መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ማዕረ ክንደይ መጥቃዕቲ ድሮናት ይፍጽም?

መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምናልባት ቅድሚ 2013 (ግ) ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ብፍላይ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ግን ብሰፊሑ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ተራእዩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ብዙሓት መጥቃዕትታት ድሮን ዝተፈጸሙ ኰይኖም ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ድማ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ሕጂ’ውን ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኣለዉ፤ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ማእከላት ዕዳጋን መነሃርያታትን ዝርከብዎም ህዝባዊ መሳለጥያታት ዒላማ ተገይሮም እዮም።

ሓላፊ ስታፍ ዕጡቕ ሓይልታት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ‘ድሮን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይትትኩስን’ ብምባል ነቲ ክሲ ይነጽግ።

ሞት ካብ ላዕሊ ሰማይ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ 2016 (ግ) ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ንንጹሃት ሰባት ዘይፈለዩ፡ ኣገደስቲ መትከላትን ተመጣጣንነትን ዘይሓለዉ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተፈጸሙ የመልክት።

ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብዙሓት ሲቪላት ኣብቲ መጥቃዕቲ ብጭካነ ከምዝተቐትሉ ብምጥቃስ "ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ተጋሂሱ" ይብል።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እውን፡ ኣብቲ ግጭት ዝዀነ እጃም ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ተገይሮም ከምዝተቐተሉ ይገልጽ።

ሰላማውያን ሰባት ዝግልገሉሎም መሰረተ ልምዓት'ውን ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ “ከቢድ ጉድኣት ይበጽሖም ኣሎ" ይብል።

ንህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምዝሕለቑ ዝገልጹ ትካላት ኣብተን ክልላት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ድሮን "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ምዃኑ ገሊጸን እየን።

ሓላፊ ተጣበቕቲ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣመሪካ ኣቶ ሆነ ማንደፍሮት "ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀንዲ ግዳይ መጥቃዕቲ ድሮን ንጹሃት ዜጋታት እዮም። እቲ ገዛኢ ስርዓት ሰባት ብጕጅለ ተኣኪቦም ክርኢ እንከሎ ዕጡቓት (ፋኖ) ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ የጥቅዖም ነይሩ” ይብል።

እቲ ማሕበር ከምዝብሎ ካብ ነሓሰ 2015 ክሳዕ ነሓሰ 2016 ኣብ ክልል ኣምሓራ ብውሕዱ 80 "ዝተረጋገጸ" መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተፈጺሞም እዮም። ካብዞም መጥቃዕትታት እቶም 42 ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ኣስኢቦም ኣለዉ።

ኣብቶም መጥቃዕቲታት 400 ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉ ምርግጋጾም ኣቶ ሆነ ይጠቅስ። እቶም ግዳያት መንነቶም ከምዘለልዩ እውን ንቢቢሲ ይሕብር።

ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ማሕበር ሕድሪን ተጣበቕትን ኦሮሞ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍጸም ከምዝነበረ ይገልጽ።

እቲ ማሕበር መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ውልቀ ሰባት፡ ሃይማኖታዊ ጉባኤታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መርዓታትን ካልኦት ህዝባዊ ምትእኽኻባትን ከምዝተፈጸመ’ውን ይሕብር።

ብቐንዱ እቶም መጥቃዕትታት ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ፡ ዞባታት ወለጋን ጉጂን ከምዝተፈጸሙ ዝጠቅስ እቲ ትካል፡ ምስ ግዜ ግን እቲ ቍጽሪ እናወሰኸ ናብ ማእከላይ ኦሮምያ ከምዝተዘርግሐን ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝሞቱ ምግላጽ ከቢድ’ኳ እንተዀነ "ብኣሽሓት" ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምት።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዕጡቓት ነቲ ህዝቢ ከም ዋልታ ተጠቒሞም መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝከላኸሉ ይንገር። ብፍላይ ዕጡቓት ሓደስቲ ኣባላቶም ከመርቑ እንከለዉ፡ ንመከላኸሊ ኢሎም ነበርቲ ብሓይሊ ኣገዲዶም ከምዘባረሩ ይግለጽ።

