ኲናት ዩክረይን ኣብ ዓመቱ

ምንጪ ስእሊ, UKRAINIAN PRESIDENTIAL PRESS SERVICE
ልክዕ ከም ትማሊ፡ 24 ለካቲት 2022፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን 'በርቃዊ' መጥቃዕቲ ከፊቱ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓይልታቱ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ወይ ሳምንታት ንርእሰከተማ ኪቭ ተቖጻጺሮም ንመግስቲ ዩክረይን ክኣልይዎ'ዩ ትጽቢት ገይሩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ካብ ትጽቢቱን ትጽቢት ብዙሓት ወገናትን ወጻኢ፡ ጽኑዕ መኸተ ዩክረይን ነቲ ዓርሞሾሽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ዓጊቱዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ጸረ-መጥቃዕቲ ክሰጋገር ክኢሉ።
ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈን ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ትሕተ-ቕርጺን ዩክረይን ከቢድን ሰፊሕን ዕንወት ዘውርደን ኲናት ንዓመት ምሉእ ቀጺሉ።
ብሕጂ'ውን ብዝኸፍአ መልክዑ ከምዝቕጽል'ዩ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ። ነዚ ዝእምቱ ምንቅስቓሳትን እዋናውያን ምዕባለታትን ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡
ዝኽሪ ሓደ ዓመት-ናይ ሕልና ጸሎት

ምንጪ ስእሊ, HOLLANDSE HOOGTE/REX/SHUTTERSTOCK
መበል ሓደ ዓመት ምውላዕ ናይቲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ተዘኪሩ ውዒሉ።
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ ኣብ ዝተኻየደ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ውግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንገለ ወተሃደራትን ስድራቤት ናይቶም ኣብ ኲናት ዝተሰውኡን ኒሻናትን ሽልማትን ብምሃብ ኣጸናኒዑ።
"ኩላትና ክንህሉ፡ ዩክረይን ክትህሉ ንስኹም ኢኹም ትውስኑ" ክብል ሓይልታቱ ብዘመዝገብዎ ዓወት "ሕቡን" ምዃኑ ኣብ ዘስምዖ መደረ ተዛሪቡ።
"ዓመተ ዘይተጸዓድነት" ከምዘሕለፉ ብምዝኽካር ድማ "ኣብዚ ዓመት'ዚ ንክንዕወት ዝክኣለና ኩሉ ክንገበር ኢና" ክብል ኣዊጁ'ሎ።
ሃገሩ ንርእሳ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ክንዲ ማሕበረሰብ ዓለም እንኮላይ ትዋጋእ ከምዘላ ብምግላጽ፡ ድማ ዓለምለኻዊ ደገፍ ክግበረሉ ተማሕጺኑ።
ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ'ውን ንዩክረይን ዘለወን ምሕዝነት ንምርኣይ ነቲ መዓልቲ ብዝተፋለለየ ኣገባባት ዘኪረን ውዒለን።
ካብ ቶክዮ ጃፓን፡ በርሊን ጀርመን፡ ፓሪስ ፈረንሳ ክሳብ ሲድኒ ኣውስትራልያ፡ ብዙሓት ከተማታት ዓለም ሽምዓ ብምውላዕ ንጸበባ ዩክሬናውያን ዘኪረን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈቱ (10 ዳውኒን ስትሪት) ብምውጻእ ንዝኽሪ ግዳያት እቲ ኲናት ናይ ሕልና ጸሎት ኣካይዱ። ብሪጣንያ ካብተን ቀልጢፈን ኣብ ጎኒ ዩክረይን ዝቖማን ወተሃደራዊ፡ ገንዘባውን ሰብኣውን ደገፋት ዝገበራ ሃገራት'ያ።
ሩስያ ብወገና ነቲ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒታት" ብምባል እትገልጾ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ዘኪራቶ ውዒላ'ላ።
ዩክረይን ክትጠልበን ዝጸንሐት ታንክታት

ምንጪ ስእሊ, HENRY NICHOLLS/REUTERS
ጎረቤት ሃገር ፖላንድ፡ ኣርባዕተ ስርሓት ጀርመን ዝኾና 'ነብሪ 2' ('ሊዮፓርድ 2') ተባሂለን ዝጽውዓ ምዕቡላት ታንክታት ንዩክረይን ከምእትህብ ተፈሊጡ'ሎ።
እተን ኣዝየን ምዕቡላት ተባሂለን ዝግለጻ 67 ቶን ዝምዘና ታንክታት፡ ኣርባዕተ ኣላት ዝሕዛ፡ ብዝተፈላለየ-ቀጸላታት ዝተደርዓ ኮይነን፡ 120 ሚሚ ተተኳሲ ስርሓት ኔቶ ዝዓጥቃ እየን።
ተወሰኽቲ 14 ታንክታት ክትሰድድ ምዃና'ውን ፖላንድ ሓቢራ'ላ።
ጀርመን'ውን ባዕላ 14 'ሊዮፓርድ 2' ታንክታት ክትህብ ምውሳና ተፈሊጡ'ሎ። ስጳኛ ድማ 6 ተመሳሰልቲ ታንክታት ከተወፊ'ያ።
