ብኽራይ ኣድጊ ንግዲ ጀሚሩ ቢልዮነር ዝዀነ ኢትዮጵያዊ

ቶኩማ ፊጤ እብሃል። ኣብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ባኮ ትቤ ቦኢኖ ኣብ እትበሃል ቍሸት’የ ተወሊደን ዓብየን።
ኣብ ፈለማ ቍልዕነተይ ናይ ስድራይ ከብቲ ይሕሉ ነይረ፡ ዕድመይ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኸኣ ትምህርቲ ጀሚረ።
ካብ መጀመርታ ግን ነጋዳይ ናይ ምዃን ሕልሚ’ዩ ኣብ ኣእምሮይ ነይሩ። 7-8 ክፍሊ ኣብ ዝነበርክሉ ኸኣ ገለ ንግዳዊ ስርሓት ጀሚረ። ኣብቲ እዋን ኣድጊ ተኻርየ፡ ካብ ገጠር እኽሊ ሸሚተ ናብ ከተማ እናምጻእኩ ክሸይጥ ጀሚረ።
ካብ ከተማ ኸኣ ላምባ፡ ዘይቲ፡ ጨውን ቡንን ዝኣመሰሉ ነገራት ብምግዛእ ኣብ ገጠራት ይሸጦ።
ኣብ ውሽጠይ ሓደ መዓልቲ ናብ ዝልዓለ ጽፍሒ ክዓቢ ከምዝኽእል ይርኣየኒ ነይሩ።
ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ምስ ኰንኩ፡ ናብ ናይ ወረዳና ከተማ ስለዝተቐየርኩ ነቲ ንግዲ ኣጸቢቐ ክሰርሓሉ ጀሚረ።
ንወጻኢታተይሸፊነ፡ ንስድራይ’ውን ክሕግዝ ዝጀመርኩሉ’ውን ሽዕኡ’ዩ ነይሩ።
ፍቓድ ዘለዎ ንግዲ
ቅድሚ’ዚ ካብ ሓደ ዕዳጋ ናብ ካልእ ዕዳጋ ብምኻድ የኽስበኒ’ዩ ዝበልክዎ ዝዀነ ነገር እየ ዝሽቅጥ ነይረ።
ዳሕራይ ግን ሓደ ሓሳብ ኣብ ርእሰይ ክመላለስ ጀሚሩ።
እዚኸኣ ፍቓድ ንግዲ ኣውጺአ ክሰርሕ ዝብል እዩ። ነዚ ንምግባረ ከኣ ናብ ኣምቦ ከይደ ዝኣረጉ መጻሕፍቲ ንምግዛእ ዘኽእለኒ ፍቓድ ንግዲ ኣውጺአ።
ናብ ኣብያተ ትምህርቲ እናኸድኹ፡ ዝኣረጉ መጻሕፍቲ ክገዝእ ጀሚረ።
ነዚ ፍቓድ ከውጽእ እንከለኹ ኣብ ባንከይ 72 ብር ጥራይ’ዩ ነይሩኒ።
ንመጀመርታግዜ ኸኣ ካብ ወረዳ ኖኖ ቁንባ ዝኣረጉ መጻሕፍቲ ገዚአ።
ነቲ መጻሕቲ መጓዓዓዚ ዝኸውን ሰልዲ ስለዘይነበረኒ፡ ነቶም ኮሚቴ ጨረታ ሸይጠ ክኸፍለኩም’የ ኢለዮም፣ ንሶም’ውን ኣሚኖም ሂቦሙኒ።
ቃለይ ኣየዕበርኩን፡ ሸይጠ ሰልዶም ከፊለዮም።
ብድሕሪኡ፡ ዝኣረጉ መጻሕፍቲ ንምእካብ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘይበጻሕክዎ ቦታ የለን።
እቲ ዝኣረገ መጻሕፍትን ወረቓቕትን ንፋብሪካ ወረቐት እየ ዝሸጦ ነይረ።
ዝወደቝ ሓጺነ መጺን ምእካብ፡ ዝኣረገ መጻሕፍቲ ገዚእካ ምሻጥ፡ ጽቡቕ መኽሰብ’ኳ ይረኽበሉ እንተነበርኩ ቀጻልነቱ ውሑስ ስለዘይኰነ ግን ካልእ ኣማራጺ ከናዲ ነይሩኒ።
ብድሕሪ’ዚ ዝጀመርክዎ ስራሕ ዝተደርበየ ሓጺነ መጺን ምእካብ’ዩ።
ናብ ገጠራት ብምኻድ፡ ዝኣረገ በርሚል፡ ዝተሰበረ ፋስን ገረወኛን ክእክብ ጀሚረ።
ነዚ ኣኪበ ኸአ ናብ ፋብሪካ ሓጺነ ኣቢሲንያ ይሸጦ ነይረ።
እዚ ስራሕ’ዚ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ስርሓት ዝሓሸ መኽሰብ’ዩ ነይርዎ። ይዅን’ምበር ንዕኡ እናሰራሕኩ ካልእከ እንታይ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይወዓልኩን።
ስርሓት ኤጀንሲ
ሳልሳይ ዘውጻእክዎ ፍቓድ ስራሕ፡ ስርሓት ኣጄንሲ’ዩ ነይሩ።
ነዚ ክሓስብ እንከለኹ፡ ንኻልኦት ሰባት’ውን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ስራሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን።