መጠን ከምዚ ዓይነት ኵነታት ብዝምልከት ግን ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ እቲ ማሕበር የመልክት።

ኣንፈት መጥቃዕቲ ድሮን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣርምድ ኮንፍሊክት ሎኬሽን ኤንድ ኤቨንት ዳታ (አክለድ) ዝተበሃለ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ኣብ ሰላም ኢትዮጵያ ዝከታተለሉ መስርሕ፡ ካብ ታሕሳስ 2013 ክሳዕ ለካቲት 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ 139 መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።

እቲ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ክልላት ዝሽፍን ኰይኑ፡ ንሰሜናዊን ማእከላይን ክፋላት እታ ሃገር ዒላማ ዝገበረ ነይሩ።

ካብዚኦም እቲ ዝለዓለ ብዝሒ (41 ሚእታዊ) መጥቃዕቲ ድሮን ዘጋጠማ ክልል ትግራይ እያ፤ እዚ ድማ ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ እዩ።

ምስዚ ኲናት ብዝተኣሳሰር ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ንዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተኻይዱ ነይሩ።

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ግን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይቕጽል ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣክለድ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክሳዕ ጥሪ 2016 [ግ] ጥራይ 49 መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተፈጺሙ ኣሎ። እዞም መጥቃዕትታት ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ዝገበሩ ዘጠቓልሉ ኰይኖም ድሕሪ ጥሪ 2016 [ግ] ዝተፈጸሙ ግን ኣየጠቓልልን።

ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝከታተል ማሕበር ኣምሓራ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ክልላዊ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ዕጥቃዊ ግጭት ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ ኣብ ሓደ ዓመት ኣስታት 80 መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ የመልክት።

ክሳዕ ጥሪ 2016 ካብ ዝነበሩ ብነጻ ኣካል ዝተረጋገጹ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ክልል ኣምሓራ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብብዝሒ ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ። ምብራቓውን ደቡባውን ክፋላት እቲ ክልል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ቦታታት እዮም።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ድማ 28 መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ መረዳእታ ኣክለድ ይሕብር። እቲ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን እቲ ዞባ ክልል ዝተፈጸመ’ዩ።

መምህርን ተንታኒን ጂኣይኤስ (GIS) ዶክተር ዳንኤል ካሳሁን ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዓይነት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "ዳይናሚክ ዒላማ" ንምውቃዕ እዩ ዝፍጸም።

ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝምልከት መረዳእታ ዝትንትኑ ክኢላታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መሬት ኣብ ዝርከብ እኹል ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ከምዘይኰነ’ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ክንድኡ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ንሃድን ዝወጽእ ኣራዊት" ዝመስል መልክዕ ዘለዎም’ዮም ይብሉ።

“ሰላማውያን ሰባት ብብዝሒ ብመካይን ወይ ናይ ጽዕነት መካይን ክጓዓዙ ይኽእሉ። እዚ ማለት እቶም ሰባት ዕጡቓት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ክሕሰብ ይኽእል’ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ መጥቃዕቲ ክፍጸሞም ይኽእል" ክብል የብርህ።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ድሮናት ዓይኒ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ናይ ምርኣይ ምልክት ርሕቐት (Visual Signal Range) ከም ዝጥቀማ ዝትንትኑ ክኢላታት፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ስእሊ ዝተወስደ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ከምዝፍፀም ይገልፁ። እዚ ድማ ንጌጋ ዝተቓልዐ’ዩ ይብሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ'ውን ንመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ "ጕጅለ ዒላማታት" ከምዝጥቀም ይገልጽ።

ሓላፊ ጀነራል ስታፍ ዕጡቕ ሓይልታት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ድሮን ንጃምላዊ ዒላማ ኢና ንጥቀም። ጃምላዊ ዒላማ ናይ ጸላኢ ምትእኽኻብ’ዩ። ምትእኽኻብ’ቲ ኣኽራሪ ጕጅለ ክንረኽቦ ከለና ነጥቅዖ" ኢሉ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንዕጡቓት ዘይኰነስ ንጹሃት ሰባት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ፡ ወይ ድማ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ሰላማውኣን ሰባት ከምዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ ይገልጹ።

