ጌታቸው ረዳ ብሓቂ እንታይ እዩ ኣጋጢሙዎ፡ 'ሓሚሙዶ ተዓጊቱ'?

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተወዲቡ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ኣኼባ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዘራርብ ቀንዩ።
ካብ ተምቤን ዝጀመረ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድ ዝቐነየ ኣቶ ጌታቸው፡ ካብኡ ዝቐፀለ 02 ጳጉሜን 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዞባ ማእከል ከተማ ኣኽሱም ህዝባዊ ዋዕላ ንምክያድ ተተሊሙ ነይሩ።
ይዅን’ምበር እቲ መድረኽ እንከይተሳለጠ ተሪፉ፤ ዝተፈላለዩ 'እንተታት' ክዝርግሑ ድማ ቀንዮም።
ቤት-ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ንህዝቢ እታ ከተማን ከበቢኣን ይቕረታ ብምሕታት፡ “ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናይ ጥዕና ፀገም ስለዘጋጠሞ፡ እቲ ህዝባዊ ምይይጥ ንካልእ እዋን ክናዋሕ ከምዝተገብረ” ዝብል መልእኽቲ ብናይ ፌስቡክ ገጹ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ናቱ ገጽ ፌስ ቡክ፡ “ርሕቕ ዝበለ መገዲ ብመኪና ክጓዓዝ ዘየኽእለኒ ተደጋጋሚ ጕዕዞን ድኻምን ዝፈጠሮ ግዝያዊ ሽግር'ምበር፡ ክንድዚ ብዙሕ ዘሻቕል ኵነታት ከምዘይኰንኩ ንምግላፅ እደሊ። ምስኣቦይዝጊ ምስ ማርያም ፅዮን ደሓን'ለና” ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ።
እቲ በዚ ገጽ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ሓበሬታ፡ “ቀፀልቲ መድረኻት ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ከም ዝቕፅል” ይገልጽ።
ኣብ ምስራዝ እቲ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ፡ ዝያዳ ድማ ኣብ ኵነታት ጥዕና እቲ ፕረዚደንት ዝተፈላለዩ ርእቶታት ክወሃቡ ቀንዮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ “እቲ ፕረዚደንት ተመሪዙ [ተሰሚሙ] እዩ” ፣ ኣይፋል “ኣይተ ጌታቸው ናይ ኣኽሱም መድረኽ ንከየሳልጥ ሓይልታት ጸጥታ እዮም ዓጊቶሞ” ከምኡ’ውን “እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተዘርገሐ ላህጃ ብሓቂ ናይ ጌታቸው ኣይመስልን” ዝብሉ ርእቶታት ክንጸባረቑ ተሰሚዖም።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩን ነንርእሶም ዝጋራጨውን ወረታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብደገፍትን ነቐፍቱን ክዝረቡ ዝተስተብሃሉ ኰይኖም፡ ዝበዝሑ ሓቅነት ዘይብሎምን ምንጭታቶም ዘይፍለጥን ከምዝዀኑ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ “ጸገም ጥዕና ድዩ ኣጋጢምዎስ ወይስ ብኣካላት ጸጥታ ተዓጊቱ”?
ጥዕና ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከመይ ኣሎ?
ቢቢሲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ንምርግጋጽ፡ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዚደንት ኣማኻሪ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ኣይተ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል ሓቲቱ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ዝሓመመ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
“ሓቂ’ዩ ሓሚሙ’ዩ ነይሩ። ብጣዕሚ [ስራሕ በዚሕዎ] ብምንባሩን ኣብ ተኸታታሊ መድረኻት ስለ ዝነበረን፡ ምስ ድኻም ብዝተሓሓዝ’ዩ ተፀሊእዎ ነይሩ… ብጎናዊ ካልእ ምኽንያት ዝተፈጠረ ሕማም ኣይኮነን። ሓኻይም ሓጊዘሞ ሕዚ ኣብ ፅቡቕ’ዩ ዝርከብ፡ ናብ ስራሕ ተመሊሱ ኣሎ” ኢሉ።
ንሱ እቲ ‘Getachew K Reda’ ኣብ ዝብል ሕሳብ ፌስቡክ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምዃኑ’ውን ኣረጋጊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ‘ተዓጊቱ’ ኸ ነይሩ ድዩ?