ኣመሪካ ብወገና፡ 31 ኤም 1 ኣብራምስ (M1 Abrams) ዝዓይነተን ታንክታታ ክትሰድድ'ያ።
ብሪጣንያ ኸኣ 14 'ቻለንጀር 2' ዝተባህላ ምዕቡላት ታንክታታ ንምሃብ ወሲና'ላ።
እታ ኣባል ኔቶ ዘይኮነት ስዊድን'ውን 'ሊዮፓርድ 2A5" ዝተባህላ ታንክታት ውግእ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ካልኦት ሃገራት ኔቶ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ሰብመዚ ዩክረይን ይጽውዑ ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ ስርሓት ሶቬት ሕብረት ነበር ዝኾና T-72 ዝተባህላ ታንክታት ገይራ'ያ ክትከላኸል ጸኒሓ።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ምስ ሩስያ ናብ ዝገደደ ምትፍናን ንዘይምእታው፡ ምዕቡል ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ካብ ምህብ ተዓቂበን'የን ነይረን።
ቀስ ብቐስ ግን፡ ብወግዒ ንዩክረይን ሚሳይላት ዝርከብዎም ንምክልኻልን ንምጥቃዕን ዘገልግል ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን የጸግዓ ኣለዋ።
ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ-7 ብዓርቢ ኣብዘካየድኦ ኣኼባ'ውን ንዩክረይን ዘለወን ምሉእ ደገፍ ገሊጸን ኣለዋ።
ኣመሪካ ተወሳኺ 2 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ክትህብ'ያ
መንግሰቲ ኣመሪካ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 2 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ተወሳኺ ደገፍ ንዩክረይን ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓድሽ ሓገዝ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ዘጠቓልል'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክትገብር ምዃና ኣመሪካ ሓቢራ'ላ።
"ፑቲን ምክልኻል ዩክረይን ዝፈርስ፡ መርገጺ ኣመሪካ ዝርኹመሽ፡ ዓለም ገጹ ዝጠውን'ዩ መሲልዎ ነይሩ" ክብል ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኣውስቲን ተዛሪቡ።
"ተጋግዩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ተኸላኸልቲ ዩክረይን ኣይተንበርከኹን፡ ንዕኦም ዘለና ደገፍ'ውን ከምኡ፡ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ"።
ክሳብ ሕጂ፡ ብሪጣንያ ልዕሊ 5 ቢልዮን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ልዕሊ 3 ቢልዮን፡ ፖላንድ 2.5 ቢልዮን፡ ጀርመን 2.5 ቢልዮን፡ ካናዳ 1.4 ቢልዮን፡ ነዘርላንድስ ኣስታት ሓደ ቢልዮን፡ ኢጣልያ 0.7 ቢልዮን፡ ፈረንሳ 0.7 ቢልዮን፡ ከምኡ'ውን ኖርወይ 0.6 ቢልዮን ዶላር ሂበን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንዩከረይን ዘለዎ ደገፍ ዘየወላውል ምዃኑ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።
ሩስያ ንዝቕጽል መጥቃዕቲ ትዳሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽትታት፡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቱ ከምዝቕጽል ኣሚቱ'ሎ።
ምክትል ኣቦመንበር ቤትምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ዝኾነ ዲሚትሪ መድቨደቭ ብወገኑ፡ ሰራዊት ሩስያ ንሓይልታት ዩክረይን ክሳብ ዶባት ፖላንድ ክደፍእዎም ከምዘለዎም ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ፕረዚደንት ሩስያ ኮይኑ ዘገልገለ መድቨደቭ፡ "ኩሎም ዕላማታት" ክሳብ ዝረጋገጹ እቲ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒታት" ኢሉ ዝገለጾ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ኣተንቢሁ'ሎ።