ዶክተር ዳኒኤል "[ሰብ ኣልቦ ነፋሪት] ኣብ ልዕሊ ሓደ ምስ ሕብረተሰብ ዝተዋሃሃደ ዕጡቕ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ምዃኑ ዝተጠርጠረ [ህዝቢ] እያ ተጥቅዕ ዘላ" ብምባል ክፍተት ከምዘሎ ይሕብር።

ድሮን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕላ ሰራዊት ክበጽሖም ኣብ ዘይክኣሉ ውሽጣዊ ግጭታት እዩ። ኵነታት መሬት ዘይምቹእ ኣብ ዝዀነሉን ልዑል ዋጋ ዘለዎ ዒላማ ብውሑድ ክሳራ ሰላማውያን ሰባት ክርከበሉ ኣብ ዝኽእሉ ቦታታት ክኸውን ከምዘለዎ ይግመት።

ስለዚ መንግስቲ ንምንታይ እዩ መጥቃዕቲ ድሮን ዝፍጽም ዘሎ? ኣብቲ ከባቢታት ክበጽሕ ስለዘይከኣለ? እቲ ህዝባዊ ምክፍፋል (ምትእኽኻብ) ስለዝወሓደ ድዩ?

ኣብታ ሃገር ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስ ዝርገሐ ጽርግያታትን ህዝብን ክነጻጸሩ እንከለዉ ግን፡ መንግስቲ ነዞም ዘመናዊ ኣጽዋር ክጥቀም ዝደረኽዎ ምኽንያታት ዘፍረሱ ከምዝዀኑ’ዩ ዝሕሰብ።

ዶክተር ዳንኤል፡ "መብዛሕትኡ እቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ካብቲ ጽርግያታት ንጸጋምን የማንን 10 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብን ብቐሊሉ ክብጽሑ ኣብ ዝኽእሉን ቦታታት'ዩ" ይብል። "ካብቶም ቀንዲ ጽርግያታት ብዝረሓቕና መጠን፡ መጥቃዕቲ ድሮን እናነከየ’ዩ ዝኸይድ።"

"ምናልባት 95 ሚእታዊት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት እዩ ዝፍጸም" ይብል።

ንመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምስ ዝርጋሐ ህዝቢ ኣተኣሳሲሩ ዝርእይ ዶክተር ዳንኤል፡ በቲ መጥቃዕቲ ክጉድኡ ዝኽእሉ ንጹሃት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎም ከባቢታት ዒላማ ክገብር የብሉን ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ የልዕል።

ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብመዓልቲ ከምኡ’ውን ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ ወይ ዝናብ ኣብ ዘይብሉ እዋ’ዮም ዝፍጸሙ።

ካብ መስከረም ክሳዕ ጥሪ ዘለዉ ኣዋርሕ ዝበዝሐ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተፈጸመለን ክዀና እንከላ ካብዚአን እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጥቅምቲ እዩ ዝፍጸም።

ካብ ለካቲት ክሳዕ ነሓሰ ብሰንኪ ደበናን ወቕቲ ዝናብን፡ መጥቃዕቲ ድሮናት ይንኪ፤ ኣብዘን ኣዋርሕ እዚአን መጥቃዕቲ ድሮን ኣይተራእየን።

‘ሰብ ከይሞተ ኣይቅበረን’

“ዕጡቕ ሓይሊ ይፍለጥ’ዩ። [ስድራይ] ዝተኸደንዎ ነጸላ’ዩ። ዕጡቓት ሓይልታት ከምኡ ኣይክደኑን. . .” ይብል ብመጥቃዕቲ ድሮን ሸሞንተ ኣባላት ስድራኡ ዝሰኣነ ኣቶ ንጉስ ሓዘን ብዝመልኦ ድምጺ እቲ መጥቃዕቲ ንምንታይ ከምዝተፈጸመ ክፈልጥ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

