ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ትሕዝቶታት ፌስቡክ ዝቆጻጸር ትካል ኣገልግሎቱ ደው ከብል እዩ

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ኢንስታግራም፡ ፌስቡክን ዋትስኣፕን ዘመሓድር ሜታ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተቖጻጻሪ ትሕዝቶ ሳማ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ናይ ትሕዝቶ ምቁጽጻር ስርሑ ደው ከም ዘብል ኣፍሊጡ።
እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ምውዳብ ዳታ ትኹረት ይገብር ከም ዘሎ ኣብቲ ናብቶም ሰራሕተኛታቱ ዝለኣኾ መልእኽቲ ሓቢሩ።
እቲ ኩባንያ፡ ምስ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ዞባ ብማሕበራዊ ሚድያ መድረኽ ዝመሓላለፍ ጎዳኢ ትሕዝቶታት እናተቖጻጸረ ይርከብ።
ወሃቢ-ቃል ሜታ፡ ሳማ ነቲ ኣገልግሎት ምቁጽጻር ትሕዝቶ ንምቁራጽ ዝገበሮ ውሳነ ከም ዘኽብር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዋትስኣፕን ዝውንን ሜታ፡ እቲ ምስግጋር ንመድረኽ ማሕበራዊ ሚድያ ከም ዘይጸሉ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጹ።
ሜታ ከም ዝብሎ፡ ጎዳኢ ትሕዝቶ ሕጂ’ውን ካብ ቁጽጽር ኣየምልጡን።
ሜታ፡ እቲ ውሳነ ናይ ሳማ ምዃኑ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፡ ሳማ ብወገኑ እቲ ውሳነ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ሳማ፡ ኣብ መድረኻት ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ካብ ጽልኢ ዝመልኦ ትሕዝቶ ክሳብ ዘስካሕክሕ ምስልታትን ቪድዮታትን ክቆጻጸር ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ወርሒ ጉንበት፡ ሓደ ኣብቲ ኩባንያ ዝሰርሕ ዝነበረ ተቖጻጻሪ ትሕዝቶ፡ ስርሑ ንጥዕና ኣእምሮኡ ከም ዝሃስዮ ብምግላጽ፡ንኽልቲኦም ኩባንያታት ከሲሱ ነይሩ።
ዳኒኤል ሞታንግ ከም ዝበሎ፡ ሰባት ክቕተሉ ኣብ ልዕሊ ህጻናት መጥቃዕቲ ክፍጸም ዘርእዩ ትሕዝቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ርእዩ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገማት ስለ ዘጋጠሞ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ተገይሩሉ። ነቲ ነዚ ጸገም ዘቃልዖ ስራሕ ንሰዓት 2.20 ዶላር ይኽፈሎ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
ሳማ፡ ካብ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ 3 ሚእታዊት ሰራሕተኛታት ከሰናብት ምዃኑን፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ዝነበሮም ግዘ ምስ ወድኡ ን12 ኣዋርሕ ናይ ጥዕና ደገፍ ከም ዝገብርን ገሊጹ እዩ።
ሜታ’ውን ኣብዚ ናይ ምስግጋር እዋን ምስ መሻርኽቲ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ቁፅፅር ትሕዝቶ ፀገም ከይፍጠር ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።
ሜታ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ጽልእን ጎንፅን ዘለዓዕል ትሕዝቶ ብምዝርጋሕ፡ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ክሲ ቀሪቡሉ’ዩ።
ሓደ ካብቶም ንሜታን ዝኸስሱ ኣብርሃም ማዕርግ እዩ። ንሱ፡ ኣቡኡ ብሰንኪ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖን ብጥይት ከም ዝተቐተለን ይዛረብ።
እቶም ከሰስቲ፡ ኣብ ፌስቡክ ብዝተዘርግሐ ጽልኢ ንዝበጽሖም ጉድኣት፡ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈሎምን ከምኡ'ውን ኣብ ኣልጎሪዝም ፌስቡክ ለውጢ ክግበርን ሓቲቶም ኣለዉ።
እዚ ዝኾን ዘሎ፡ እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ትካል ብሰንኪ ምንቁልቋል ኣታዊታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ንምስንባት መደብ ከም ዘለዎ ምግላጹ ስዒቡ ድሕሪ ኣዋርሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







