ኲናት ዩክሬይን፡ 'ሩስያ ክትሰዓር እምበር ክትጭፍለቕ የብላን'

ፕሬዝደንት ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሩስያ ኣብ ዩክሬን ብዘጋጥማ ስዕረት ክትጭፍለቕ ክርኢ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።

እቲ ፕሬዝደንት ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንኪቭ ወተሃደራዊ ደገፍ ክውስኻ ከተሓሳስብ እንከሎ ንዝተናውሐ ኲናት ከም ዝተዳለወ ሓቢሩ።

"ሩስያ ኣብ ዩክሬን ክትስዓር እደሊ፤ ዩክሬን ድማ ንመርገጺኣ ክትከላኸል ክትክእል እየ ዝደሊ" ኢሉ።

ነቶም ንሩስያ “ንምጭፍላቕ” ነቲ ኲናት ናብ ሩስያ ከስፍሕዎ ዝደልዩ ግን ከም ዝቃወሞም ተዛሪቡ።

መራሕቲ ዓለም ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ ይሳተፉ ዘለው ኰይኖም፡ ቀረብ ኣጽዋር ናብ ኪቭ ንምቅልጣፍን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዝኸበደ እገዳ ክግበርን መብጽዓታት ይኣትው ኣለው።

ማክሮን ንጋዜጣ ሊ ጆርናል ዱ ዲማንቸ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከምቲ ገለ ሰባት ዝብሉዎ ንሩስያ ኣብ ገዛእ መሬታ ብምጥቃዕ ንፍጹም ስዕረት ክንዓምም ዘለና ኣይመስለንን። እቶም ተዓዘብቲ ልዕሊ ኩሉ ንሩስያ ክጭፍልቑዋ ይደልዩ። እዚ መርገጺ ፈረንሳ ኰይኑ ኣይፈልጥን፤ መርገጺና'ውን ኣይክኸውንን” ኢሉ።

ማክሮን ብዓርቢ ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጂ ምስ ሞስኮ ዝርርብ ዝጅመረሉ ግዜ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ ነይሩ። ሰላማዊ ዝርርብ ግን ናይ መወዳእታ ሸቶ ምዃኑ ኣይሓብአን።

እቲ ፕረዚደንት፡ ዩክሬይን ደገፍ መሓዙት ሃገራት ሒዛ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ጻዕሪ "ንሩስያ ናብ ጠረጴዛ ንምምላስን ነባሪ ሰላም ንምህናጽን" እቲ እንኰ መገዲ ምዃኑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ሩስያ ናይ ስርዓት ለውጢ ክግበር ዘሎ ትጽቢት ግን ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ተመሳሳሊ ጻዕርታት "ፍጹም ውድቀት" ክብል ገሊጽዎ።

እንተዀነ፡ መራሕቲ ዩክሬይን ንሰላማዊ ዝርርብ ድሉዋት ኣይመስሉን።

ብዓርቢ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬይን ዲሚትሮ ኩለባ ሞስኮ ናብ ዋዕላ ሙኒክ ከይተዓደመት ምትራፋ ብሓጎስ ተቐቢሉዎ’ዩ።

"እቲ ግብረሽበራዊ መንግስቲ ክሳብ ዝቐተለ፡ ቦምባታት፡ ሚሳይላትን ታንክታትን ከም ሞጎተ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ምጥቃም ክሳብ ዝቐጸለ” መራሕቲ ሩስያ ናብ ዝዀነ ናብ መድረኽ ክዕደሙ የብሎምን ክብል ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መንጎ እቶም ክልቲኦም ወገናት "ዝዀነ ምትእምማን" ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ቅልጡፍ ዝርርብ ከም ዘይገብር ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ምስ ሞስኮ ስምምዕ ሰላም ንምፍጻም ሕድገት ግዝኣታት ምግባር ዝብል ሓሳብ እውን ነጺግዎ።

ፕሬዝደንት ማክሮን ቅድሚ ሕጂ ብገለ መሓዙት ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተሓዋወሰ መልእኽቲ ብምልኣኹ ክነቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ (2022)፡ ሩስያ "በቲ ዝፈጸመቶ ወራር ዘይምውራዳ" ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ብምባሉ ሚኒስትር ኩለባ ተዀኒኑ ነይሩ።

ኩለባ ኣብቲ እዋን ሩስያ - "ንነብሳ እያ ተሕስር" ዘላ ክብል መልሲ ሂቡሉ ነይሩ።