"ዘይሞተ ሰብ ከይሞተ ኣይቅበርን" ብምባል ዝርከበሉ ኵነታቱ ካብ ሞት ከምዘይንእስ ይገልጽ። ክሳብ ከምኦም [እንመውት] . . . ኣለና፤ ንነብር ኣለና፡ ምንባር እንተተባሂሉ” ይብል።

ድሌት ኣቶ ንጉስ፡ ፍትሒ ወይ ካሕሳ ኣይኰነን፡ የግዳስ "እቲ ቅትለት ይኣኽለና" እዩ ዝብል።

"ይኣኽለና ኢልና ድሕሪ ደጊም ካልእ ሰብ ብህይወት ክነብር ምግባር'ዩ። ካልእ እንታይ ይደሊ? ብኣና ይኣክል።"

ድሮናት ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ኣድማዕቲ ኰይነን?

መጥቃዕቲ ድሮን

ድሮናት ብዅሉ ቅርጽን ዓቐንን እየን ዝመጻ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ድሮን ኣብ ሰለስተ ምድብ ይኸፍለን።

ኣብ ቀዳማይ ምድብ ዝርከባ ድሮናት ንኣሽቱ እየን፤ ብኢድ ዝለዓላ፡ ክሳብ 80 ኪ.ሜ ክነፍራ ዝኽእላን ኣብ ኣየር ንሰለስተ ሰዓታት ጥራይ ዝነፍራን እየን። ገለ ካብዘን ድሮናት መጠነን ካብ ኢድ ሰብ ዝንእስ’ዩ።

ኣብ ካልኣይ ምድብ ዝርከባ ድማ ሓጺር ርሕቀት ዝጓዓዛ እየን። ንምብራር ዝወሓደ ቦታ’ዩ ዘድልየን። ክሳዕ 10 ሰዓታት ክነፍራ ይኽእላ። ካብ 100 ክሳብ 200 ኪ.ሜ ርሕቀት ድማ ይሽፍና። እዘን ድሮናት ዒላማ ንምግባር ዝሕግዙወን መሳርሒታት ‘ስካኒን’ ኣለወን።

ኣብ ሳልሳይ ምድብ ዝርከባድሮናት 'Medium High Long' ወይ 'High Long' ይበሃላ። ን24 ሰዓታት ናይ ምብራር ዓቕሚ ኣለወን። ኣብ ሰዓት 300 ኪ.ሜ ወይ ልዕሊኡ ክነፍራ ይኽእላ።

ነዘን ድሮናት ዘንቀሳቕሱ ሰብ ሞያ፡ ብሓገዝ ሳተላይት መራኸቢ ነተን ነፈርቲ ብኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቘም ከንፍርወን ይኽእሉ። መብዛሕትአን እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣጽዋር ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለወንን ንውግእ ክውዕላ ዝኽእላን’የን።

ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ትካል ህንጸት ሰላም ፓክስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣጠቓቕማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዓቢኡ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ካብ 2007 ጀሚሩ ሰማይ ኣፍሪቃ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ ከምዝተመልአ ዝገልጽ እዚ ትካል፤ ከም ኣብነት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ዞባ ሳሕልን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ይጠቅስ።

ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ውጽኢታውያንን ብተዛማዲ ዝሓሰራን ከምዝዀና ወሲኹ ይገልጽ።

ድሮን፡ ስለያዊ ሓበሬታ ንምእካብን ምክትታል ንምክያድን ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ይዋፈራ። እተን ከይተረኣያ ተሽከርከርትን ሰባትን ዝከታተላ ድሮናት፡ መን ዒላማ ከምዝግበር ወይ ኣበይ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ሓበሬታ ይእክባ። እቲ ውሳነ ክወሃብ እንከሎ ድማ ነቲ ዝተመደበለን ዒላማ ከጥቅዓ ይኽእላ።