ዋላ'ኳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ዝበጽሑ ሓይልታት ሩስያ ተደፊኦም ካብ ሰፋሕቲ ከባቢታት እንተወጹ፡ ሕጂ'ውን ሓደ-ሕምሲት መሬት ዩክረይን ተቖጻጺሮም ይርከቡ።
ሰባዊ ክሳራታት ኲናት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለን ብጽዑቕ ደብዳብ ሚሳይላት ሩስያ ዝተሰነየን ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ከምዝሞቱ ይንገር። ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ቆልዑ ምዃኖም ድማ ይግለጽ።
"ህይወት ንህዝቢ ዩክረይን ናብ ገሃነም'ዩ ተቐዪሩ ዘሎ" ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ተዛሪቡ። ኣብቲ ኲናት ከቢድ ጥሕሰት ሰባዊ ሰላት ከምዝተፈጸመ'ውን ጠቒሱ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ወጻኢ ክሰደዱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሚልዮናት'ውን ካብ ኣባይቶምን ከባቢታቶምን ተፈናቒሎም ኣለዉ።
ክልቲኦም ወገናት ከቢድ ሰብኣዊ ክሰራታት ተሰኪሞም ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ይገልጹ።
ብወገን ሩስያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ምውታትን ቁሱላትን ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕበሩ።
ዩክረይን'ውን ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ካብ ወተሃደራታ ቁሱላትን ምዉታትን ከምዝኾኑ ይግለጽ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈሉ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝወረዶም ሰባዊ ክሳራታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ጻውዒት ሰላም ቻይና

ምንጪ ስእሊ, BUDDHIKA WEERASINGHE/GETTY IMAGES
ቻይና ብዛዕባ "ግዝኣታዊ ሓድነት" ("territorial integrity") ክትዛረብ ምጅማራ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
ቻይና ኣብ ዘውጽኣቶ "12 ነጥብታት" ዝሓዘ ወረቐት (እማመ) ሰላም፡ ሩስያን ዩክረይንን ተጻብኦታት እናነከያ ክኸዳ ዝጽውዕ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕልን ዓለምለኻዊ ሰላም ውሕስነት ክረክብን ዝብል ተወሳኺ እማመ ኣውጺ'ላ።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣብቲ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሩስያ ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ዝርክበአን ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ዘሎ እዋን ዝተወስደ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ቻይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሓየለቶ ትኸይድ ብምህላዋ፡ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ክትህባ ትኽእል'ያ ዝብል ስግኣታት ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ "ሰላም ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ" ክብል ተማሕጺኑ'ሎ።
ኣብ ፈለማ እቲ ኲናት ኣብ ቱርክን ቤላሩስን ዝተኻየዱ ቀጥታዊ ዝርርባት ፋይዳ ከይተረኽቦም ከምዝተቛረጹ ይዝከር።
እንተኾነ ግን፡ ውግእ እናቐጸለ እንከሎ ክልቲኦም ወገናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ኲናት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምኹናን ዝቐረበ እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ድጋፍ ከሕልፎ እንከሎ፡ ኤርትራን ማሊን ተቓዊመንኦ።
ኢትዮጵያ እትርከበን ዓሰርተ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ድምጸ-ተዓቅቦ ክግብራ መሪጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







