ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን ኣዲስ ኣበባ ኣትየን

ካትሪን ኮሎናን ኣናሌና ቤርቦክን

ምንጪ ስእሊ, GETTY/AP

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎና ጀርመናዊት መዘናኣ ኣናሌና ቤርቦክን

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመንን ፈረንሳን ኲናት ትግራይ ደው ንምባል ዝተበጸሐ ስምምዕ ንምድጋፍ ዝዓለመ ምብጻሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎና ምስ ጀርመናዊት መዘናኣ ኣናሌና ቤርቦክ ናብ ኢትዮጵያ ከምእትገይሽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሓደ ቴሌቪዥን ፈረንሳ ገሊጻ ነይራ።

ዕላማ እቲ መገሻ እቲ ኲናት ደው ንምባል ንዝተበጽሐ ስምምዕ ንምድጋፍን ጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምሕጋዝን ምዃኑ እታ ሚኒስተር ንተሌቪዥን ኤልሲኣይ ምዝራባ ይዝከር።

ሚኒስተር ኣናሌና ቤርቦክ ከምዝገለጸቶ፡ ምስ ፈረንሳዊት መዘናኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ጻንሒት፡ ኣብ ዛዕባ ኣገዳስነት ዘላቒ ሰላም፣ ውሕስነት ምግቢ እቲ ከባቢ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ዝህሉ ምትሕግጋዝ ክዝትያ እየን።

ክልቲአን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ካልኣይ ወርሒ እቲ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ደው ንምባል ዝተገበረ ውዕል ናብታ ሃገር ዝበጽሓ ዘለዋ ኮይነን፡ ተግባራውነት እቲ ስምምዕ ኣብ መስርሕ ይርከብ።

ምብጻሕ እተን ሚኒስተራት ካብ 4 ክሳብ 5 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ንኽልተ መዓልቲ ዝጸንሕ ከምዝኾነ ምንጭታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

ሕብረት ኣውሮጳ ተፈጻምነት እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ዳግም ክጅምሮ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዝፈጥር ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ሕብረት፡ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ብዝተኸተመ ስምምዓት ንሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምስጋና ከምዘቕረበ ይዝከር።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ንዝተራእየ ለውጢ ዘመስገነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነዚ ክድግፍ ድልው ምዃኑ እውን ኣረጋጊጹ።

“እቲ ስምምዕ ብዘላቕነት ክፍጸም እንተኽኢሉ እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስትራተጂያዊ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዝገብር እዩ” ኢሉ።

ሕብረት ኣውሮጳ ሓደ ካብቶም ንኢትዮጵያ ናይ ባጀት ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ብብዝሒ ዝህቡ ለገስቲ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ግን ኣስታት 110 ሚልዮን ዶላር ናይ ባጀት ድጋፍ ክደናጎይ ገይሩ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ እቲ ሕብረት "ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመርኮሰ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ይዝከር።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምርግጋጽ ተሓታትነት ምግሃስ መሰላትን ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ልምዓታውን ቁጠባዊን ደገፍ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ልዑል ጠለብ ረድኤት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምሉእ ብምሉእ ናብ ንቡር ክምለሱ ምግባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ድማ ሓቲቱ።