ኤርትራ፡ ንምንታይ'ያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይተዓደመት?

ባንዴራታት ኤርትራን ኣሜሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባንዴራታት ኤርትራን ኣሜሪካን

ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዘካይድዎ ኣኼባ ንኤርትራን ካልኦት ኣርባዕተ ሃገራትን ከምዘይዓደምወን ገሊጾም።

ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዝርከቦም ሰብ መዚ ኣሜሪካን ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ’ዩ ክካየድ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኤርትራ በቲ ዘለዎም ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ፡ ንሶማሊላንድ ከኣ ከም ሃገር ስለዘይፈልጥዎ ከምዘይዓደምወን ገሊጾም።

ኣሜሪካ፡ ንኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዳ ኣእትያ ብምባል ኣብ ልዕሊ ትካላት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ሓለቃ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጳስ ወልደዩውሃንስን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብ መዚ እገዳ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ንሩስያ ንምኹናን ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ጎኒ ሩስያ ምህላዋ ዘርኢ መርገጺ ምውሳዳ’ውን ኣሜሪካ ብጽቡቕ ከምዘይትርእዮ ብብዙሓት ይግለጽ’ዩ።

ላዕለወይቲ ኣማኻሪት እቲ ዝካየድ ኣኼባን ፍልይቲ ኣማኻሪት ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዳና ባንክ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን ናብቲ ኣኼባ ከምዝተዓደሙ ገሊጻ።

ብዘይካ’ዚ እተን ብሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ ሕብረት ደስኪለን ዘለዋ ማሊ፣ ሱዳን፣ ጊኒን ቡርኪና ፋሶን’ውን ናብቲ ኣኼባ ከምዘይትዓደማ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣማኻሪት ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ሞሊ ፒ “ንሕና ውጥንናን ራኢናን ምስ ራእን ውጥንን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉር ኣፍሪቃን ከምዝሳነ ገይርና ኢና ንሰርሕ ዘለና፡ እዘን ሃገራት [ማሊ፡ ሱዳን፡ ጊኒን ቡርኪና ፋሶን] ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽኣ ብፍሉይ ምስራሕ ክንቅጽል ኢና” ኢላ።

ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ክልትኣዊ ምትሕግጋዝ ከምዘይብላ ብምሕባር እንተኾነ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ባህላዊ ምትእስሳራት ምክያድ” ክትቅጽል ምዃና ገሊጹ።

ኣሜሪካ ንኤርትራ ብተደጋጋሚ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክትከሳ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ውን፡ ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ 12 ክልተ ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከምዘሎ ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ኣብተን ኣህጉራዊ ሕግታት ነጻነት ሃይማኖት ዝጥሕሳ ኢላ ዝዘርዘረተን ሃገራት ዘሎ ኵነታት ከምዘተሓሳስባ’ዩ ገሊጹ።

ኤርትራ ብወገና፡ ኣሜሪካ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመት ንኤርትራ ንምድኻም ብእገዳን ካልእን ፈቲና ከምዘይኮነላ'ያ ትገልጽ።

ኣመዓባብላ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ።

እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ።

ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ሲቪላዊ መሰላትን ምግሃስ መሳባዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ መስከረም 2005 ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምህላዎም ይንገር።

ኤርትራ ብወገና፡ ቅድሚ'ዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ምምሕዳራት ኣብ ጉዳያ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክትከስስ ጸኒሓ።

ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሰደር ኣመሪካ ክወጽእ ተጌሩ።

ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጽዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣመሪካ ብምድጋፋ'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይንገር። እቲ እገዳ ኣብ መወዳእታ 2018፡ ንስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ከምዝተሰረዘ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።

''ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጉምቲ...ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂቡሉ ነይሩ።

ይኹን'ምበር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ርክብ ክመሓየሽ ጀሚሩ ነይሩ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምስምምዓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ኣንፈታት ኣርእዩ ነይሩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ፈልትማን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ግንቦት 2021

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKELE

መግለጺ ስእሊ, ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ፈልትማን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ግንቦት 2021

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም'ውን ነቲ ኣንፈታት ዘርኢ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ኮይኑ።

ኣብ ታሕሳስ ናይቲ ዓመት'ውን ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ኣብ እዋኑ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ "ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ምዃና" ምግላጹ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ኣብ 2019 እውን፡ ብኣሜሪካዊት ኣደ መንበር ባይቶ ኣሜሪካ ካረን ባስ ዝተመርሑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰን፡ ኣሜሪካዊት ሶማላዊት ኢልሃም ዖመርን ናብ ኤርትራ በጺሖም ነይሮም።

ኣብ ግንቦት 2021 ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ድማ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ብዛዕባ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ ነይሩ።

አሜሪካ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኲናtእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ ክትስሕብ ደጋጊማ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።

ጸኒሑ ድማ ምምሕዳር ባይደን፡ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፡ ኣሜሪካ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተጻባኢ መርገጺ ወሲዳ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም።

ሰብ መዚ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኮነ ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገር ንምድዋን ዝቐርብ "ውዲት'ዩ" ክብሉ እዮም ዝነጽግዎ።

ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገረን ናይ ሓድሕደን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲታት'ኳ እንተለወን፡ ካብ ክልቲኤን ኣብ ክንዲ ብኣምባሳደራት ብፈጸምቲ ጉዳያት ዝምራሕ'ዩ።