ንሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ ሰለስተ መጥቃዕቲ ቦምባ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, WOLDIA COM.
* ኣብ ክልል ኣማራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልድያ ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ ንሰበስልጣን መንግስትን ትካላትን ዒላማ ዝገበረ ሰለስተ መጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተፈፀመ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እቲ ዞባን መንበሪ ሓለፍቲ መንግስትን ከምዝተፈፀሙ ኣርባዕተ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።
እቶም ነበርቲ ከምዝበልዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ከተማ ኣብ ናይ ሰዓታት ኣፈላላይ ብዝተፈጸሙ ሰለስተ መጥቃዕትታት ህይወት ሰብ ጠፊኡ’ሎ።
ፈላማይ መጥቃዕቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልጽግ ዞባ ሰሜን ወሎ ተኻርዩ ኣብ ዝነብረሉ ሙጋድ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተፈፀመ ዝጠቐሱ እቶም ነበርቲ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ ንበረት ዝበጽሐ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝሰዓበ ጉድኣት የለን።
በቲ ኣብ ሰንበት 25 ግንቦት 2016 [ግ] ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ መጥቃዕቲ፡ እቲ ሹመኛ ብልጽግና ኰነ ኣባላት ስድርኡ ጉድኣት ኣይበጽሖምን ይብሉ እቶም ነበርቲ።
ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ግን እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት በጺሕዎ ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምንቅስቓስ ነበርቲ ተኣጊዱ ከምዝጸንሐ ተዛሪቡ።
“ባጃጃት ናብ ጉባ ላፍቶ [ስም ከባቢ] ክኸዳ ኣይክእላን ነይረን። እቲ ከባቢ ንመዓልታት ተዓጽዩ ጸኒሑ። ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተኸፊቱ" ክብል ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝነበረ ኩነታት ኣብሪሁ።
ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ስልጣን ዝተፈጸመ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ንኻልኣይ ግዜ ምዃኑ ዝገለጸ ነባሪ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጎማጣ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ቀንዲ መንበሪ እቲ ሓላፊ ካልእ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
ብተመሳሳሊ ሰኑይ 26 ግንቦት 2016 ኣብ ወጋሕታ ከባቢ 11፡00 [05፡00] መንነቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዛ ምክትል ሓላፊ ዋና ኣገልግሎት ከተማ ወልዲያ መጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝፈጸሙ እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።
በቲ መጥቃዕቲ ንብረት ከምዝተሃስየ ዝገለጸ ሓደ ነባሪ "ክልተ ሰባት ቀሊል መቍሰልቲ ኣጋጢምዎም" ኢሉ።
እቶም ዝተጎድኡ ሰባት ከኣ እቲ ሓላፊ ወይ ኣባላት ስድርኡ ዘይኰኑስ ጎረባብቲ ከምዝዀኑ ኣነጺሩ።
እቲ ፍጻመ ኣብታ ከተማ ከምዘጋጠመ ዘረጋገጸ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እቶም ክልተ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ 26 ግንቦት 2016 [ግ] ከኣ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡00 [8፡00] ‘መብራት ሃይል’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ መጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተፈጸሞ ነበርቲ ይገልጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰለ ሰብ ከምዘየለ ዝተዛረበ ሓደ ነባሪ ወልዲያ ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ጉድኣት ከምዝረኣዩ ሓቢሩ።
". . . ኣነ’ኳ ዝቖጸርክወን ብቦምባ ዝተበሳስዓ ሸውዓተ መካይን ኣለዋ። ብዘይካ እተን መካይን ኣብ ሰብ ይኹን ኣብቲ ህንጻ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን" ኢሉ።
ካልእ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝተዛረበ ነባሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሓ ሰለስተ ናይቲ ዞባዊ ምምሕዳር መካይን "ብሓዊ ተበሊዐን" ክብል ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ፍንጀራ ከምዝሰምዐ ብምግላጽ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ሰልፊ ብልጽግናን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣኼባ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲታትን ዝሰዓበ ጉድኣትን ካብ ከንቲባ እታ ከተማ ከምኡ’ውን ካብ ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።
ቢቢሲ፡ ‘ነቶም መጥቃዕትታት ቦምባ መን ፈጺምዎም?’ ዝብል ሕቶ ዘቕረበሎም ነበር፡ "እከለ እዩ" ንምባል ከምዝጽገሙ ተዛሪቦም።
እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ፋኖ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ነበርቲ ግምት ሂቦም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ኣብታ ከተማ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝኾነ ጎንጺ ከምዘይነበረ ዝገለጹ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፤ ይኹን እምበር ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ጸጸኒሑ ዝስማዕ ድምጺ ምልውዋጥ ተዅሲ ከምዝነበረ ጠቒሶም።
ኣብ ከተማ ወልድያ መጥቃዕቲ ቦምባ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥም ብምሕባር ከኣ እቲ መጥቃዕቲ ንሰበስልጣን መንግስትን ሓላፍቲ ጸጥታን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ነቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ስዒቡ ኣብታ ከተማ ከበድቲ ዕጥቂ ዝዓጠቓ መካይን ኮለላ ይገብራ ከምዘለዋ ዝገለጹ ነበርቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከምዝፈጸሙ እውን ገሊጾም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሓዊሱ ንቡር ምንቅስቓስ ቀጺሉ’ሎ ተባሂሉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝተወለዐ ግጭት ዳርጋ ሓደ ዓመት ክመልኦ ቀሪቡ’ሎ። ሰበስልጣን መንግስትን ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ከኣ ብተደጋጋሚ በቶም ዕጡቓት ዒላማ ክዃኖ ጸኒሖም።
_____________
* ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ወልድያ ንድሕነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ክጥቀስ ኣይፈቐዱን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







