ኢትዮጵያ፡ ምግምማዕ ህወሓትን ካልኦት ቀንዲ ፖለቲካዊ ፍጻመታትን ዓመተ- 2016

ስእልታት

ኣብዛ ትማሊ ዝተዛዘመት ዓመተ-2016 [ግእዝ] ዝነበረ ፍጻመታት ምልስ ኢልካ ክግምገም ከሎ፡ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝቝፀሩ ኣዝዮም ኣካታዕቲ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ኣርእስታት ኣይሰኣኑን።

ካብቲ ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝበልዐ ሰንካም ኲናት ንእሽቶ ኣዕሪፋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ ሕጂ’ውን ሻቕሎት ኣብ ዝፈጥር ረስኒ ፖለቲካ ተሸሚማ ኣላ።

እቶም በቲ ኲናት ተመዛቢሎም ዛጊድ ኣብ ግዝያዊ መፅለሊ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ክሳቐዩ ዝጸንሑ ተመዛበልቲ ክምለሱ ጀሚሮም ዝብል ዜና መፈጸምታ ከይረኸበ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ከምኡ ድማ፡ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ብልምዓት እቲ 32 ቢልዮን ብር ዝተሰልዓሉ ውጥን ‘ልምዓት’ ብሕብርን መብራህትን'ኳ እንተጋየጹ፡ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብሕድሕዳዊ ግጭት ኣብ ቁርቍስ ኣለዉ።

ምስ ባህጊ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተኣሳሰር ድማ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያን ግብጽን ናብ ዞባዊ ኲናት ከይተምርሕ ስግኣታት ኣሎ።

ቅልውላው ህወሓት

እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብሊ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ውሽጣዊ ምምቕቓሉ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እዩ እናሰፍሐ መጺኡ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ፡ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ን41 መዓልታት ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝተኣከበ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ መዛዘሚኡ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ጸገም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምኡ ምግባሩ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።

እቲ ንብዙሓት ዘገረመ ድማ፡ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ባዕሉ ኣብ ሓደ ህዝባዊ መድረኽ ከምዝበሎ፡ እቲ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ፡ ሓንቲ ህዝባዊ ዛዕባ ዘይምልዓሉ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ውድብ ኣብ ምፍታሕ ጸገማት ህዝቢ ትዅረት ከምዝገብር ቃል ኣትዩ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ መብጽዓ ክፍጸም ኣይከኣለን።

ሕጂ ምስቲ ብኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ዘለዉ፡ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ወይዘሮ ልያ ካሳን ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ተባሪሮም እዮም።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ፡ ነዞም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝዀኑ ፖለቲከኛታት ካብ ሓላፍነቶም ንምእላይ ዘገደዶ ምኽንያት ኣይገለጸን።

እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ፈኸም እናበለ ዝመፅአ ፍልልያት፡ ብገለ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እቲ ክልል ይግለጽ'ኳ እንተነበረ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረቡዎ ነገር ኣይነበረን።

ኣብ መንጐ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዶ/ር ደብረጽዮንን ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ መበል 14 ውድባዊ ዋዕላ ህወሓት እናቐረበ ምስ መጽአ እዩ ቅሉዕ ኰይኑ።

ኣባላት ማእከላይ ቍጽጽር ኮሚሽን እቲ ውድብ ብዛዕባ እዚ ጉባኤ ቀዲሞም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ኰይኖም፡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ሓምለ ምስ ቴሌቪዥን ደምጺ ወያነ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንመጀመርያ ግዜ ነቲ ምግምማዕ ዕላዊ ገይሩ።

ነቶም መራሕቲ ህወሓት፡ "ዝኸሰርዎ ስልጣን ንምምላስ፡ ከምኡ'ውን ስልጣን መንዚዑና ንዝብልዎ መራሒ ንምእላይ ይጓየዩ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።

ድሕሪ መዓልታት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ሓዊሱ ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ 'ኣካይዳኡ ልክዕ ኣይኰነን" ብዝብል ካብቲ ጉባኤ ንዓርሶም ከምዘግለሉ ኣፍሊጦም።

ህወሓት ብሰንኪ ኲናት ዝሰኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ክረክብ ይፅዕር ኣብ ዝነበረሉ ዀይኑ፡ እዚ ክትዕ መዕልቦ ከይረኸበ እዩ ናብ ጉባኤ ተኣትዩ።

ነቲ ውድብ ከም ብሓድሽ ጥራይ ከምዝምዝግቦ ዘፍለጠ ቦርድ መረጻ ብወገኑ፡ ቅድሚ 21 መዓልቲ ንቦርድ ክሕብሩ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ጠቒሱ ጉባኤ ምክያዱ፡ ነቲ ዋዕላ ይዅን ንውሳነታቱ ኣፍልጦ ከምዘይወሃቦም ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ተቓውሞታት እዚ ግን ነቲ ብኣቦ መንበር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ውደባዊ ጉባኤ ከይገብር ኣይዓገቶን፤ ኣብቲ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣባላት ካብቲ ውድብ ተኣጊዶም።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ጉባኤ መግለጺ ዝሃበ ዶክተር ደብረጽዮን፣ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ኣባልነት ህወሓት ከምዝተኣገዱ ብምምልካት ነቲ ውድብ ከምዘይውክሉ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ካልኦት ወከልቲ እቲ ውድብ ክቕየሩ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም ጕጅለታት ነንሕድሕዶም ዝካሰሱ ዘለዉ ዀይኖም፡ ብፍላይ ብመሪሕነት ኣቶ ጌታቸው መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ትግራይ፡ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ምስላጥ ይርከቡ።

