ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩስያን የዘራርብ

ሰርገይ ላቭሮቭ (ጸጋም) ምስ ናለዲ ፓንዶር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰርገይ ላቭሮቭ (ጸጋም) ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት መዘናኡ ናለዲ ፓንዶር ኣብ ፕሪቶርያ

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሩስያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ዝዓግታ ከም ዘየለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጻ።

ናለዲ ፓንዶር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ገለ ሃገራት ምስ ዝደልይኦ መሻርኽቲ ልምምድ እናገበራ ካልኦት ክኽልከላ "ድርብ መዐየሪ" እዩ ብምባል ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ ነጺጋቶ።

"ኩለን ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ምስ መሓዙተን ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዳ'የን" ክትብል እታ ሚኒስተር ተዛሪባ።

ዶ/ር ፓንዶር፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ሩስያዊ መዘናኣ ሰርገይ ላቭሮብ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መብርሂ'ያ ነቲ መግለጺ ሂባ።

ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ምስ ሩስያን ቻይናን ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ከካይድ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ውጥን ኣብ መበል ሓደ ዓመት ናይቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ክካየድ ተወጢኑ ምህላዉ ነቐፌታት ኣስዒቡ'ሎ።

ሚኒስተር ፓንዶር ከም እትብሎ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ከም ዘይብላ ዝእምት ርእይቶ፡ "ዓመጽ ዓለምለኻዊ ልምዲ" እዩ።

"እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝካየድ ባህርያዊ ዝኾነ ልምምዳት እዩ" ክትብል ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ እቲ ተወጢኑ ዝጸንሐ ልምምዳት፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ኣባል ሃገራት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ዘካድዎ ልምምዳት ከም ዘይፍለ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ካብ 17 ክሳብ 27 ለካቲት ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ልምምዳት ኣብ ወደባዊት ከተማ ደርባንን ሪቻርድስ በይን ከምዝካየድ ተፈሊጡ።

ዕላማ ናይቲ ልምምዳት ድማ፡ ስርሒታዊ ክእለትን ፍልጠትን ምልውዋጥ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጠቒሱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቲ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኾነንኦ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ምውሳዳ ይዝከር።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝተረኽበ ሚኒስር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኲናት ዩክረይን ብዝምልከት ንዝወሰደቶ "ሚዛናዊ" ከምኡ'ውን ነገራት "ዘገናዘበን" መርግጺ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ኲናት ብዘተን ዲፕሎማስዊ ኣገባብን ክፍታሕ ከምእትደሊ ፓንዶር ኣነጺራ'ላ።

ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዋላ'ኳ ነቲ ወራር ከምዘይቅበልዎ ክገልጹ እንተጸንሑ፡ ሻራዊ መርገጺ ክወስዱ ከም ዘይደልዩ ብምንጻር፡ ምስ ክልቲኦም ወገናት ጽምዶታት ካካይዱ ጸኒሖም'ዮም።

እንተኾነ ግን ገለ ወገናት፡ እቲ መርገጺ ንሩስያ ንምሕጓስ ዝተወስደ'ዩ ብምባል ይነቕፉ።

መሪሕነት ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሩስያ ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ታሪኻዊ ዝምድናን ርክብን ዝጸንሖ'ዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታዊ መግዛእቲ (ኣፓርታይድ) ብዙሓት ተቓለስቲ፡ ኣብ ሩስያ ወተሃደራዊን ስለያዊን ስልጠና ይወስዱ ምንባሮም ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ብመንገዲ እቲ ምስ ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲን ቻይናን ዝተመስረተ ምትእኽኻብ 'ብሪክስ' ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቁጠባዊ ርክብ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ።

ላቭሮቭ፡ ኣብ ሓምለ 2022 ናብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ኮንጎ-ብራዛቪልን፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ነይሩ'ዩ።

ከም ናይጀርያን ኬንያን ዝበላ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ብሕቡራት ሃገራት ዝተወስደ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝኹንን ውሳነ ምድጋፈን ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ፡ 17 ሃገራት ኣፍሪቃ'የን ነይረን።

ኤርትራ ግን ብወግዒ ንሩስያ ብምድጋፍ ነቲ ውሳነ ካብ ዝተቓወምኦ ኣርባዕተ ሃገራት ምንባራ ይዝከር። እተን ካልኦት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ቤላሩስን እየን።