ስለዚ ጽቡቕ ገይረ ንኸጽንዖ ክሳብ 3 ዓመታት እዩ ወሲዱለይ።
ቅድሚ ሕጂ ኣነ ዝፈልጦም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት ስለዘይነበሩ ዝውከሶ ሰብ ኣይነበረንን።
ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰሊጡኒ፡ ፍቓድ ስራሕ ረኺበ።
ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጻሕኩ’የ ብኽልተ ነገር ክዕወት ከምዝክእል ክርዳእ ክኢለ።
እቲ ሓደ ንንግዳዊ ስርሓትይ ምዕባይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ንኻልኦት ዕድል ስራሕ ምፍጣር’ዩ።
እዚ ስርሓት ኤጀንሲ፡ ንትካላት ሰራሕተኛታት ምምጻእን ምቍጻርን’ዩ። ዋርድያ፡ ሰራሕተኛታት ጽሬት ንትካላት ነቕርብ።
ንሕና’ውን ከም ትካል ንሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ከነሰልጥን ጀሚርና።
ነቶም ስራሕ ዝደልዩ፡ ኣብ እንዳ ኣውቶቡስ ኬድና ንቕበሎም፣ ናይ ሓባር ገዛ ንህቦም ኣሰልጢንና ኸኣ ሰራሕ ንረኽበሎም ነይርና።
እዚስራሕ ዝተሓላለኸን ከቢድን’ዩ ነይሩ።
ብፍላይ እቶም ካብ ገጠር ዝመጽኡ፡ ቋንቋ ስለዘይክእሉን ንከተማ ሓደስቲ ስለዝዀኑን ይሽገሩ ነይሮም።
እዚ ዅሉ እናዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 12 ዓመታት ንልዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝረኽቡ ክንገብር ክኢልና ኢና።
ካብዚኦም እቶም 8500 ኣብ ናተይ ትካል ተቘጺሮም ካባይ ደሞዝ ዝኽፈሉ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ እናተመሃሩ ኣብ ናይ ውልቅን ናይ መንግስትን ስራሕ ዝሰርሑ’ዮም። ገለ’ውን ንዝልዓለ ትምህርቲ ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ኣለዉ።

ዓበይቲ ጨረታታት
ኣብዚ እዋን 29 ፍቓድ ንግዲ ኣሎኒ። ካብኦም እቶም 18 ካብ ደገ ንብረት ከነእቱ ዘኽእሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ 11 ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተፈላለየ ስርሓት ክንሰርሕ ዘኽእሉ’ዮም።
ብደረጃ ክልል ይዅን ፌደራል፡ ከም ቴለ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ማይን ፈሳስን ዝኣመሰሉ ትካላት ዘውጽእዎም ጨረታታት ብዙሕ ገንዘብ ዝሓቱ’ዮም።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ጨራታ ክንሳተፍ እንከለና ኸአ ምስ ብዙሓት ሰብ ሃብትን ፍሉጣት ሰባትን ክንላለ መድረኽ ዝኸፍት’ዩ።
እቶም ጨረታታት ብሰንኪ ምኽባሮም ብዙሕ ሰብ ስለዘይሳተፎም ናይ ምዕዋት ዕድልካ ክብ ይብል’ዩ።
እዚ፡ ዋላ’ኳ ከቢድ እንተዀነ፡ ኣነ ብባህረይ ከበድቲ ነገራት ምፍታን ባህ ስለዝብለኒ፡ ዋላ ሸውዓተ ግዜ ይውደቕ ኣብ ሻሙናይ ከምዝዕወት ኣሚነ’የ ዝሰርሕ።
ብዙሓት ኣብ ከምኡ ዓይነት ዓበይቲ ጨረታታት ክንዕወት ከምዘይንኽእል ይነግሩና ነይሮም’ዮም፣ ንሕና ኸኣ ጽን ኢልና ከምእንሰምዕ ኣርኢናዮም።
