክወሃቦም ይግባእ" ይብል።
ካልኦት ግን እቲ ስግኣት ልዕሊ ዓቐን ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣካያዲ ስራሕ ቻትጂፒቲ ዝሰርሕ ኦፕንኤይ ሳም ኣልትማን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ዲፕማይንድ ሱንዳር ፒቻይ ከምኡ’ውን ሓላፊ ኣንትሮፊክ ዳሪዮ ኣሞዲ፡ ኵሎም ነቲ መግለጺ ደጊፎሞ ኣለዉ።
መርበብ ሓበሬታ ማእከል ድሕነት ኤኣይ ብርክት ዝበሉ ክህልዉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ይእምት። ካብዚኦም፤
- ኤኣይ ከም መሳርሒ ኲናት ክውዕል ይኽእል’ዩ፣ ንኣብነት፡ መሳርሒታት ምርካብ ዕጸፋርስ፡ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ንምህናጽ ክውዕሉ ይኽእሉ
- ብኤኣይ ዝፍጠር ግጉይ ሓበሬታ ርግኣት ሕብረተሰብ ይዘርግን “ሓባራዊ ውሳነታት ከዳኽምን" ይኽእል እዩ።
- ሓይሊ ኤ.ኣይ ኣብ ኢድ ውሑዳት እናተዋህለለ ክኸይድ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ "ስርዓታት ሰፊሕ ምክትታልን ጨቋኒ ምመያን ተጠቒሞም ጸበብቲ ክብርታት ንምትግባር" የኽእሎም።
- ደቂ ሰባት ኣብ ኤኣይ ጽግዕተኛታት ብምዃን ክዳኸሙ ይኽእሉ ዝብሉ ይርከቡዎም።
ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሓደጋታት ልዕሊ ዓቐን ብልሒ ዘለዎ ኤኣይ፡ መጠንቀቕታ ዝሃበ ዶክተር ጀፍሪ ሂንተን፡ ንጻውዒት ማእከል ድሕነት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ደጊፉ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ኮምፒዩተር ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሞንትርያል ዮሹዋ ቤንጅዮ እውን ነዚ መግለጺ ፈሪሙሉ።
ብመሰረት ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑዎም ስርሓት “ኣቦታት ኤኣይ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ዶክተር ሂንተን፡ ፕሮፌሰር ቤንጅዮን ዩኒቨርሲቲ ኒውዮርክ ያን ሊከንን፡ ኣብ ኮምፒዩተር ሳይንስ ብዝገበሩዎ ርኡይ ኣበርክቶ ብ2018 ብሓባር ሽልማት ቱሪንግ (Turing Award) ተዓዊቶም’ዮም።
ኣብ ሜታ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ሊከን ግን፡ እዞም መጠንቀቕታታት ዝተጋነኑ እዮም ብምባል፡ "ተመራመርቲ ኤኣይ ነዞም ትንቢታት ጥፍኣት ዝህብዎ ዝበዝሐ ግብረ መልሲ ኣጨናቒ’ዩ" ኢሉ።
ብዙሓት ካልኦት ክኢላታት ብተመሳሳሊ፡ ኤኣይ ንሰብኣውነት ከጥፍኦ እዩ ዝብል ስግኣታት ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ድሮ ጸገም ኰይኖም ካብ ዘለው ነገራት ንምህዳም ዝግበር ዘሎን እዩ ክብሉ ይካትዑ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ተመራማሪ ኮምፒዩተር ኣርቪንድ ናራያናን ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳይንሳዊ ፍጻመታት ዝመስል ሓደጋታት ዘይክውንነታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እዚ ሓደጋታት ንኽፍጸም እኹል ዓቕሚ የብሉን” ኢሉ ነይሩ።
ላዕለወይቲ ተሓባባሪት መጽናዕቲ ኦክስፎርድ ኢንስቲትዩት ስነምግባር ኤኣይ፡ ኤልዛቤት ረኒየሪስ፡ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሓደጋታት እቲ ቴክኖሎጂ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ኢላ ከም እትጭነቕ ገሊጻ።
"ኣብ ኤኣይ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ነቲ ወገናውነት ዘለዎ፡ ኣድልዎ ዝፈጥር፡ ዘግልል ወይ ካልእ ዘይፍትሓዊ ዝዀነ ውሳነታት ክዓቢ'ዩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ክትርድኦ ዘይትኽእልን ዘየካትዕን እንተዀይኑ ድማ ዘይፍትሓዊ’ዩ። ብዝሕን ዝርግሐን ግጉይ ሓበሬታ ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ፡ በዚ ድማ ክውንነት ክሰብርን እምነት ህዝቢ ክሽርሽርን እዩ” ትብል።
