ድሕነትን ሕጽረት መግብን ቀንዲ ኣጀንዳታት ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ

ህንጻ ሕብረት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታን ሕጽረት መግብን ቀንዲ ኣጀንዳ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን ምዃኑ ተገሊጹ።

ዋዕላ ሚኒስተራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዀይኑ፡ ዋዕላ መራሕቲ ጽባሕ ቀዳምን ሰንበትን፡ 11ን 12ን ለካቲት 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንክልተ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኩነታት ጸጥታ እታ ኣህጉር ንምምሕያሽ ካብ ኣመሪካ፡ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ገንዘብ ንምእካብ ጻዕርታት ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮሌ አዶዬ፡ ነቲ ሓድሽ ትልሚ ተግባራዊ ንምግባር፡ ገንዘብ ዝርከበሉ መገዲ ክእለሽ ምዃኑ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ ክሳብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ጎንጽታት፡ ከምኡ’ውን ድርቅን ውሕጅን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ዓድታቶም ኣመዛቢሎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 44 ሚልዮን ሰባት ዝተመዛበሉ ዀይኖም፡ 15 ሚእታዊት ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ዝተመዛበሉ ሰባት ይሽፍን።

ኣብቲ ዋዕላ፡ መራሕቲ ብዛዕባ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊ ኮንጎ ዝተፈጠረ ግጭትን ኣብ 2021ን 2022ን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተፈጸመለን ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒን ሱዳንን ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን መብርሂ ክወሃቦም ምዃኑ እቶም ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ንሮይተርስ ሓቢሮም።

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ካብ ጉዳይ ጸጥታ ብተወሳኺ ኣብታ ኣህጉር ንብዙሓት ሰባት ዝጸሉ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ክዛተዩ እዮም።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዑል ሓደጋ ድርቂ ኣሎ። ንሓሙሽተ ወቕቲ ዝናብ ዘይረኸበት ሶማልያ ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ከምዘላ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 200 ሽሕ ሶማላውያን ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከምዘለዉን ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉን እቲ ትካል ገሊጹ። እዚ ኣሃዝ ናብ 700 ሽሕ ክዓቢ ከምዝኽእል እቲ ትካል ኣጠንቂቑ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ: ኣብ መበል 36 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወን፡ ፕረዚደንት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ቻርለስ ሚሸል ከምዝሳተፍን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ብዙሓት መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፣ ሩዋንዳ፣ ጊኒ-ቢሳው፣ ሌሶቶ፣ ሊብያ፣ ታንዛንያ፣ ዲሞክራስያዊ ኮንጎን ኮትዲቫርን ካብቶም ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ዛጊድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ መራሕቲ እዮም።