ፖል ካጋመ ንዝቕጽሉ 20 ዓመታት ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ድልየት ከምዘለዎ ሓቢሩ

ፖል ካጋሜ ኣብ ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ዋዕላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፖል ካጋሜ ኣብቲ ን 2024 ክካየድ መደብ ዝተታሕዘሉ ምርጫ ንፕረዚደንት ከምዝወዳደር ኣብ ፈረንሳ ንዝርከብ መደበር ተለቪዥን ተዛሪቡ።

ኣብ 2015 ነቲ ናይታ ሃገር ቕዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክሳዕ 2034 ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ከምዝፈቕደሉ ገይሩ ቀየርዎ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ 99 ሚእታዊት ናይቲ ድምጺ ብምርካብ ከም ዝሰዓረ ወግዓዊ ኣሃዛት የርእዩ። ካብታ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ድማ እቲ ምርጫ ፍትሓዊ ኣይነበረን ክብሉ ነጺጎምዎ ነይሮም።

ወዲ 64 ዓመት ሚስተር ካጋሜ፡ ዳግም ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ድልየት እንተሃልይዎ ምስ ተሓትተ፡ "ንተወሳኺ 20 ዓመት ክወዳደር እሓስብ። ኣብዚ ዝኾነ ጸገም የብለይን። ምርጫ ብዛዕባ እቶም መረጽቲ እዩ" ኢሉ።

"እቲ ዘገርም ነገር ገለ ሰባት ብሓቂ ምግራሞም ኢዩ " ክብል ዳይረክተር ሰብኣዊ መሰላት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሉዊስ ሙጅ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ሩዋንዳ ይትረፍዶ ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ምዃንሲ ንመንግስቲ ምቅዋም እውን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነላ ሃገር እያ።... እዚ ምልካዊ ስርዓት እዚ ኸኣ ንመጻኢ ዝቕጽል ስርዓት ክኸውን እዩ" ይብል።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ጠበቓን መምህር ዩኒቨርሲቲን ውሩይ ሩዋንዳዊ ነቓፊ ቻርለስ ካምባንዳ "[ካጋሜ] ን20 ዓመት እንተቐጺሉ ሩዋንዳ ናይ ብሓቂ ገሃነም ክትከውን እያ" ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ።

ሩዋንዳውያን ድሮ ኣብ ፍርሒ ዝመልኦ ሃዋሁ ኸምዝነብሩ ዝዛረብ ሚስተር ካምባንዳ ፤ ገለ ሚንስትራት ድማ ኣብ ስርሖም ክቕፅሉ ዝደልዩሉ ምኽንያት ካብ ስልጣን ምስወረዱ ግዳይ ቕትለት ከይኾኑ ስለ ዝፈርሑ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ ኢሉ።

ፕረዚደንት ካጋሜ ግን ኣብቲ ኣብ ቐረባ ግዜ ኣብ ርእሲ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓባራዊ ሃብቲ ዋዕላ ['ኮመን ዌልዝ'] ሩዋንዳ ሰብኣዊ መሰላት ከምተኽብር ኣበርቲዑ ሞጒቱ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብሪጣንያ ዕቝባ ንዝደልዩ ሰባት ናብ ሩዋንዳ ክትልእኽ ምዃና ዝሕብር ኣካታዒ መደብ ኣፍሊጣ ነይራ።

ሕቡራት መንግስቲ ነዚ ምስ "ሸቐጥ ንግዲ" ብምምስሳል ከምዘይድግፎ ገሊጹ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ግን ዋላ ቦሪስ ጆንሰን ካብ ስልጣኑ እንተወረደ ነቲ ፖሊሲ ከምዝቕጽለሉ'ዩ ገሊጹ።

ሚስተር ካጋሜ እቶም ዓመፅቲ ሰራዊቱ ነቲ ዓሌታዊ ፅንተት ደው ንምባል ምስ ሓገዙ እዩ ኣብ 1994 ስልጣን ሒዙ።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ተሓላቕ ዕቤት ከምዝኾነ እንተሓበረ እውን ነቐፍቱ ግን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣጽኒዑ ኸም ዝሕዞ እዮም ዝዛረቡ።