ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ስለምንታይ ምስ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ይጽንበራ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጋቦንን ቶጐን ኣብ ፈረንሳ ዘለወን ተጸጋዕነት ንምንካይ ዲፕሎማስያዊ ድርዐን ከደላድላ ጸኒሐን ኣለዋ።
ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ምስ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ዝሓዘ ማሕበር እዩ። ኣብ ፈለማ ከም ክበብ ግዝኣታት ብሪጣንያ ኰይኑ'ኳ እንተ ተመስረተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣባል ዝዀናሉ መስርሕ ኣመሓይሹ እዩ። ኣብዚ እዋን፡ እዘን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራ ክልተ ንኣሽቱ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መበል 55ን 56ን ኣባላት ሓባራዊ ሃብቲ ኰይነን ኣለዋ።
ሩዋንዳ ኣብ 2009 [ኣ.ኣ.] ሞዛምቢክ ድማ ኣብ 1995 ኣባላት ዝኾና ሃገራት እየን። እዘን ክልተ ሃገራት ምስ ብሪጣንያ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘይነበረን እየን።
ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ክዀና ምምራጸን ነቲ ውድብ ከም ጠቓሚ መራኸቢ ዲፕሎማስን ባህልን ገይረን ከም ዝተቐበላኦ ዘርእይ ኣብ መድረኽ ዓለም ከኣ ከም "ልኡም ሓይሊ" ከም ዝጥቀማሉን ዝሕብር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተወሳኺ እንግሊዝኛ፡ ቋንቋ ንግዲ፡ ስነ ፍልጠትን ኣህጉራዊ ፖለቲካን ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ዕብየት ንምድጋፍን ዲፕሎማስያዊ መልእኽትታት ንምስማዕን ዝተፈላለየ መራኸቢታት ንምህናጽን ኣድላዪ ምዃኑ ይእመነሉ።
ሩዋንዳ ንጋቦንን ቶጎን ተተባብዕ ኣብነት እያ። ሩዋንዳ ቅድሚ 13 ዓመት ድሕሪ ምጽንባራ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ መንግስቲ ዝተሳተፉሉ ናይቲ ማሕበር ዋዕላ ኣአንጊዳ እያ።
መንእሰያት ይስሕብ
ጋቦንን ቶጎን እቲ ኣብ መንጐ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ኣከራኻሪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እየን ኣባላት ሓባራዊ ሃብቲ ኮይነን ዘለዋ።
ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ብፈረንሳ ውሕስነት እተገብረሉ ባጤራ CFA ፍራንክ ከብቅዕ ይደልዩ። ወተሃደራት ፈረንሳይ ኣብቲ ሳሕለ-ሰሃራ ዝፍለጥ ከባቢ ምህላዎም'ውን ኣከራኻሪ እዩ።
ስለዝኾነ፡ ምስቲ ካብ ዓለም ዓቢይ ዝኾነ ማሕበር ምጽንባር ንብዙሓት መንእሰያት ቶጎን ጋቦንን ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እዚ ከም ተምሳሌት ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ዝርአ ዝነበረ ስርዓታት ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽ'ውን ዝሕግዝ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ምዕባለታት ንኣወሃሃድቲ ፖሊሲታት ፈረንሳ ዘቘጥዓሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን መንግስቲ ፈረንሳ ልዝብ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳ፡ ዝተፈላለየ ርክባትን ኣህጉራዊ ምትእስሳርን ንምህናጽ፡ ንምስፋሕን ዝዕላማኡ ከም ሓባራዊ ሃብቲ ዝኣመሰለ 'ኣህጕራዊ ውድብ ፍራንኮፎን' (Organization Internationale de la Francophonie) ብዝብል ዝጽዋዕ ውድብ ኣለዋ።
እቲ ውድብ፡ ንሩዋንዳ ሓዊሱ 88 ኣባላት ከምዘለዎን፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ዝነበረ ልዊስ ሙሺኪዋቦ ጸሓፊ እቲ ውድብ ምዃኑን ይግለጽ።
ዋላ ውሑድ ኣባላት ይሃልዎ እምበር፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሃገራት ቋንቋ ፖርቹጊዝ (CPLP) እውን ጽልዋ ዘለዎ ማሕበር እዩ።
ፈተነ ዲሞክራሲ
እዞም ሰለስተ ውድባት ጽቡቕ ምምሕዳር፡ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምትብባዕን ንዝዀነ ተኣፋፊ ብድሆ ክቀጥምዎ እዮም። እዚ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቍጠባዊ ሕብረተሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) ከይተረፈ ዝቃለስዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ።
ሓባራዊ ሃብቲ ን ውድብ ሃገራት ፍራንኮፎንን፡ ስርዓት ምርጫ ኣብ ምምሕያሽ ዝሕግዙ ክኢላታት ናብ ኣባል ሃገራት ይልእኩ እዮም።
ቶጎ፡ ካብ 1967 ክሳዕ 2005 በቲ ዕሉል ጨካን ውልቀ-መላኺ ፕረዚደንት ናንሲንግበ ኣያዴማ ተገዚኣ እያ። ብድሕሪኡ ድማ ወዱ ፋዉር ናንሲንግበ ይመርሓ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጋቦን ኣሊ ቤን ቦንጎ ኦንዲምባ፡ ወዲ ነቲ ካብ 1967 ክሳዕ 2009 መራሒ ጋቦን ዝነበረ ኦማር ቦንጎ እዩ። ኣሊ ቦንጎ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ነይሩ።
“ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ንምዃን ዘድሊ ረቛሒ፡ ሓንቲ ኣመልካቲት ሃገር ንዲሞክራስን ንዲሞክራስያዊ መስርሕን ከምኡ'ውን ንናጻን ፍትሓውን ምርጫታትን ተወካሊ ሓጋጊ ኣካልን ቈራጽነት ከተርኢ ኣለዋ፡” ይብል ንጋቦንን ንቶጎን ኣባል ምዃነን ብወግዒ ዘፍለጠ መግለጺ ሓባራዊ ሃብቲ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ምዕባለ እንተመዝገበ'ውን፡ ስልጣን ኣብ ምጥቃም ምልካዊ ከምዝኾነ ተጣበቕቲ መሰላት ይኸሱ። እቶም ተቓወምቲ ክፈርሑ ከም ዝተገበሩን ከምዝተገለሉን ይገልጹ።
ካጋመ፡ "ኣብ ሩዋንዳ ብዘይግባእ ነገር ዝተኣሰረ ሰብ የለን” ብምባል መንግስቱ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘኽብር ይገልጽ።
ጋቦን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደታዊ ምርጫ፡ ብቐንዲ መለክዒታት ብቝዕ ምሕደራ ብድሆ ከጋጥማ እዩ። ንቶጎ ግን፡ ሕጂ ዝኸውንን ፍዅስ ዝበለን ፈተና እዩ።
ቶጎ፡ ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ምዃና ኣብ ዝገለጸሉ መዓልቲ፡ እቲ 'DMK' ዝበሃል ሰልፊ ዝመርሖ ሰልፊ ተቓውሞ ንኸይካየድ ሰበስልጣን ከልኪሎም እዮም። ዕላማ እቲ ሰልፊ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ፡ ሕማቕ ምምሕዳርን ዘይፍትሓውነትን ንምግላጽ እዩ ነይሩ።
እቲ ሰልፊ ተቓውሞ ን16 ሓምለ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ቶጎ ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ ምዃና እንታይ ለውጢ ከምዘምጽእ ሽዑ ክፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