ኣካታዒ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድን ሳዕቤኑን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዝነበሮ ባህጊ ካብ 2015 [ግ] ጀሚሩ እዩ ከእንፍት ጸኒሑ።

ኣብዚ ዝዛም ዘሎ ዓመት፡ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተፈነወ መደረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብወግዒ ተገሊጹ።

ኣቢይ፡ ኣብቲ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ መደረ፡ ወደብ ምርካብ ንኢትዮጵያ "ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ" ክብል ተሰሚዑ።

ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ሰፊሕ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተኸታተሉ ተንተንቲ፡ ዓይኖም ናብ ኤርትራን ወደባታን ኣነጻጺሩ ነይሩ።

እቲ ብ22 ታሕሳስ 2016 [ግ] ዝመጽአ ዜና ግን ብዙሓት ዘይተጸበይዎ እዩ ዀይኑ።

ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ምፍራም መዘክር ሰነድ ምርድዳእ ወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ተዘርጊሑ።

ብኡ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ንህንጸት ወተሃደራዊ መዓስከርን ወደብን ዝውዕል 20 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ክትረክብ ምዃና ይገልጽ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ኣመልኪቱ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ናብ ግብሪ ክትርጐም ተባሂሉ ተስፋ ዝተግበረሉ እቲ ስምምዕ፡ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ'ሎ፡ ጭቡጥ ምዕባለ ግን ኣይተራእየን።

እቲ ስምምዕ ስዒቡ ግን፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ሓያል ወጥሪ እናዓበየ መጺኡ ኣሎ።

በቲ ምስታ ኣካል ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ኣዝያ ዝተቘጥዐት ሶማልያ፤ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ጥሕሰት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን" ክትብል ኰኒናቶ።

ሶማልያ ኣብ ሞቃድሾ ዝርከቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ዲፕሎማሰኛታትን ካብታ ሃገር ክወጹ ኣዚዛ፤ ንዓለማውን ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ጻውዒት ኣቕሪባ። ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ መዘራረቢ ዛዕባ ኰይኑ ቀሪቡ።

ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያን ጽቡቕ ዝበሃል ሓበራዊ ርክብ ዘለዋ ቱርኪ፡ ዘካየደቶ ዘይቀጥታዊ ተደጋጋሚ ልዝብ ክሳብ ሕጂ ናብ ፍረ ኣይበጽሐን።

ዞባዊ ወጥሪ ዘጋደደ ምትእትታው ግብጺ

ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ተሳትፎ ሳልሰይቲ ሃገር ዓብይ ዞባዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ሶማልያ ምስታ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ክትሰሓሓብ ዝጸንሓት ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ።

ብድሕሪኡ፡ ካይሮ ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ናብ ሞቓድሾ ዝለኣኸት ኰይና፡ ነቲ ኣብ ጥሪ ዝመጽእ ዓመት ዝዛዘም መሰጋገሪ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ (ATMIS) ዝትክእ ሓድሽ ተልእኾ ንምጥያስ ኣካል ዝሓዘቶ ውጥን እዩ።

እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ንደሓር፡ ሶማልያ ንዝሃበቶ መደረታትን መግለጺታትን ሳሕቲ ምላሽ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ናብዚ ዞባ ቅልቅል ምስ በለት ግን ርኢኻ ከምዘይረእኻ ዝሕለፍ ኣይኰነን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኣብቲ ብተረርቲ ቃላት ዝመልአ መግለጺ፡ መንግስቲ ሶማልያ "ምስቶም ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ዝጽዕሩ ሓይልታት ወጻኢ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል ከሲሱ።

"ኢትዮጵያ ካልኦት ተዋሳእቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ ስጕምትታት ክወስዱ እንከለዉ ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኣይትዕዘብን" ብምባል መርገጺ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።

እዚ ዓይነት ሓሳብ ካብ ኣዛዚ ጠቕላሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እውን ተደጊሙ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ካብ ዓቃብ ሰላም ሶማልያ ዝተመልሱ ኣባላት ሰራዊት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ ኣብ ሶማልያ ኣል-ሸባብ ንምግታእ ዝተኻየደ ቃልሲ ንዝተሳተፈ ሰራዊት ‘ሰራዊት ጸላኢ ምባል ክሕደት እዩ’ ዝብል መደረ እዩ ኣስሚዑ።

