ልኡል ፊሊፕ፡ ስለምንታይ እዩ ቢቢሲ ንሞት ገለ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ብኸምዚ ዕምቆት ዘቕርቦ?

ዳግማዊት ንግስቲ ኤሊሳቤጥን ብዓልቤታ መስፍን ኤዲንብራን ኣብ ብሮድላንድስ፡ ሃምፕሼር ኣብ 2007

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዳግማዊት ን7 ዓሰርተታት ዓመታት ብሓደ ዝተጓዕዙ ንግስቲ ኤሊሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ኣብ 2007

ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ቤት ዓባይ ብሪጣንያ ስለ ዝዓረፈ፡ ዜናታት ቢቢሲ ብዛዕብኡ ጥራሕ ይዛረብ ኣሎ።

ሓደ ካብቶም ቢቢሲ በዚ መገዲ እዚ ጸብጻብ ዘቕርበሎም ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንጉሳዊ ስድራ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መስፍን ፊሊፕ እዩ።

እቶም ካልኦት ድማ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ፡ ወዳን ወራሲኣን፡ ልኡል ቻርለስ (መስፍን ዌልስ)፡ ወዱን፡ ኣብ ዝቕጽል ወለዶ ድማ ናብ ዝፋን ዝመጽእ፡ ልዑል ዊልያም (መስፍን ካምብሪጅ)ን እዮም።

ቢቢሲ፡ ካብ ካልኦት ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላት ንላዕሊ ነቲ ሞት ኣኽቢዱ ዝርእዮ ዘሎ ክመስል ይኽእል እዩ፡ ስለምንታይ'ከ ከምኡ ይኸውን ?

ስለምንታይ እዩ ኣብ ቢቢሲ፡ ሞት ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን?

ሎሚ ፍልይ ዝበለ ዜና እዩ ዘሎ ። ዌብሳይታት ቢቢሲን፡ ኒውስ ቡለቲን ኩለን ብዕምቆት ብዛዕባ ሓደ ዛዕባ ይዛረባ ኣለዋ። ካልእ ፍኹስ ዝበለን ዘዘናግዕን ዜናታት የሎን። ድምጺ ኣምበብቲ ዜና እውን ቃና መርድእ ኣለዎ።

ልኡል ቻርለስ፡ ልኡል ፊሊፕ፡ ልኡል ሃሪን ልኡል ዊልያምን፡ ኣብ 2002 ደድሕሪ ሬሳ ንግስቲ ዓባይ (ኣዲኣ ንንግስቲ ኤሊሳቤጥ) ተጓዒዞም ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ምስ በጽሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስርዓተ ቀብሪ ንግስቲ ዓባይ(ኣዲኣ ንንግስቲ ኤሊሳቤጥ) ኣብ 2002 ዓቢ ኣለምለኻዊ ፍጻመ እዩ ነይሩ

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ፡ ኣብታ ሃገር ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ፡ ን69 ዓመት ኣብ ዝፋን ንግስነት ዘላ ንግስቲ እያ ። ንሳ ርእሰ ብሄር ዓባይ ብሪጣንያን ናይ 15 ካልኦት ሃገራትን እውን እያ ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ንግስቲ ናይተን 54 ብኣባላት ሓባራዊ ሃብቲ ዝፍለጣ ወለንታውያን ሃገራት እያ። ንሳተን ከኣ ዳርጋ ኩለን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ ሃገራት እየን። ስለዝኾነ ከኣ እያ ንህዝቢ ብሪጣንያን ንኻልእ ህዝብን ከም ኣገዳሲት ሰብ እትረአ።

ሓደ ብሪጣንያዊ ንጉስ ኣብ ዝሞተሉ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ዓብዪ ኣቓልቦ እየን ዝገብራ ። ቢቢሲ ከኣ እቲ ዜና ግቡእ ሽፋን ንኪረክብ ዝከኣሎ ጻዕሪ ይገብር።

ቢቢሲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዘይኰነስ፡ ብ'ናይ ፍቓድ ንግዲ ክፍሊት' ብዝእከብ ቀረጽ ብቐጥታ ብብሪጣንያውያን እዩ ዝምወል። እዚ ናይ ምወላ ሞዴል ከኣ ነቲ ትካል፡ መደባቱ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጽልዋ ብናጽነት ክመርሕ ይሕግዞ።

ቢቢሲ፡ ነቶም ከፈልቲ ግብሪ ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎት ክህብን፡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣቕልቦ ንዝህቡዎ ንጉሳዊ ስድራ ቤት ግቡእ ኣቓልቦ ክህብ ጸኒሑ እዩ።

እታ መብዛሕትኡ ግዜ፡ "ኣደ ንግስቲ" ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ነዛ ኣብ ዙፋን ዘላ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣዲኣ ብ2002 ምስ ሞተት፡ ልዕሊ 100,000 ዝዀኑ ሓዘንተኛታት ኣብ ቤተ መንግስቲ ዌስት ምኒስተር ተሰሊፎም ንልዕሊ ሰለስተ መዓልቲ ሓዚኖሙላ።

ሳንዱቕ ሬሳኣ፡ ናብቲ ኣብ ዊንድሶር ዝርከብ ናይ መወዳእታ መዓርፎኡ ክኸይድ እንከሎ ከኣ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጐደናታት ተሰሊፈም ኣፋንዮሞ። ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ድማ ብፈነወ ተሌቬዢናት ከምዝተዓዘቡዎ ይግመት። ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን እውን ነቲ ፍጻመ ብዝርዝር ኣቃሊሐንኦ እየን።

ንኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ቤት ዝትንክፍ ዛንታ፡ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዜና እዩ ዝረአ። ንዝተፈላለየ ንጉሳዊ ፍጻመታት ከኣ ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ከም ዝዕዘቡዎ ይሕበር።

ብሓጺሩ፡ ዛንታ ንጉሳውያን ቤተሰባት ዓብዪ ዛንታ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ቢቢሲ ነቲ ዓቢ ዛንታ ግቡእ ዜናዊ ሽፋን ዝህቦ ዘሎ።

ናይ ቢቢሲ፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኮርስፐንደንት ጆኒ ዳይሞንድ፡ "ንግስነት ልክዕ ከም ዝነኛታት ሰባት (ሰለብሪቲይ) ብብዙሕ መገዲ ኣቓልቦ ሰባት ይስሕብ እዩ" ይብል። "ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኸውን ግን ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዘበን'ዚ ትርጕም ከም ዘይብሉ ገይሮም ንዝርእይዎ ዛንታታት ንጉሳዊ ስርዓት የስተማቕሩዎ እዮም" ይብል።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ናይ ዜና ኣጋጣሚ ከኣ፡ ኣገልግሎት ቢቢሲ ንዓለም እቲ ዜና ከመሓላልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

"ሞት ሓደ ዝለዓለ ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ቤት፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ኣዝዩ እዩ ዘገድሶም" ይብል ተቖጻጻሪ ፈነወ ኣገልግሎት ቢቢሲ ዎርልድ ታሪክ ካፋላ።

"ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰማዕትናን ኣንበብትናን ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ሰፊሕ ዝርዝር ሓበሬታ ከነቕርበሎም ክጽበዩ እዮም" ከኣ ይብል።

ቢቢሲ፡ ንሞት ሓደ ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ቤት ብሪጣንያ ብኸመይ ይሽፍኖ?

line
ማርቲነ ክሮክሳል
መግለጺ ስእሊ, ኣቕራቢት ዜና ቢቢሲ ማርቲነ ክሮክሳል፡ ሞት መስፍን ኤዲንብራ ኣብ መደብ ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጣ

ተኸታተልቲ ቢቢሲ፡ ነቲ ዜና ፈለማ ኣብ ካልእ ማዕከናት ዜና ክሰምዕዎ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር ቢቢሲ፡ እቲ ጸብጻብ ቅኑዕ ምዃኑ ከረጋግጽ እምበር ኣቐዲምካ ኣብ ምቅላሕ ኣይኣምንን'ዩ።

