ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ሓይልታት መንግስቲ' ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባታት ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ልዕሊ 20 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
እቶም መጥቃዕቲታት ብ7ን 9ን ሰነ (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጎጃም ብፍላይ ኣብ ከተማታት ቀራንዮን ጂጋን ከምዝተፈጸሙ ነበርትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ድሕሪ ዘጋጠመ ግጭት ዝተፈጸሙ ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ።
ብሰንበት 9 ሰነ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ጃቢጠናህ ከተማ ጂጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታት ባንክን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከም “ዝተረሸኑ” ወኪል እታ ከተማ ዝዀነ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣበባው ደሳለውን ካልኦት ክልተ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣመልኪቶም።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምስክር ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ እቲ ቅትለት ኣብ መንጎ ፋኖን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዳምበባ በር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ን20 ደቓይቕ ዝጸንሐ ግጭት ተኻይዱ ነይሩ።
ካልእ ምስክር እውን፡ “ካብ ደንበጫ ናብ ጂጋ ዝመጻ ሰለስተ ፓትሮላት ነይረን። ኣባላት ፋኖ ኣብ ከባቢ ጥቁር ውሃ መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ ን20 ደቓይቕ ከምዝጸንሐን ብድሕሪኡ ዕጡቓት ፋኖ ንድሕሪት ከምዝሰሓቡን’ውን ገሊጹ። ዕጡቓት ፋኖ ምስ ኣንሳሓቡ፡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ "ሕነ ንምፍዳይ" ነበርቲ ከምዝቐተሉ እቲ ነባሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ቦታ ብቐረባ ነይረ ዝበለ እቲ ምስክር፡ "ጎህ ኣብ ዝተባህለ ሆቴል፡ መንእሰያት፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ሰራሕተኛታት ባንኪ[ን] መምህራን [ብድምር] 12 ሰባት ኣውጺኦም ብዘስካሕክሕ መንገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀቲሎምዎም" ክብል ንቢቢሲ ቃሉ ሂቡ።
ካልእ ነባሪ ጂጋ እውን ኣብታ ከተማ ትነብር ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 12 ሰባት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ክቕተሉ ከምዝረኣየ ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝብልዎ፡ ካብቲ ንሳቶም ዝመስከርዎ ብተወሳኺ ብድምር 23 ሰባት’ዮም ብኣባላት ሰራዊት ከምዝቐተሉን ካልኦት ክልተ ድማ ከምዝቖሰሉን ገሊጾም።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ኣበባው፡ "ክሳዕ ሕጂ ስሞምን ሞያኦምን ዝበጽሓና 13 ግዳያት ኣለዉ፤ ካልኦት ክልተ ድማ ቆሲሎም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ተወሳኺ ዝሞቱ ሰባት ከምዝህልዉ ኢና ንግምት" ብምባል ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
“ተዋጋእቲ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ክቃተሉ ይኽእሉ እዮም። ኣሚኖም ዝኣተውዎ እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣጽዋር ዘይተዓጠቑ ንጹሃት ሰባት ካብ ገዝኦም ኣውጺካ ምርሻን ግን ግቡእ ኣይኰነን" ኢሉ።
ኣይተ ኣበባው ወሲኹ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ናብ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤምባሲታትን ደብዳበ ከምዝልእኽ’ውን ንቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ብካልእ ሸነኽ: ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፡ ኣብ ወረዳ ሁለት እጁ እነሴ ዓርቢ 7 ሰነ 2016 "ሓይልታት መንግስቲ" ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 7 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ክልተ ከምዝቖሰሉን ነበርትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ወረዳ 16 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቀራንዮ፡ ኣብ ቀጽሪ 'ቤተክርስትያን መድሓኒዓለም' ኣብ ልዕሊ መቓብር ዝኹዕቱ ዝነበሩ ሰባት እዩ ተፈጺሙ።
ኣቐዲሙ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብቲ ከባቢ ተኹሲ ከምዝተለዋወጡን እቲ ግጭት ምስ ሃድአ እቲ መጥቃዕቲ ንግሆ ሰዓት 3፡00 ከምዝተፈጸመን ጠቒሶም።
ሓደ ኣገልጋሊ እታ ቤተክርስትያን ዝዀነ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሓበሮ፡ እቲ ምልውዋጥ ተኹሲ ምስ ተጀመረ ናብታ ቤተክርስትያን ከምዝኣተወን እቶም መቓብር ዝኹዕቱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ግን ኣብኡ እንከለዉ ብሓይልታት "ምክልኻል" ተቐቲሎም።
ካብኣቶም እቶም ሓሙሽተ ብኡ ንብኡ ህይወቶም ክሓልፍ እንከሎ፡ ሓደ ድማ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወሰደ ከምዝሞተን ካልእ መንእሰይ ድማ ካብቲ ቤተክርስትያን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሞይቱ ከምዝተረኽበን ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ክኢላ ሕክምና ሰለስተ ሰባት ቆሲሉም ንሕክምና ናብ ማእከል ጥዕና ቀራንዮ ከምዝኣተዉን ሓደ ኣብ ርእሱ ቆሲሉ ዝነበረ ሕሙም ድሕሪ ቀትሪ ህይወቱ ከምዝሓለፈን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሸቃሎ ምዃኖም ዝገለጹ ነበርቲ፡ ሓላፍነቶም ንምፍጻም ይኹዕቱ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።
ሓይልታት መንግስቲ ግን "ድፋዕ ትኹዕቱ ኣለኹም" ብዝብል ጥርጣረ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸምዎ እቲ ኣገልጋሊ እታ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝደሓኑ ሰባት ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።
ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ብዝለብስዎ ዩኒፎርምን፡ መኪናኦምን ኣባላት ሰራዊት ምዃኖም ከምዘለለዩ ኣመልኪቶም።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቶም ግዳያት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ከምዝተፈጸመን እቶም ሓሙሽተ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ከምዝተቐብሩ’ውን እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።
". . . ተመሊሶም መጺኦም ከጥቅዑና እዮም ዝብል ስግኣት ነይሩ። ‘መጹ፡ ሕዚ መጹ' ዝብል ስግኣት'ውን ነይሩ" ብምባል ኣብ ጉድጓድ ክቐብርዎም ከምዝተገደዱ ኣረዲኦም።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ ስግኣት ከምዝዓሰለን ኣብ ቀራንዮ መዓልቲ ዕዳጋ ዝኾነት ቀዳም ሓዊሱ ዕዳጋን ምንቅስቓስን ከምዘየለን እውን ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







