ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ንዝርርብ ሰላም ምስ መራሒ ቻይና ጂንፒንግ ክራኸብ ከምዝደሊ ገሊጹ

ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ቻይና ኲናት ዩክረይን ደው ንኽብል ዘቕረበቶ እማመታት ሰላም ንምዝታይ ምስ መራሒ እታ ሃገር ክራኸብ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ወራር ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማመ፡ ቻይና ኣብ ሰላም ምድላይ ከምዝተሳተፈት ዘመልክት ምዃኑ ገሊጹ።

"ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ከምዘይተቕርብ ብሓቂ ክኣምን እደሊ" ኢሉ።

ውጥን ቻይና፡ ዘተ ሰላምን ምኽባር ሃገራዊ ልኡላውነትን ይጠልብ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ 12 ነጥቢ ሰነድ፡ ሩስያ ሰራዊታ ካብ ዩክሬን ክትስሕብ ከም ዘለዋ ብፍሉይ ኣይገልጽን። ብተወሳኺ፡ ምጥቃም "ሓደ ወገን እገዳ" ይኹንን።

ሰበስልጣን ቻይና ክሳብ ሕጂ ነቲ ዘለንስኪ ዝገበሮ ጻውዒት ብግልጺ መልሲ ኣይሃቡሉን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ነቲ ናይ ቻይና ናይ ሰላም እማመታት ንኢዳ።

ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብኣረኣእያ ቤጂንግ ንኣምን" ኢሉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቻይና ንሩስያ ኣጽዋርን ተተኮስትን ከተቕርብ ትሓስብ ከምዘላ ገሊጹ ነይሩ - ዋላ’ኳ ቻይና ነዚ ክሲ እንተነጸገቶ።

ብዓርቢ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ መንግስቲ ቻይና ናብ ሞስኮ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን መዳፍዕን ንምልኣኽ ትሓስብ ከምዘላ ሓቢሮም’ዮም።

ብዛዕባ እቲ ውጥን ቻይና ዝተሓተተ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብዓርቢ ንኤቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "[ሩስያዊ ፕረዚደንት ቭላድሚር] ፑቲን የጣቕዐሉ ኣሎ፡ ስለዚ ከመይ ኢሉ እዩ ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል?

"ኣብቲ ውጥን ንኻልእ ሰብ ዝጠቅም ነገር ከምዘሎ ዘመልክት ነገር ኣይረኣኹን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣሰናዳኢ ጉዳያት ዓለም ቢቢሲ ጆን ሲምፕሰን፡ ቻይና ምስ ሩስያ ትወግን ዘላ ትመስል ይብል፤ እዚ ገለ ዓይነት ውዕል ሰላም ብምድላው ንፕረዚደንት ፑቲን ካብ ሐፍረት ንምድሓን ዝሕግዝ መንገዲ ክኸውን ይክእል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ናይ ቻይና እማመታት ላዕለዋይ ዲፕሎማት እታ ሃገር ዋንግ ዪ ናብ ሞስኮ ዝግበሮ ምብጻሕ ስዒቡ ዝመጸ እዩ፤ ንሱ ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ፑቲንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭን ተራኺቡ ነይሩ።

ድሕሪ እቲ ዘተ፡ ዋንግ ዪ፡ ቤጂንግ ምስ ሞስኮ "ፖለቲካዊ ምትእምማን" ክተጠናኽርን "ንኣተሓባበርቲ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ክተድልድልን" ድልውቲ ምዃና ምግላጹ እቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሺንሁዋ ተጠቒሱ ነይሩ።

ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ነቲ ዝቐረበ እማመታት ዝሑል ኣቀባብላ ሂቦምዎ ኣለዉ።

ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ቻይና "እቲ ዘይሕጋዊ ወራር ዩክሬን ክትኹንኖ” ስለዘይከኣለት "ብዙሕ ተኣማንነት የብላን" ኢሉ።

ፖላንድ ድሮ ኣርባዕተ ብጀርመን ዝተሰርሑ ታንክታት ሊዮፓርድ ዳግማዊ ናብ ዩክሬን ከምዝለኣኸትን ዝያዳ ንምልኣኽ ድልውቲ ምዃናን ገሊጻ።

ጀርመን 14 ታንክታት ሊዮፓርድ ከም እትህብ ክትገልጽ ከላ፡ ስጳኛን ካናዳን እውን ከም ዝልኣኻ ሓቢረን እየን።

እታ ብቀንዱ ንዩክሬን ዝዓበየ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትህብ ኣሜሪካ፡ 31 M1 ኣብራምስ ታንክታታ ክትሰድድ ቃል ኣትያ ኣላ፤ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 14 ታንክታት ቻለንጀር 2 ክትህብ እያ።

ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ድልዱል ርክብ ክትፈጥር ከም ዘይከኣለት ገሊጹ፤ እዚ ዝበለ እተን ሃገራት ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ዝኹንን ውሳነ ድምጸን ዘይምሃበን ስዒቡ’ዩ።

"ንብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ ስራሕ ኣይሰራሕናን፡ ኣቓልቦ ኣይሃብናን፡ ዓቢ ጌጋ እዩ ዝመስለኒ" ኢሉ።

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ኲናት ዩክሬን፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓድሽ ደረጃ እገዳን ንዩክሬን ዝኸውን ሓድሽ ሓገዝን ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ሓድሽ እገዳ፡ ባንክታትን ኣቕረብትን ዝርከብዎም ኣብ ውሽጢ ሩስያን ኣብ ዓለምን ዘለዉ ልዕሊ 100 ኣካላት ዝምልከት እዩ።

ኣመሪካ፡ ንዩክሬን ናይ 12 ቢልዮን ዶላር ረድኤት ክትህብ እያ።

ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክሬንን ጎረቤት ሃገር ሞልዶቫን ንምጥንኻር’ውን ተወሳኺ 550 ሚልዮን ዶላር ክቐርብ እዩ።

ሞልዶቫ ኣብ ኤውሮጳ ዝደኸየት ሃገር ኮይና በቲ ኲናት ኣዝያ ተጸልያ እያ። መራሕታ፡ ሩስያ ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ውዲት ትገብር ከምዘላ ንሓያሎ ሰሙናት ኣጠንቂቖም’ዮም።

ብዓርቢ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ መበል 10ይ ዙርያ እገዳ ኣጽዲቑ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ሲቪላውን ወተሃደራውን ድርብ ረብሓ ዘለዎ ቴክኖሎጂ ገደብ ይገብር።