ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን ድንጋገ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ኢሰመኮ ሓቲቱ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ዘይርግጋእ ብዝተኣሳሰር ዝተኣሰሩ ክፍትሑን እቲ ነበሩ ዘሎ ናይ ምንቅስቃስ ገደባት ክልዓለን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቃስ ዕጡቓት ፋኖ እናሓየለ ምስ መጽአ፡ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሞም ከምዝኾነን መንግስቲ ፌደራል ኢዱ ከእቱን ምስ ሓተቱ፡ ኣብታ ክልል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝተኣወጀ ይዝከር።

ገደብ ግዜ እቲ ኣዋጅ ኣብ ዘብቕዓሉ’ዩ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ምሕጽንታ ዘቕርብ ዘሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክፍትሑ” ንመንግስቲ ብምጽዋዕ፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ተነቢሮም ዝነበሩ ናይ ምንቅስቓስ ገደባት ክልዓሉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮምሽን ኣብ መግለጺኡ ኣብታ ክልል ማሕራዊ ኣገልግሎታት ክጅምሩ ከምዘለዎም’ውን ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ሰባት ትማሊ ረቡዕ 5 ግንቦት 2024 ኣብ ልዕሊ 100 ካብኦም ከሲ ከምዝተመስቶም ተሓቢሩ።

ዕጡቃት ፋኖ ብዘካድዎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንርእሰ ከተማ እታ ክልል ዝኾነት ባህር ዳር ትርከበን ንሓያለ ከተማታት ስግኣት ኣብ ዘንጸላለወሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብ28 ሓምለ 2015 ዓመተ ምህረት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ምድንጋጉ ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ፌደራል ናብ ክልል ኣምሓራ ሰራዊት ብምውፋር ነቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ክገብሮ እንከሎ፡ እቲ ስርሒት ገና ኣይተዛዘመን ብምባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እቲ ኣዋጅ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ምእዋጁ ይዝከር።

ነዚ ተኸቲሉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ነቲ ኣዋጅ ጥሒሶም ተባሂሎም ክስሰሩ ክኢሎም’ዮም።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ዝተኣሰሩ ብዙሓት ወግዓዊ ክሲ ከይተመስረተሎም ንኣዋርሕ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ካብቶም ዝተኣሰሩ ዝተፈትሑ ከምዘለዉ’ውን እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኸሰተ ምትፍናን ብወግዒ ናብ ጎንፂ ካብ ዝሰጋገር ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ዝኾነ መዕለቢ ኣይረኸበን ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ ዝተፈላለለየ ክፋላት እታ ክልል ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ፌደራልን ኵናት ከምዝተኻየደ ካብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ብሰንኪ ኣብታ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ናይ ሞትን መቁሰልትን ሓደጋታት ከምዘጋጠመ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ እቲ ኮምሽን ንኹሉ እቲ ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ይስንዶ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ዝተደንገገ ኣዋጅ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይበጽሕ ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለ ኣዋናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻባት ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መጀመርታ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኣወጀ ድሒሩ ከኣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተናወሐ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ገደብ ግዜኡ ትማሊ ረቡዕ’ዩ ኣብቂዑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምብቃዕ ግዜ እቲ ኣዋጅ ይኹን ናይ ምንውሑ ተኽእሎ ይሃሉ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።