ቀጺሉ ድማ፡ ሶማልያ ነታ 'ታሪኻዊ ጸላኢት' ናብዚ ዞባዊ ቅልውላው ትዕድም ኣላ ክብል ብምኽሳስ፡ ምሉእ ምድላው ክግበር ተላብዩ።

ግጭት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን

ኲናት ትግራይ ብውዕል ፕሪቶርያ'ኳ እንተኣብቀዐ፡ ብፍላይ ኣብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን እቲ ግጭት ኣንፈቱ ቀዪሩ ገዲዱ ይርከብ።

ክልል ኣምሓራ ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ህጹጽ ኣዋጅ እዩ ኣሕሊፍዎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር፡ እንተላይ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን "ጃምላዊ ማእሰርቲ" መቕተልትን ከምዝተፈጸመ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ ነይሩ።

ነቲ ዓመት ብዘይ ሰላም ዘሕለፉ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን፡ ገለ ንጹሃን ግዳይ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን ከምዝተኻየዱ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጽ።

ኣብ ካልእ እዋን ድማ፡ ብዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን [ኦነግ] ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ግፍዕታትን መቕተልትን መጭወይትን ከምዝተፈጸሙ'ውን ይዝረብ።

ኲናት ትግራይ ንኽዛዘም ኣበርክቶ ዝገበረ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብዚ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮም ምብጻሓት፡ ጎንጽታት ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን’ውን ኣጀንዳ እንተገበረ’ኳ፡ ዛጊድ እቲ ግጭት ደው ንምባል ጭቡጥ ነገር ኣይተራእየን።

ኣብ ሰነ ኣብ መንጐ ሓይልታት ፋኖን መንግስትን ዕርቂ ንምፍጣር ዝቘመ 15 ኣባላት ዝሓቘፈ ባይቶ ሰላም እንተነበረ’ውን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምንቅስቓሱ ርኡይ ውጽኢት ኣየምጽአን።

ፍረ ዘየፍረየ ልዝብ ታንዛንያ

መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብዚ ዓመት ንሰሙናት ዝቐጸሉ ከልተ ግዜ ድርድር ኣካይዶም ነይሮም።

ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዞባታት ወለጋን ሽዋን ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ምስ መንግስቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሚያዝያ 2015 እዩ ንልዝብ ኮፍ ኢሉ።

ኣብ ዛንዚባር ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ሙይኒ ዝተኻየደ ፈላማይ ልዝብ፡ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ፤ ተወሳኺ ዝርርብ ክህሉ ምዃኑ ግን ተስፋ ነይሩ።

እቲ ኣብ ፍርቂ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዛንዚባር ዝጀመረ ልዝብ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ከተማ ዳረ ሰላም ቀጺሉ።

ኣብዚ ድርድር ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፈደራል መንግስቲ [ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሓዊሱ] ንፈለማ እዋን ፊት-ንፊት ዝተራኸብሉ ኰይኑ፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኩምሳ ድሪባ ካብ ክልል ኦሮምያ ተላዒሉ ኣብቲ ድርድር ተረኺቡ ነይሩ።

እቲ ዘተ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝቐጸለ፡ ብፍላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክልቲኦም ወገናት ምርኻቦም፡ "ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ይኽእል እዩ" ዝብል ተስፋ ሰኒቑ ነይሩ።

ብ11 ሕዳር ምሸት እቲ ዝርርብ ከምዝተዛዘመ ምስተገልጸ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ጀሚሮም። ተወሳኺ ዝርርብ ከምዝካየድ ዝሕብር ዝዀነ ምልክት ድማ ኣይነበረን።

ብተወሳኺ. . .

ብኻልእ መንገዲ፡ ኣብታ ሃገር ሱር ዝሰደደ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ንምፍታሕ ብዝብል ዝተጣየሰ ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝወሰደ ናይ ምድላው ምዕራፍ ዛዚሙ ናብ ትግበራ ኣብ ምስግጋር ይርከብ።

እንተዀነ እቲ ኮሚሽን ኣሳታፊ ኣይኰነን፣ ወገናዊ እዩ ዝብሉን ካልኦት ክስታትን ዘተኣናግድ ኰይኑ፡ ከም ትካል ተቐባልነቱ ኣብ ሕቶ ኣትዩ ይርከብ።

ኣብዚ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብትሕዝቶኦም ኣዘረራብቲ ዝዀነ ኣዋጃት ነዲፉ፤ ዝበዝሑ ኣጽዲቑ ንገሊኦም ድማ ንዝመጽእ ዓመት ኣወንዚፉዎም ይርከብ።

እቲ ባይቶ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስን ንብረትን ዜጋታት ገደብ ዘንብሩ ኣካታዕቲ ኣዋጃት ኣሕሊፉ ይርከብ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ነበርቲ ብናጽነት ናይ ምንባርን ምንቅስቓስን መሰሎም ዝግድብ ዘሎ ገበናት ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ጭውያን፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣብዚ ዓመት ተጋዲሱ ይቕጽል ኣሎ።