ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ላሊበላ ተታዂሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ላሊበላ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣርባዕተ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ ዝተኻየደ ውግእ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ወሰን ከተማ ላሊበላ ንዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ንሰዓታት ከምዝተቖጻጸርዎ ገሊጾም።
እቶም ንድሕነቶም ስሞም ዘይንጠቕሶም ነበርቲ ናይ ከበድቲ ኣጽዋር ድምጺ ንሰዓታት ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም።
"ብቕድሚ ትማሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ድምጺ ከቢድ ኣጽዋር ንሰምዕ ነይርና። ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ክሳብ ምሸት እቲ ድምጺ ይስማዕ ነይሩ። ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ካብ ዘለዉ ጎቦታት’ዩ ዝስማዕ" ክብል ሓደ ካብቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብከበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ምንባሩ ክገልጽ ከሎ ድማ "ሰሚዕናዮም ዘይንፈልጥ ድምጺ ዓይነት ኣጽዋር ኢና ሰሚዕና። እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብቲ ዘለኽዎ ርሕቕ ስለዝብል ብዙሕ ኣይፈለጥኩን ግን ከኣ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ሰሚዕና" ኢሉ።
ካልእ ነባሪ ከኣ እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዕጡቓት ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ካብ ላሊበላ 9 ኪሎሜትር ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
"ዕጡቓት ፋኖ ንኣርባዕተ ሰዓታት ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺሮሞ ነይሮም። ኣብ ሰዓታት ምሸት ድማ ሰራዊት ምክልኻል መሊሱ ተቖጻጺርዎ። እቲ ዝኸበደ ውግእ ኣብኡ እዩ ነይሩ" ክብል ኣረዲኡ።
ንሱ ወሲኹ "ብሓፈሻ ግን ኣብ ዙርያ ከተማ ላሊበላ ከበድቲ ኣጽዋር ተጻዊዶም ናብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ይትኮስ ነይሩ። ኣብታ ከተማ ከቢድ ምንዋጽ ነይሩ። ዕጡቓት ፋኖ ናብታ ከተማ ኣይኣተዉን። ብሓደ ኣንፈት መጺኦም ነይሮም ደሓር ግን ናብ ድሕሪት ተመሊሶም" ኢሉ።
ክብደት ናይቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ውግእ ከረድእ እንከሎ ኸኣ "ከቢድ ብምንባሩ ገዛውትና ይናወጽ ነይሩ። ቬትሮታቶም ዘተሰባበሩ ገዛውቲ'ውን ኣለዉ" ክብል ገሊጹ።
ከተማ ላሊበላ ነቲ ብሰሉስ ተኻይዱ ዝተባሃለ ጎንጺ ስዒቡ ክሳብ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ከቢድ ስግኣት ተዋሒጣ ከምዝነበረት ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፤ ብሰሉስ ግን ዝተረጋግእ ኩነታት ጸጥታ ብምህላዉ ነበርቲ ክንቀሳቐሱ ምጅማሮም ተዛሪቦም።
መዕርፎ ነፈርቲ ላሊበላ’ውን ትማሊ ስርሑ ከምዝጀመረን ገያሾ ከምዝመጽኡን ንቢቢሲ ገሊጾም።
ዕጡቓት ፋኖ ንመዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ከምዝተቆጻጸርዎ ዘርኢ ቪድዮታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስፍሓት ተዘርጊሑ ኣሎ። መንግስቲ እቲ ክልል ይኹን መንግስቲ ፌደራል ከምኡ’ውን ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ክስተት ክሳብ ሕጂ ዝበልዎ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