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፡ “ብኣካላት ጸጥታ ስለ ዝተዓገተ’ዩ” ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝመደቦ ህዝባዊ መድረኽ ክስርዞ ተገዲዱ ዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዘራርብ ካብ ዝቐነዩ ወረታት ሓደ እዩ።
ኣቶ ወልደስላሴ፡ “ኣካላት ጸጥታ ካብቲ ፖለቲካ ምሉእ ብምሉእ ነፃ’ዮም። ኣኼባ ይካየድ ኣይካየድ ክብሉ ኣይክእሉን፡ ከምኡ ዓይነት ድሌት’ውን የብሎምን” ብምባል፡ ኣኼባ ክካየድ እንከሎ ኣቐዲሙ ተነጊርዎም ፀጥታ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከካይዶ ንዝተመደበ ኣኼባ፡ ካብ ኣካላት ጸጥታ ዝቐረበ ተቓውሞ ከም ዘየለ ብምሕባር፡ “ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ኣቶ ጌታቸው ኣኼባ ከየካይድ 'ከልኪለሞ'፡ 'ዓጊተሞ' ዝብል ወረ ፍጹም ሓሶት’ዩ” ኢሉ።
ህወሓት፡ ብሰንኪ ኣብ ዛዕባታት ምክያድ ውድባዊ ጉባኤን ካልኦትን ብዝተልዓለ ዘይምርድዳእ፡ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓትን ብምክትል ኣቦወንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓትን፡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ይርከብ።
እቲ ኵነታት ናበይ ኮን የምርሕ ብዝብል ህዝባዊ ሻቕሎት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ውግንናኦም ንመን እዩ ዝብል ተኣፋፊ ሕቶታት ክለዓል ቀንዩ እዩ።
ኣብ ከምዚ ጽባሕ እዩ፡ ኣቶ ጌታቸው ምስ ምክትሉ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ካልኦት ሓለፍቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ብምዃን ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ክንቀሳቐሱ ዝቐነዩ።
ኣብ ከም ከተማታት ተምቤን፡ ከባቢታት ዓጋመን ራያን [ማይጨውን] ገለ ህዝባዊ መድረኻት ዝተኻየዱ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ገለ መረረታት ክስምዑን፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ድጋፍ ዝመስልን ድምጺታት ክስምዑ ቀንዮም።
እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝተፈጠረ ፍልልይ፡ ገለ እዋናት ኣብ መንጐ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝተፈጥረ ነቓዕ ተገይሩ’ውን ዝውሰድ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ግን ከምዝተሰናኸለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ነሓሰ፡ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ፈደራልን ቦርድ መረጻን፡ “መበል 14 ጉባኤ” ዘሳለጠ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦ ወንበር እቲ ውድብን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ህወሓት ካብቲ ጉባኤ ንባዕሎም ምግላሎም ዝዝከር እዩ።
ክልቲኦም ጕጅለታት ነንርእሶም ካብ ምክሳስ ሓሊፎም፡ ሓደ ነቲ ካልእ ድጋፍ ክኸልእ ይርአ'ሎ።
ሕቶታት ፀጥታ
ህወሓት ኣብ ክልተ ምግምዑ ስዒቡ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይን ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምእንቲ ደሕነት ህዝቢ ኣብ ትግራይ ንዘይተወሰነ ግዜ ናይ ድጋፍ ይዅን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያድ ከም ዘይከኣል ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሓይልታት ፀጥታ እቲ ክልል ኣብ ዝዀነ ፖለቲካዊ ፍልልያት እቲ ውድብ ኢዶም ከምዘይሓውሱ ድማ ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣማኻሪ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ርክባት ጉዳያት ወጻእን ኣቶ ወልደስላሴ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ ዘውጽእዎ መምርሒ ኣብ ቦታኡ ብምህላዉ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘካይዶም ዋዕላታት እውን “ሰላማዊ ሰልፊ ዝመስል ነገር ክህሉ የብሉን ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎም” ገሊጹ።
“ንፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዝግበር ኣቀባብላ ብርትዕ ዝበለ ህዝቢ ይወጽእ ስለ ዘሎን እተን ዝወጽኣ መኻይን’ውን ይስለፋ ስለ ዘለዋን፡ ጸገም ጸጥታ ከይፈጥር ዝብል ስክፍታ ኣለዎም። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሰላማዊ ሰልፊ ክህሉ ኣይደልን፤ እዚ ናይ ቤት-ጽሕፈት ፕረዝደንት’ውን ሓሳብ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብዚ ቅነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዘካየዶ መድረኽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ዓድግራት፡ ማይጨውን መኾኒን ብዙሕ ዝተሳተፈሉ ውዕዉዕ ኣቀባብላታት ተራእዩ እዩ።
ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ 'ሰልፊ ክካየድ የብሉን' ዝብል መመርሒ ሓይልታት ጸጥታ፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሉ ኣካል ከም ዝምልከት፡ ጉባኤ ዘካየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ክንፊ ድማ፡ ኣብቲ ሓያል ድጋፍ ከምዝለዎ ዝንገረሉ፡ ኣብ ከባቢታት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንምክያድ ዝመደቦ ሰልፊ ከም ዝተኸልከለ ሓቢሩ።
እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ኣብ ምትግባር እቲ ኲናት ትግራይ ንምግታእ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ሓቢሩ ንምስራሕ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ውድብ፡ ከም ‘ከሓዲ’ ገይሩ የቕርቦ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣቶ ጌቻው ረዳ ብወገኑ፡ እቲ ፍልልይ ብቐንዱ ኣብ ኣጠማምታ ውዕል ፕሪቶርያን፡ ኣብ ኣፈታትሓ ግጭትን ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ምስ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይን ተመዛበልትን ሓዊሱ፡ ዛጊድ መዕለቢ ዘይረኸቡ ኣካታዕቲ ጉዳያት፡ ብሰለማዊ መገዲ፡ ብዝርርብን ብትዕግስትን ጥራይ ክፍትሑ ዝብል እምነት ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







