ጠንቂ 'ኦቲዝም' ግን እንታይ እዩ?

ሚኒስተር ጥዕና ኣሜሪካ ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጥዕና ኣሜሪካ ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢሉ'ውን፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ሓደ ካብቶም ሕማም-ርእሲ ወለዲ እናዀኑ ዝመጽኡ ዘለዉ ጸገማት 'ኦቲዝም' ሓደ ዀይኑ ይርከብ።

ኦቲዝም ካብ 2000 ጀሚሩ ብናህሪ ከምዝወሰኸ እሙናት ጸብጻባት ይሕብር።

ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ፡ ክሳብ 2020፡ እቲ መጠን ኣብ ደቂ 8 ዓመት ህጻናት 2.77 ሚኢታዊት ከምዝበጽሐ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ይሕብር።

እንተዀነ፡ ዛጊት ጠንቂ እቲ ጸገም፡ እንታይ ከምዝዀነ ብዝምልከት ዝቐረቡ ግምታት እንተለዉ'ኳ፡ ዛጊት 'እዚ እዩ' ዝብል መርትዖ የለን።

ሓንቲ፡ ካብተን እቲ ጸገም ዘጨንቐን ሃገራት ዝዀነት ኣመሪካ ድማ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዓᎁቕ መጽናዕቲ ክተካይድ ከምዝጸንሐት ጸብጻባት ዝሕብሩ ዀይኖም፡ ሕዚ ድማ ካልእ ዙር ሰፊሕ መፅናዕቲ ክተካይድ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣመሪካ ሮበርት ኤፍ ኬነዲ ጁንየር፡ ጠንቂ ኦቲዝም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንምፍላጥ "ሰፊሕ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ጻዕሪ" ክገብር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ገለ ክኢላታት ግን፡ ጠንቅታት ኦቲዝም 'ስፔክትረም ዲስኦርደር' - ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተጽንዐ ዝተሓላለኸ ሲንድሮም- ምርካብ፡ ቀሊል ከምዘይከውን ብምጥንቃቕ፡ ነቲ ጻዕሪ ስሕተትን ዘይክውንነታዊን ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብትራምፕ ምኒስተር ጥዕና ኣመርካ ኮይኑ ዝተሾመ ኬኒዲ፡ ቅድም ክብል፡ ኦቲዝም ምስ ክታበት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዝሕብሩ ክልሰ-ሓሳባት ዝዘርግሐ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ እዚ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝግበር ምርምር "ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣማኢት ሳይንቲስት ዘሳትፍ" ከምዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።

"ክሳብ ወርሒ መስከረም፡ ጠንቂ ኦቲዝም እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ኢና። ነቶም ጠንቅታት ብምቅላዕ ድማ ከነወግዶም ክንክእል ኢና" ይብል እቲ ምኒስተር ጥዕና።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምስፍሕፋሕ ኦቲዝም ንቕሓት ብዛዕባ ኦቲዝም ብምውሳኹን ፣ ትርጉም ኦቲዝምን ኣቡኡ ዝካተቱ መግለጺታት'ውን ብኸፊል ምኽንያት ክኸውን ከምዝኸእል ይገልጹ።

ተመራመርቲ ንኦቲዝም ከቃልዑ ዝኸእሉ ንዝበልዎም ከባብያዊ ረቛሒታት'ውን ክምርምሩ ጸኒሖም እዮም።

ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣሜሪካ (NIH)ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር (230 ሚልዮን ፓውንድ) ንኦቲዝም ንምምርማር የውጽእ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ትካል ቅድሚ ወሊድ፡ ንጸረ-ባልዕ ወይ ብከላ ኣየር ምቅላዕ፣ ኣብዘይ እዋን ምውላድ ወይ ትሑት ሚዛን ቖላዓ ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ጸገማት ጥዕና ኣዴታትን ወለዲ ኣብ ዝዓበየ ዕድመ ምጥናስን ዝኣመሰሉ ገለ ካብቶም ናብ ኦቲዝም ከቃሉዑ ዝከእሉ ረቋሒታት ምዃኖም ዘርዚሩ።

ኬነዲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መስከረም ዕላዊ ክኸውን እዩ ዝበሎ መጽናዕታዊ ፕሮጀክት ኦቲዝም ክንደይ ዝኣክል ገነዘብ ከምዝተሰልዖ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኬኔዲ ብዛዕባ ዕምቆት ናይቲ ምርምር ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ 'ጽልዋ ክታበት ኣብ ኦቲዝምን፤ መንቀሊ ኦቲዝም ክኾኑ ዝኸእሉ ኩሎም ጉዳያትን' ክንድህስሶም ኢና ክብል እቲ ምኒስተር ጣዕና ገሊጹ..

"ክታበት ክንርኢ ኢና፣ ስርዓተ ኣመጋግባና፣ ማይና፣ ኣየርና፣ ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣተዓባብያ ወለዲ፡ ኮታስ ኩሉ እቲ ነዚ ለበዳ ዘበገሰ ክኸውን ዝኽእል ዓይነት ለውጢታትን ወሲኽና ኣብ ኩሉ ነገር መጽናዕቲ ክንገብር ኢና።''

ይኩን እንበር ማሕበር ኦቲዝም ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውጥን ኬነዲ "ጎዳኢ መደናገርን ዘይክውንነታውን" ብምባል ተቓዊምዎ።

ወሲኹ'ውን ኦቲዝም ምስ "ሕዱር ሕማም ይኹን ተላባዒ " ዝምደብ ኣይኮነን ብምባል ን ቤት ጽሕፈት ኬነዲን መርገጺታቶምን ተቃዊሙ።

ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ክሪስቶፈር ባንክስ፡ ኦቲዝም ብከባብያዊ ረቛሒታት ጥራይ ዝመጽእ እዩ ዝብል ኣበሃህላታት "ግጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ምንጻልውን ዘሳዕብዩ'' ብምባል እቲ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዘድልዮም ሓገዝ ከይረኽቡን ዝገብርዩ ብምባል ዘለዎ ስጋኣት ገሊጹ።

እቲ ምኒስተር ጥዕና፡ ኣብ ክታበት ብዘልዎ ተቃውሞን ጥርጣሬን ዝተላዓለ ሕቶታት ዝቀርበሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ኦቲዝም መጽናዓቲ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ውልቀሰብ ምሻሙ ኣዘራራቢ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ክታበት ህጻናት ምስ ኦቲዝም ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዝገልጽ ተቀባልነት ዘይረኸበ ሓሳብ፡ ንመጀመርያ ግዜ ቀንዲ ኣቓልቦ ዝረኸበ በቲ ኣብ 1998 ብብሪጣንያዊ ዶክተር ኣንድሪው ዌክፊልድ ኣብ መጽሔት ሕክምና 'ዘ ላንሰት' ዝተሓትመ መፅናዕታዊ ጽሑፍ እዩ።

ድሒሩ ግን እቲ ዶክተር ኣብ መጽናዕቱ ዝተጠቀመሎም መረዳእታታት ሓሶት ብምንባሮም እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ተስሒቡ።