ከምዚ ዓይነተ ጨረታ ብቢልዮናት ዝግመት ብር’ዩ ዝሓትት። ፈቲንና ኸኣ ተዓዊትና ኢና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ 50 ዝዀኑ ጨረታታት ክንዕወት ክኢልና ኢና።
ቢልዮነር ንምዃን
ሕጂ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ኣሎና። ቲኤፍጂ ጀነራል ትሬዲን ከምኡ ኸኣ ቶኩማ ጀነራል ትሬዲን ይበሃሉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ህንጻዊ ስርሓት ነካይድ ኣለና።
እዚ ዅሉ ክንገብር እንከለና ግን መንግስቲ ሓንቲ ትርብዒት ሜተሮ’ውን ትዅን መሬት ኣይሃበናን። ኵሉ ብገንዘብና ገዚእና ኢና ንሰርሖ።
ሕጂ ዘለኒ ቀዋሚ ይዅን ኣብ ባንክ ዘሎ ሃብቲ ተደሚሩ ብውሕዱ 5 ቢልዮንን 500 ሚልዮንን ብር ይኸውን’ዩ።
ኣብ ትካለይ ብቐዋምነት 8500 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ኣለዉኒ፤ ፍሉይ ዝገብረኒ ኸኣ ካብ ባንክ ፈጺመ ተለቒሐ ኣይፈልጥን’የ።
ዋላ ሳንቲም’ውን ትዅን ናይ ባንኪ ዕዳ የብለየን፣ ኵሉ ብናተይ ዓቕሚ’የ ዝገብሮ።
እዚ ዘለኒ ሃብቲ ናይ በይነይ ሃብቲ ኣይኰነን፣ ናይ ሰራሕተኛታተይን ናይ ህዝብን ሃብቲ’ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ዓመታዊ ብሚልዮናት ብር ሰልዲ ንሰባት ሓገዝ ይገብር’የ።
ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወረዳ ባኮ 26 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ብናትና ወጻኢ ኣስሪሕናዮ።
ኣብረዳ ባከ ዝጀመርክዎ ስራሕ ሕጂ ዓብዩ ኣብ ዱባይን ኣሜሪካን በጺሑ ኣሎ።
ቀንዲ ውጥነይ ከኣ ንዘሎኒ ሃብቲ ትሪልዮን ንኸብጽሖ’ዩ።
ኣብ ጽርግያ ዝሓደርኩሉ እዋን ነይሩ
ንመንእሰያት ከመሓላልፎ ዝደሊ ቀንዲ መልእኽቲ ‘ስራሕ ክትንዕቍ የብልኩምን’ ዝብል እዩ።
ስራሕ ካብ ንእሽተይ’ዩ ክጅምር ዘለዎ። ሃብቲ ቀስ ኢሉ’ዩ ዝጅመር። ‘ብሓንሳብ ንምንታይ ዘይሃብተምኩ’ ኢልና ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን።
ብንእሽተይ ጀሚርካ’ዩ ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዝብጻሕ።
ኣነ ንግዲ ኣብ ዝጀመርኩሉ ኣብ ኣምቦ ይዅን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ዘመድ ኣይነበረንን።
ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺአ ሆቴል ክኸፍል ዓቐሚ ስለዘይነበረኒ፡ ኣብ ወሰን ሓደ ጽርግያ ሓዲረ እፈልጥ’የ።
እንተዀነ እዚ ተስፋ ኣየቝረጸንን።
እንሀለኹ ካብ ሓደ ገጠር ተበጊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኣምቦን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዓለም ብምኻድ ኣቝሑ ገዚአ ናብ ዓደይ የእቱ ኣለኹ።
እዚ ብትዕግስትን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽን’የ ክበጽሖ ክኢለ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







