ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመንን ፈረንሳን፡ ግዳያት ኲናት ትግራይ ፍትሒ ክረኽቡ ጸዊዐን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይ ፍትሒ ዕርቂ ክህሉ ከምዘይክእል ገሊጸን።
እተን ሚኒስተራት፡ ምዕባለታት እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምዝርራበን እዩ ነዚ መግለጺ ሂበን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎናን ጀርመናዊት መዘናኣ ኣናሌና ቤርቦክን፡ ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸሙ ገበናት ስጉምቲ ዝወስድ ስርዓት ስግግር ፍትሒ ክጣየሽ ጸዊዐን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሌና ባርቦክ፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት “ኮነ ተባሂሉ (ብብልሓት) ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ” ዝርከቡዎም ገበናት ከምዝተፈጸሙ ምግላጻ ወኪል ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
“ከም ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተር፡ ጾታዊ ዓመጽ ኣካል ኲናት ምግባር ንቡር ከምዘይኮነ ክገልጽ እፈቱ” ምባላ ዝጠቐሰ ኤፒ “ኣብ እዋን ኲናት ድሕነት ሰላማውያን ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባር ምዃኑ ብምጥቃስ “ጾታዊ ዓመጻት ገበናት ኲናት እዮም” ከምዝበለት ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎና እውን “ብዘይ ፍትሒ ዝጸንዕ ሰላም የለን” ምባላ ኤፒ ጸብጺቡ።
እተን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ቀጻሊ ጉዳይ ተሓታትነት ኣገዳሲ ናብ ዝኾኑሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይዳ ከምዝደልያ እውን ገሊጸን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብግዲኡ፡ መንግስቲ ገበነኛታት ካብ ተሓታትነት ከየምልጡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ደመቀ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብመንግስቲ ዝቖመ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብኲናት ጉድኣት ናብ ዝበጸሖም ከባቢታት ክዋፈሩ ምሕታታ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሓይልታት ፌደራል ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሰራዊት ኤርትራ ሓዊሱ፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ጎንጺ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ይኽሰሱ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ስዒቡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓየሽን ጀሚሩ ኣሎ።
ምብጻሕ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳን ጀርመንን ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንምድጋፍን ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ዘሎ ምሕዝነት ንምጥንኻርን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
ሕብረት እውሮጳ ድሕሪ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት፡ ገበናት ተፈጺሞም እዮም ብዝብል ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዝነበረ ዓመታዊ ሓገዝ በጀት፡ 110 ሚልዮን ዶላር፡ ኣቋሪጽዎ ጸኒሑ።
እቲ ሕብረት ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ዘለዎ ድጋፍ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እንተኾነ ምምሕያሽ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣብ ትግበራ እቲ ውዕል ዝተመስረተ ከምዝኾነ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ድጋፍ በጀትን ሰብኣዊ ሓገዝን ካብ ዘቕርቡ ሓደ ዝኾነ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱን ክጽውዕ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