ቢቢሲ፡ ነቲ ጸብጻብ፡ ከም ወግዓዊ መግለጺ እምበር፡ ከም ሰበር ዜና ኣይርእዮን እዩ። ምናልባት ካልኦት ማዕከናት ዜና ንዓይኒ ዝማርኽ ግራፊክስ ከቕርባ ይኽእል ይኾና። ቢቢሲ ግን፡ ነቲ ነቲ ዝሓለፈ ህይወት ምልኣት ብዝህብ ጸብጻብ ከቕርቦ እዩ ዝፍትን።

ቢቢሲ፡ እቲ ሞት ምስ ተነግረ፡ ብዛዕባ ካልእ ዜናታት ብዙሕ ኣይክዛረብን ይኸውን'ዩ። ምናልባት እውን ከም መዘናግዒ ንዝኣመሰለ ፍኹስ ዝበለ ዜናታት ካብ ወብሳይታትን ቲቪን ፈነወ ሬድዮን ክኣልዮ ይኽእል እዩ ።

ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ሞት ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ዝገልጽ መርድእ ምስተነግረ ኣብ ዌብሳይትን መደባትን ቢቢሲ ከም ዓብን ቀዳማይ ዜናን እዩ ዝረአ።

ስለምንታይ እዩ ልዑል ፊሊፕ በዚ ደረጃ እዚ ዝረአ?

ወግዓዊ ስእሊ ልእልቲ ኤሊሳቤጥን ልኡ ልፊሊፕን ምስ ህጻን ጓሎም ልእልቲ ኣንን ወዶም ልኡል ቻርለስን ክምስ እናበሉ፡ ኣብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም፡ ለንደን፡ ብ21 ጥቅምቲ 1950

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልእልቲ ኤሊሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ህጻን ጓሎም ልእልቲ ኣንን ወዶም ልኡል ቻርለስን ኣብ 1950

ልዑል ፊሊፕ፡ ማዕረ እቲ በዅሪ ወዱ ዝወርሶ ዝፋን ዝመጣጠን ስልጣን ኣይነበሮን። ንጉስ ተባሂሉ እውን ኣይጽዋዕን እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንንግስቲ ዝተመርዓወ ሰብኣይ፡ ንጉስ ብዝብል ስም ስለዘይጽዋዕ እዩ።

እንተኾነ መስፍን ኢዲንብራ ፍሊፕ፡ ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ብ20 ሕዳር 1947 ካብ ዝምርዓዋ ንደሓር፡ ኣብ ስርሓ የሰንያን ይደጋገፋን ነይሩ። ንሱ ነታ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ዝነውሐ ዕድመ ዘገልገለት በዓልቲ ቤቱ ምድጋፍ እዩ ቀንዲ ዕዮኡ ነይሩ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ከሉ መእተዊ መደረኣ "ኣነን በዓል ቤተይን..." ኢላ ስለእትጅምር ከም ጽኑዓት ብጾት፡ ከም ቲም እዮም ነይሮም።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ወርቃዊ ጽምብል ዕለተ መርዓኦም ኣብ ዘስምዓቶ መደረ: "ንሱ ኣብዚ ኩሉ ዓመታት ህይወትና ናይ ብሓቂ ሓይለይ እዩ። ኣነን ብምሉኦም ስድራቤትናን: ሓያሎ ካልኦት ሃገራትን እንእወዶ ዕዳ ኣሎና - ክንፈልጦ ድማ ይግባእ" ኢላ ።

እዚ ኣበሃህላ'ዚ ንሞቱን ሕልፈቱን፡ ሸፈነ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘርኢ ማለት ድዩ?

ዲሞንድ ኮርስፐንደንት ቢቢሲ፡ " [ሎሚ] መስፍን ኢዲንብራ ፍሊፕ ኣብዚ ዓለማዊ ንግስነት ኣብ ጎድኒ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየላ ናይ መጨረሻ መዓልቲ እያ" ይብል።

"ብሓቂ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዓለምለኻዊ ዝነኛታት ሰባት እዩ።"