መምህርን ተንታኒን ጂኣይኤስ ዶክተር ዳኒኤል ካሳሁን፡ ልዕሊ 100 ድሮናት ዝጥቀማ ሃገራት ነዘን ነፈርቲ ንሰለስተ ዓይነት ግጭታት ይጥቀማለን ከምዘለዋ ይዛረብ።

ኣመሪካ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፣ ኣብ ኲናት ሃገራት፣ ንኣብነት ኲናት ኣዘርባጃንን ኣርመንያን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ዝካየድ ኲናት ንናይ ውሽጢ ሃገር ተቐናቐንቲ ንምጥፋእ ከምዘገልግላ ይፍለጥ።

ይዅን’ምበር ብሰንኪ እቲ ዘስዕብዖ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፡ ድሮን ምጥቃም ክውገድ ኣለዎ ዝብሉ ድምጽታት እናወሰኸ’ኳ እንተኸደ፡ ዕጥቃዊ ውግእ ንምዕብላል ዘለወን ጠቕሚ ግን ብኡ መጠን ይብርኽ ኣሎ።

ኵነታት ኲናት መበል 21 ክፍለ ዘመን ከምዝቐየራ ዝንገረለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓላ ኰይነን ኣብቲ ኲናት’ውን ዓብይ ጽልዋ ነይርወን እዩ።

ዶክተር ዳንኤል ብሰንኪ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ ኲናት ዝነበረን ተራ፡ መንግስቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን እውን ንተመሳሳሊ ውጽኢት ይጥቀመለን ከምዘሎ ይኣምን።

‘ደቅኹም ሓልዉ’

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ "እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት" ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መጥቃዕቲ ድሮን ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተቐትለ ምንጻጉ ይዝከር።

"ምስ ዝገጥመና ኢና ንገጥሞ" ብምባል ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቝ ሰባት መጥቃዕቲ ከምዘይፍጽማ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣብ መንጎ ህዝቢ ስለዝነበሩ ዝገደፍናዮም ገለ ዒላማታት ኣለዉ" ብምባል ሰራዊቱ "ህዝባውን ሕጊ ዘኽበርን" ምዃኑ ኣስሚሩ።

ይኹን’ምበር፡ በቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ከምዝተቐትሉ ስድራ ግዳያት፡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን መንግስታዊ ትካል ኢሰመኮን ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊጾም እዮም።

ፍትሕን ተሓታትነትን

ቢቢሲ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ከምዘመላኽትዎ፡ ንሰላማውያን ሰባት ይዅን ወተሃደራዊ ዒላማ ኣብ ግምት ዘየእቱ ሓይልታት መንግስቲ ዝፈጸምዎም መጥቃዕቲ ድሮን ጠንቂ ሞት ሰላማውያን ኰይኖም እዮም።

መንግስቲ ግን በቲ መጥቃዕቲ ድሮን ዝተቐተሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዘለዉ ኣይኣምንን። በዚ ድማ ነቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉን ዝተጐድኡን ንጹሃት ሰባት ሓላፍነት ክወስድ ወይ ተሓታቲ ክኸውን ኣይርኣይን።

ኣምነስቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ብምባል ቅልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ ይጽውዕ።

“ካብቶም ንህሉው ግጭት ነዳዲ ዝውስኹ ረቛሒታት፡ ስእነት ፍትሒ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ደረጃ ዘይተሓታትነት ኣሎ። እዚ ክቋረጽ ኣለዎ። ፍትሒ ክርከብ ኣለዎ" ይብል።

ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክቋረጽ ጸቕጢ ካብ ምግባር ሓሊፉ ናብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ጥርዓን ከምዘቕረበ እዩ ዘፍልጥ።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ናብ መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ምጽብጻብ ከምዝቕጽል ዝገለጸ ማሕበር ኣመራርሓን ተጣበቕትን ሕድሪ ኦሮሞን፡ ሓገዝን ፋይናንሳዊ ደገፍን መንግስቲ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ቅድመ ኵነት ክህልዎ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ብዘይ ኣፈላላይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ኣብ ገበናት ኲናት ወይ ሰብኣዊ ገበናት እዩ ዝምደብ።