ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ቅድሚ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ኲናት፡ ንወራር ሩስያ ኰኒኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ እቲ ውድብ፡ ወራር ሩስያ ‘ሓባራዊ ሕልና ዓለም ዘጸልምት’ ክብል ኰኒኑ።
ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ፡ ‘ሩስያ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክትወጽእ’ ዝጠልብ ብዩክሬንን መሻርኽታን ዝድገፍ እማመ ይዝትዩ ነይሮም።
ዩክሬን ነቲ እማመ ብምድጋፍ ሃገራት ምትሕግጋዝ ከርእዩ ተስፋ ኣለዋ።
ክረምሊን ብወገና፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ንሩስያ ክስዕራ ይደልያ ክብል ከሲሱ።
ኣምባሳደር ክረምሊን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዝያ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን ንመላእ ዓለም ናብ ኲናት ንምጥሓል ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብ24 ለካቲት 2022 ክሳብ 200 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ዩክሬን ብምልኣኽ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ወራር ኤውሮጳ ኣካይዱ።
ነቲ ስዒቡ ዝመጽአ ኣዕናዊ ኲናት ብውሕዱ 7,199 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ሩስያን ዩክሬንን ነፍሲ ወከፈን ብውሕዱ 100 ሽሕ ወተሃደራተን ሞይቶምን ቆሲሎምን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስደተኛታት ኰይኖም ወይ ኣብ ውሽጢ ዩክሬን ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ፑቲን እቲ ወራር ምስ ሩስያ ታሪኻዊ ርክብ ዘለዋ ሃገር ዩክሬን "ካብ ወተሃደራዊ ቀጣና ነጻ ንምግባር" ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ.
ዩክሬንን መሻርኽታን ብወገነን ንዘይተበገሰ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ቅሉዕ ወራር ክብላ ይነጽግኦ።
ኣንቶኒዮ ጉተረስ ንሓፈሻዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ወራር ንሓባራዊ ሕልናና ዘጸልምት፤ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ሕግን ዝጥሕስ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ እቲ ኲናት "ዞባዊ ዘይምርግጋእ ዘለዓዕልን ዓለማዊ ወጥሪን ምፍልላይን ዝፈጥር፣ ኣቓልቦን ጸጋታትን ካብ ካልኦት ቅልውላዋት ዘዘናብልን ዓለማዊ ጉዳያት ዝውስኽን'ዩ። ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምጥቃም ስዉር ምፍርራሕ" ከም ዝነበረ'ውን ገሊጹ።
"ሕዚ ንድሕሪት ምምላስ እዋኑ'ዩ" ኢሉ።
"ኣብ ቻርተር ዝተኣወጀ ናይ ሓባር መትከላትና ድማ ዝያዳ ክሽርሽሮ'ዩ። ኲናት መፍትሒ ኣይኰነን። ኲናት'ዩ እቲ ጸገም። ኣብ ዩክሬን ዝርከቡ ሰባት ኣዝዮም ይሳቐዩ ኣለዉ። ዩክሬናውያን፡ ሩስያውያንን ካብኡ ዝረሓቑ ሰባትን ሰላም የድልዮም።"
60 ሃገራት ነቲ ውሳኔ ደጊፈንኦ እየን።
እዚ ውሳነ እዚ "ኣብ ዩክሬን ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምስ መትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝሰማማዕ ኩለመዳያዊ፣ ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ምብጻሕ ከም ዘድሊ" ዘጉልሕ እዩ።
ሚስተር ጉተረዝ ነዚ ዝበለ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንምዕራባውያን ሃገራት ዝነቅፍ፡ መደረ ምስ ኣሰምዐ እዩ።
ፑቲን ኣብቲ ብሰሉስ ዘስምዖ መደረ፡ ሩስያ ቁልፊ ውዕል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከተቋርጽ ምዃና ኣፍሊጡ።
ፕሬዝደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ብኣሜሪካን ሩስያን ኣብ 2010 ዓ.ም. ዝተነድፈ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ረብሓ ከይውዕል ዝጥምት ውዕል ምፍራስ ዓቢ ጌጋ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ፑቲን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሞስኮ ምስ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ተራኺቦም ምስ ቤጂንግ ዝግበር ምትሕብባር "ኣህጉራዊ ኩነታት ንምርግጋእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።
እቲ ዑደት ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር፡ ቻይና ኣብ ኲናት ዩክሬን ‘መንጎኛ እያ’ ዝብል ቃል ዘብቅዐ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







