ኣብ ሰማያት ኪቭ ዝተርኣየ ገዚፍ ብልጭታ ብዙሕ ጥርጣረታት ኣለዓዒሉ

ምንጪ ስእሊ, UGC
ኣብ ሰማያት ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ዘንጸባረቐ ብርሃን ብዙሕ ጥርጣረታት ኣልዒሉ ምህላው ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ኪቭ፡ እቲ ብርሃን ናብ መሬት ብዝወደቐት ሳተላይት ናሳ ዝተፈጥረ ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተገለጹ፡ ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ናሳ፡ ሳተላይቱ ጌና ኣብ ህዋ ምንባራ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ግና ካብ ህዋ ናብ ጠፈር መሬት ዝኣቱ መትዮራይት ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።
ዝኾነ ኮይኑ ግና እቲ ብርሃን ብመጥቃዕቲ ኣየር ሩስያ ዝተፈጥረ ዘይምዃኑ ብምትእምማን ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ሰማይ ዝተርኣየ ድሙቕ ብርሃን ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ረቡዕ ምሸት ሰዓት 10 እዩ ኣጋጢሙ።
ናይ ኣየር መጥቃዕቲ መጠንቀቕታ ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ ዝኾነ ዝተተኮሰ መከላኸሊ ከምዘይነበረ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ኪቭ ሓቢሩ።
“ብመሰረት ዝተረኽበ መባእታዊ ሓበሬታ፡ እዚ ተርእዮ ብምውዳቕ ሳተላይት ናሳ ናብ መሬት ዝተኸስተ ኢዩ፡” ኢሉ።
ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ፡ ከባቢ 300ኪግ ክብደት ዘለዋ ዝኣረገት ሳተላይት ብረቡዕ ናብ ጠፈር መሬት ክትኣቱ ምዃና ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ኣፍሊጡ ኔሩ።
እታ RHESSI ዝተባሃለት ንጸሓያዊ ብልጭታታት እትከታተል መንኮርኮር፡ ኣብ 2002 ናብ ህዋ ዝተወንጨፈት ኮይና ካብ 2018 ጀሚራ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይና ምጽንሓ ናሳ ገሊጹ።
ካብ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ናሳ ንቢቢሲ ርእይቶ ዝሃበ ሮብ ማርጌታ ግና ኣብቲ እቲ ብልጭታ ዝተርኣየሉ ሰዓት እታ ሳተላይት ጌና ኣብ ህዋ ምንባራ ኣረዲኡ።
ናሳን ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካን ን RHESSI ምክትታል ክቕጽሉ ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ዩክረይን ብዛዕባ እቲ ብልጭታ ብዝወሃቡ ርእይቶታትን ክልሰ ሓሳባትን ክመልእ እንከሎ፡ ብዘይምድራውያን ፍጡራት ዝሰዓበ እዩ ዝብል ርእይቶ ብዙሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







