ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ቅልውላው ህወሓት 'ናብ ዝኸፍአ ደረጃ' በጺሑ'ሎ

ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ዘሎ ምሻምን ምስንባትን ሰበስልጣን ደው ከብል ሓቲቱ።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልተ ክፋላት ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ ክናደየሉ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።
"ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዘለዉ'ውን፡ እቲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ተጠቒሞም ንገሊኡ ብምውራድ፡ ሓድሽ ምደባታት ምግባር ይረአ ኣሎ"
"እቲ ምውራድ ይኹን ምድያብ ይኹን፡ ነቲ ምምሕዳር ንምቕያር ዘሎ ድሌት ብምልኡ ደው ክብል'ዩ እቲ ንሓቶ ዘለና" ኢሉ።
ጀነራል ታደሰ ንባዕሉ፡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ የገልግል ምህላዉ ይፍለጥ።
"ከም ሓደ ናይ ጸጥታ ሓይሊ መጠን፡ እቲ ከምዚ ዓይነት ነገር፡ ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ሙቐት ናብ ሰማይ [የዕርጎ] ኣሎ።
"እናኸደ እናኸደ ይትኮስ'ዩ ዘሎ፡ ገንፊሉ ዝፈስስ ዘሎ ዓይነት ቅልውላው ናይቲ ፖለቲካ'ዩ ዘሎ" ክብል እቲ ጀነራል ኣጠንቂቑ።
ብወገን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዘሎ ወገን ዘሎ 50 +1 ብጽሒት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ህወሓት'ዩ ብምባል ስልጣን ንምሓዝ ዘሎ ሃቐና'ውን ኣካል ናይቲ ወጥሪ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብኽልቲኡ ወገናት ዝውሰዱ ዘለዉ "መንግስቲ ምዕራይ ዘሎ ድሌት ይኹን፡ በቲ ካልእ ገጽ ዝውሰዱ ዘለዉ ምምሕዳራዊ ስጉምትታት ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብሉ" ጀነራል ታደሰ ጸዊዑ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ክልል ኣቐዲሙ ዝወጸ ትእዛዝ እገዳ ናይ ተቓውሞ ይኹን ደገፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ'ውን እቲ ሓላፊ ጸጥታ ደጊሙ ኣፍሊጡ'ሎ።
እንተኾነ ግን ኣብዚ ኣረባ እዋን ክግበሩ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ "ምንቅስቓሳት" ነቲ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ እቲ ብዓልስልጣን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, TPLF/FB
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ጌታቸውን ደብረጽዮንን ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ዝመስል ኣኼባታት መቐጸልታ ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝተነፍጎ መበል 14 ጉባኤ ምክያዱ በቲ ኣቦመንበር ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ተቓውሞ ገጢምዎ'ዩ። እቲ ጉባኤ፡ ነቲ ተቓዋሚ ወገን ብምንጻግ፡ ሓድሽ ምክትል ኣቦመንበር ዝርከቦም ሓደስቲ መራሕቲ ከምዝመረጸ ይዝከር።
"እቲ ሕዚ ዘሎ ኣፈላላይ ይኹን ፖለቲካዊ ጸወታ ገዛኢ ዝብሃል ሕጊ ዘለዎ ኣይኮነን. . .ናይ ጸወታ ሕጊ ዝብሃል የለን፡ ደረት የብሉን። ዘይጠሓስ ብሃል ነገር የብሉን፡ ኩሉ ነገር'ዩ ዝጠሓስ ዘሎ።
"ቀይሕ መስመር ዘይብሉ ዓይነት ንኹሉ ነገር ሃደሽዶሽ ዘብል'ዩ ዘሎ" ዝበለ ጀነራል ታደሰ፡ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣካል ናይቲ ፖለቲካዊ ምምቕቓል ንምግባር ሃቐና ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ኩነታት ብስም ዘይጠቐሶ "ሳልሳይ ወገን ኢድ ዘእትወሉ" ዕድል ክፈጥር ከምዝኽእል'ውን እቲ ጀነራል ኣጠንቂቑ።
እቲ ወጥሪ ናብ ጎንጺ ከየምርሕ ኣብቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወጻኢ ዘለዉ መሻርኽቲ ኣካላት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
ነቲ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ተግባራውነት እቲ ስምምዕ ንምግምጋም ጽባሕ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ብሓያል ቃላት ዝተሰነየ መግለጺ ጀነራል ታደሰ እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ናብ ሓደገኛ ኩነታት ይኸይድ ከምዘሎ ዝእምት'ዩ።
ኣብቲ "ካብ ሓዊ ናብ ሓዊ" ይሰግር ኣሎ ዝበሎ ኩነታት፡ እቲ ዝሓየለ ትካል እቲ ንሱ ዝመርሖ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምዃኑ ክሳብ ክንደይ ዘይሻራዊ ክኸውን ይኽእል ዝብል ኣከታዒ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ዝዓበየ ስግኣት ግን፡ ኣብቲ ኣብ እዋን ኲናት ክልተ ዓመት ዝኸተተ መንእሰይ ዝኣባሉ ሞያዊ ዘይኮነ ሰራዊት ምክፍፋል ከይፍጠርን ናብ ሓድሕዳዊ ግጭት ከየምርሕን'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