ዳይሬክተር ማእከል ድሕነት ኤኣይ ዳን ሄንድሪክስ ግን መጻኢ ሓደጋታትን ህሉው ስክፍታታትን "ብተጻራሪ መንገዲ ክርአ የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ሎሚ ንገለ ካብቶም ጉዳያት ምፍታሕ፡ ንብዙሓት ድሒሮም ዝመጽኡ ሓደጋታት ጽባሕ ንምፍታሕ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2023 ዋና ትዊተርን ሓለቓ ቴስላን ኢለን መስክ ዝርከቦም ክኢላታት ቴክኖሎጂ፡ ምዕባለ ቀጻሊ ወለዶ ቴክኖሎጂ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ክግታእ ዝጽውዕ ክፉት ደብዳበ ካብ ዝፍርሙ ንደሓር፡ ካብቲ ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ስግኣታት ብሰፊሑ ክዝረበሉ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ደብዳበ፡ "ኣብ መወዳእታ ብቝጽሪ ክበዝሑ፡ ክብለጹ፡ ግዜኦም ዝሓለፉን ክትክኡናን ዝኽእሉ ሰብ ዘይኰኑ ኣእምሮታት ከነማዕብል ኣለና" ዶ ዝብል ሕቶታት የቕርብ።
ብኣንጻሩ፡ እዚ ሓድሽ ወፍሪ “ክፉት ዘተ” ክግበር ይሓትት።
እቲ መግለጺ ነቲ ካብ ቴክኖሎጂ ኤኣይ ክስዕብ ይኽእል እዩ ዝብሎ ሓደጋ ምስቲ ብሰንኪ ኒዩክለራዊ ኲናት ዘስዕቦ ሓደጋ የነጻጽሮ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኦፕንኤኣይ (OpenAI) ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “ሱፐር ኢንተለጀንስ” ምስ ኒዩክለራዊ ጸዓት ብተመሳሳሊ መንገዲ ክመሓደር ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
“ኣብ መወዳእታ ንጻዕርታት ‘ሱፐር ኢንተለጀንስ’ ከም ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ዝኣመሰለ ነገር ከድልየና ተኽእሎ ኣሎ" ክብል እቲ ትካል ጽሒፉ።
ሳም ኣልትማንን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጉግል ሱንዳር ፒቻይን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምቍጽጻር ኤኣይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ሪሺ ሱናክ ካብ ዝተዛረቡ መራሕቲ ቴክኖሎጂ እዮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ ሓደጋ ኤኣይ ዝወሃብ ዘሎ ዳሕረዋይ መጠንቀቕታ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ንቍጠባን ሕብረተሰብን ዘለዎ ረብሓ ኣስሚሩሉ።
"ኣብ ቀረባ እዋን ንዝለመሱ ሰባት ብእግሮም ክኸዱ ይሕግዞም ከም ዝነበረ፡ ሓደስቲ ጸረ-ነፍሳት ይረክብ ከም ዝነበረ ርኢኹምዎ ኢኹም። እዚ ግን ውሑስን ድሑንን ብዝዀነ መንገዲ ከም ዝፍጸም ከነረጋግጽ ኣለና። ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዋና ኣካየድቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ኤኣይ ተራኺበ፡ እንታይ ዓይነት መከላኸሊታት ክንሰርዕ ከም ዘለና፡ እንታይ ዓይነት መምርሒታት እዩ ድሕነትና ከረጋግጽ ዝኽእል ኣብ ዝብል ተዘራሪበ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ኤኣይ ከም ለበዳ ወይ ኒዩክለራዊ ኲናት ዝኣመሰሉ ናይ ህላወ ሓደጋታት ከም ዘስዕብ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰባት ከሻቕሉ እዮም። መንግስቲ ነዚ ኣዝዩ ብጥንቃቐ ይርእዮ ከም ዘሎ ክረጋገጹ እደሊ” ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ጉዳይ ኣብ ቀረባ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዝተዘተየሉ ኰይኑ፡ ጂ-7 ኣብ ኤኣይ ዝሰርሕ ጕጅለ ኣቚሙ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







