ስለምንታይ ርእይቶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ንኣፍሪቃውያን ኣቖጢዑ?

ኢሞጂ ነብሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ዕላማ ናይቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ዝገልጽ ርእይቶ ኣብ ትዊተር ለጢፉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝንቡዕ መረዳእታ ተጠቒሙ ንዕላማ ዑደት እቲ ሩስያዊ ብዓልስልጣን ክገልጽ ምፍታኑ ንብዙሓት ኣየሐጎሰን።

ስለዚ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ተቓውሞታት ኣበጊሱ'ሎ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ርእይቶ፡ “ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ላቭሮቭ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ፡ [ኢሞጂ ነብሪ] ንምርኣይ ዘይኮነስ፡ መሻርኽቲ ዩክሬን “ኩሉ ሩስያዊ ዝኾነ ነገር ከጥፍኣ ከም ዝደልያ” ንምግላጽ እዩ ይብል።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 1

እቲ ርእይቶ፡ ልኡኽ ሩስያ ናብ ኣፍሪቃ ንክኸይድ እንኮ ምኽንያት እንስሳ ዘገዳም እታ ኣህጉር ንምርኣይ እዩ ክኸወን ነይሩዎ ዘስምዕ ምዃኑ ዝገልጹ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጥዖም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ወሃቢ ቃል ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኤባ ካሎንዶ፡ "ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ህዝባን እንስሳ ዘገዳምን ንዓኹም ላግጺ ድዩ?" ክትብል ሓቲታ።

ኤባ ካሎንዶ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዝበፅሐት ብምጥቃስ "እንስሳታት ክትሪኢ ድያ መጺኣ ነይራ?" ክትብል'ወን ሓቲታ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 2

ኮፊ የቦኣህ ዝብል ተጠቓሚ ትዊተር ብወገኑ፡ "ኣፍሪቃ ካብ ምርኣይ እንስሳ ዘገዳም ንላዕሊ ከም ዝኾነት ክንደይ ግዜ ክንነግረኩም ኣለና?" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 3

"ኣብ ኲናት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሓደ ተጻባኢ ጂኦፖለቲካዊ ልዕልና ንምምዝጋብ፡ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝንገር (“ኣፍሪቃ ኣብ ጫካ እንስሳ ዘገዳም ዝርከብዋ ሰፊሕ መልክዓ ምድሪ እያ”) ዝብል ዝንቡዕ መደምደምታ ምጥቃም፡ ዝኾነ ኣፍሪቃዊ መሻርኽቲ (ፈተውቲ) ኣይፈጥረልካን'ዩ" ክትብል ዛይናብ ዑስማን ብወገና ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

Skip X post, 4
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 4

ንዝተወሰነ እዋን ታንክታት ናብታ ሃገር ንክትሰድድ ውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጢ ክበጽሓ ዝጸንሐት ጀርመን፡ ትማሊ ረቡዕ 'ሌፓርድ' (ነብሪ) ተባሂለን ዝጽውዓ ታንክታታ ናብ ዩክረይን ክትሰድድ ተሰማሚዓ'ላ።

ሩስያ ድሕሪ ወራር ዩክረይንን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታትን ኣብ ኣፍሪቃ ጽልዋኣ እናሰፍሐት ከም ትመጽእ ከምዘላ ይፍለጥ።

እተን ሓደስቲ መሻርኽታ፡ ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ኣካላት ደገፍ ክህባኣ ወይ እንተወሓደ ዘይሻራዊ መርገጺ ክወስዳ ትጽቢት ትገብር።

ሩስያ ብተወሳኺ ኣብ ሊብያ፡ ማሊ፡ ሱዳን፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሞዛምቢክን ካልኦት ሃገራትን መብዛሕትኡ ግዜ ዕጡቓት ተቓወምቲ ወይ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምምካት ዝሕግዝ ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ ዝያዳ ተሳትፎ ክትገብር ጸኒሓ'ላ።