ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ እንታይ ክለዓል ይኽእል?

ዋዕላ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, US STATE DEPARTMENT

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም መራሕቲ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ሎሚ 4 ታሕሳስ 2015 ክጅምር እዩ።

እቲ ሎሚ ሰሉስ ዝጅምር ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ኣብ ቅልውላው ለውጢ ከባቢ ኣየር [ክሊማ]፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ውሕስነት መግብን ዓለማዊ ጥዕናን ዘጠቓልል ንዓለም ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት፡ ከምኡ’ውን ምሕያል ዕድላት ንግድን ወፍርን ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኮረ ክኸውን እዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቲ ዋዕላ... ኣፍሪቃ ቁልፊ ጂኦፖለቲካዊ ተጻዋቲት ምዃና ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝተመርኮሰን እዩ። እታ ኣህጉር ንህዝቢ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኰነ፡ መጻኢ ዓለም ክትውስን እያ” ኢሉ።

49 መራሕቲ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተዓዲሞም ምህላዎም ሱሊቫን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጕጅለ ​​20 ቀዋሚ ውክልና ክህልዋ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ክድግፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብተወሳኺ ሱሊቫን ፕረዚደንት ባይደን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ "ቀዋሚ ኣባልነት" ንዝግበር ደገፍ ሓዊሱ ጽገና ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝድግፍ ገሊጹ።

ኣጀንዳታት ዋዕላ ኣሜሪካን-ኣፍሪቃን

እቲ ፈላሚ ኣጀንዳ ዋዕላ መራሕቲ፡ ኣብ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃን ዲያስፖራን ዘተኮረ ክኸውን እዩ።

እዚ "ምጉላሕ ድምጽታት፡ ዘላቒ ምሕዝነት ምፍጣር" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ መንጐ ኣፍሪቃውያንን ዲያስፖራታትን ምስታ ኣህጉርን ሰበስልጣን ኣሜሪካን ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ዝምድና ዘጠናኽር ምዃኑ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ስትራተጂ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ "ኣፍሪቃዊ ዲያስፖራና ምንጪ ሓይልና'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ።

ምስታ ኣህጉር ጥቡቕ ስድራቤታዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ርክብ ዘለዎም ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ካብታ ኣህጉር ከም ባሮት ተዓዲጎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ደቂ ደቂ ኣፍሪቃውያን፡ ኣብ ምህናጽ እታ ኣህጉር ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ዘጠቓልል እዩ።

ዋዕላ መንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃን ዲያስፖራን ኣብ ፈጠራዊ ኢንዱስትሪታትን ከባብያዊ ፍትሕን ዘተኰረ ምዃኑ ካብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።

ዋዕላ ሚኒስተራት ንግዲ ኣጎዋ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ሚኒስተራት ንግዲ ተጠቀምቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንረብሓ ዕድላት ንግዲ ሃገራት ኣፍሪቃ (AGOA) ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ እውን መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።

ብኣምባሳደር ካትሪን ዋት፡ ዝተባህለት ላዕለወይቲ በዓል ስልጣን ፖሊሲ ንግዲ ኣሜሪካ ዝምራሕ እዚ ዋዕላ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ሴክረታርያት ናጻ ንግዲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍሉ እዩ።

ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ዞባዊ ቁጠባዊ ማሕበረሰባትን'ውን ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብዚ ዋዕላ ብቐንዱ ብዛዕባ ኣተገባብራ ኣጎዋ ኣብ ምሕያል ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ምስፍሕፋሕ ክልተኣዊ ንግድን ኢንቨስትመንትን፡ ምድጋፍ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደትን ካልኦት ምስ ንግዲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዝተኣሳሰሩ ንኽልቲኡ ዝጠቕሙ ጉዳያት ክዛተዩ እዮም።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ዝተተሓሓዘ ጥሕሰት ኣሜሪካ ብምኽንያት ካብ ቀረጽ ነጻ ንግዲ ኣጎዋ ተኣጊዳ ምህላዋ ዝዝከር እዩ። ማሊን ጊኒን እውን ብሰንኪ ስክፍታ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲን ካብ ኣባልነት ተኣልየን እየን።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ናብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ "ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ዕድላት ኣጎዋ፡ ተረባሕነት ንልዕሊ 200 ሽሕ ትሑት እቶት ዘለወን ስድራቤታት ብፍላይ ድማ ምስቲ ግጭት ምንም ርክብ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኢትዮጵያ ናብ ነጻ ቀረጽ ንግዲ [ኣጎዋ] ክትምለስ እንተዀይና፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት- ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምቛሙ ዝዝከር እዩ።

ጋዜጣ ሪፖርተር - እንግሊዝኛ፡ ንበዓል ስልጣል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ፡ ክኢላታት እታ ጕጅለ ናብታ ክልል ኣትዮም ክምርምሩ ቅድመ ኵነት ከምዝተገብረ ሓቢራ።

እቲ ኮሚሽን ዘውጽኦ 19 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ ገበናት ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝተፈጸሙን፡ ናብቲ ኲናት ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ክልል ትግራይ ክኸዱ ከምዘይተፈቕደሎምን ይዝከር።

ዝምድና ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምጥንኻር

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ኣፍሪቃዊ ህዋ፡ ሰላም፡ ድሕንነትን ምሕደራን፡ ጥዕናዊ ምትሕብባር ኣጀንዳ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዋዕላ ክዀኑ እዮም።

ብዕለት 5 ታሕሳስ 2015 ዝካየድ ዋዕላ፡ ኣብ ጉዳያት ንግዲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ዘተኰሩ ክዀኑ እዮም።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ዋዕላ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓሙስ 6 ታሕሳስ መዛዘሚ ዋዕላ ክካየድ እዩ።

በዚ ድማ፡ ሰናይ ምምሕዳር፡ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን፡ ዕብየትን ልምዓትን ኣብ ሰለስተ ክፋላት ተመቒሎም ኣጀንዳታት ኰይኖም ክዝተዩ እዮም።

እዚ ዋዕላ ኣሜሪካ ከም ቀንዲ ዓለማዊ መወዳድርታ እትርእያ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እትገብሮ ወፍሪ ኣብ ዘዕበየትሉ እዋን'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሩስያ ካብ ቻይና ብተወሳኺ፡ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ኲናት ኣፍሪቃ ክትድግፍ ትጽዕር ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ምምሕዳር ባይደን ንሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ሰነድ ኣውጺኡ ነይሩ።

እዚ ሰነድ እዚ ንኣገዳስነት እታ ኣህጉር ዘጕልሐ ኰይኑ፡ ምስተን ንርእዮተ ዓለም ኣሜሪካ ዝካፈላ ሃገራት ምትሕብባር ምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ዝምድና ሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት፡ እንተላይ ምስ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ትካላት ክሃንጽ ይጽዕር ኣሎ።

ብፍላይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኣሜሪካ ቀዳመይቲ" ብምባል ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ጌጋ ንምእራም ይጽዕር ኣሎ።

ፈላማይ ዋዕላ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ዘመነ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ግደ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነከየ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፡ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ምጥንኻር ከምዘድሊ ይስማዕ ኣሎ።

ሱሊቫን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምስ ኮንግረስ ብቐረባ ብምስራሕ ኣሜሪካ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ንኣፍሪቃ 55 ቢልዮን ዶላር ክትህብ እያ" ኢሉ።