ኤርትራውያን ኣትለታት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም እንታይ ዓይነት ውጽኢት የመዝግቡ ኣለዉ?

ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ 14 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ መበለ 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ 10 ኤርትራውያን ኣትለታት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣትለታት ናዝሬት ወልዱ፡ ራሄል ዳንኤል፡ ዶልሺ ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍለ፣ ህዝቅኤል ተወልደ፣ ፊሊሞን ዓንደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ሃብቶም ሳምኤል፣ የማነ ሃይለስላሰን መርሃዊ መብራህቱን እቶም ንኤርትራ ብምውካል ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኣትለታት’ዮም።

ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዝወዳደሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣትለታት

ምንጪ ስእሊ, LIVINGSTON ABRHAM

እዞም 7 ደቂ ተባዕትዮን 3 ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣትለታት ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብርሃምን በርሀ ኣስገዶምን እናተመርሑ ኣብ 3,000 ሜትር መሰናኻል፡ ኣብ 5,000 ሜትር፡ ኣብ 10,000 ሜትር ከምኡ’ውን ኣብ ማራቶን ክወዳደሩ’ዮም ናብ ኦሪገን ኣምሪሖም።

ኣብ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል ዝወዳደር ኣትለት የማነ ሃይለስላሰ ኣብ መኽፈቲ ጸወታ መጻረዪ ውድድር ብምክያድ ካብታ ናቱ ጉጅለ ራብዓይ ብምውጻእ ናብ መዛዘሚ ሓሊፉ ኣሎ።

ኣትሌት የማነ ኣብ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል 8 ደቒቕ 26 ካልኢትን 17 ንኡስ ካልኢትን ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዚኡ’ዩ።

የማነ ሃይለስላሰ (ብሸነኽ የማን ቀዳማይ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትለት ራሄል ዳንኤል ኣብ ናይ 5,000 ከምኡ ኸኣ ኣብ 10,000 ሜትር፣ ዶልሺ ተስፋይ ኣብ 10,000 ሜትር፣ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ 5,000 ሜትር፣ ሃብቶም ሳምኤል ኸኣ ኣብ 10,000 ሽሕ ሜትር ክወዳደሩ’ዮም መደብት ተታሒዝሎም።

ጎይትኦም ክፍለ፣ ህዝቅኤል ተወልደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ፊልሞን ዓንደን ኸኣ ኣርባዕቲኦም ኣብ ማራቶን ተወዳዲሮም።

ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ኣብ ዘሎ ውድድራት፡ ኤርትራ መዳልያታት እኳ እንተዘይረኸበት፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ናይ ውልቃን ናይ ሃገራት ዝበለጸ ግዜ ከተመዝግብ ክኢላ እያ።

ናዝሬት ወልዱ ንውድድራ ብ2 ሰዓት፡ 20 ደቂቕን 29 ካልኢትን ብምዝዛም’ያ ናይ ውልቃን ናይ ሃገራን ሪኮርድ ከተመሓይሽ ክኢላ ዘላ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዳጉ 2022 ንውድድራ፡ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን ቀዳመይቲ ብምዃን ዛዚማ ዝነበረት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ኣብቲ ውድድር ሰለስተ ክብረ ወሰናት ከተማሓይሽ ክኢላ ነይራ’ያ።

እታ ኣትሌት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት፡ ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ውልቃ ግዜ: ናይ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ሰዓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሰዓት ብምምሕያሽ'ያ ክብረ ወሰን ሒዛ።

ትማሊ ድማ ነቲ ባዕላ ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብረ ወሰን ብኣስታት ሓደ ደቂቕን 24 ካልኢትን ከተመሓይሽ ክኢላ ኣላ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማራቶን፡ ኢትዮጵያዊት ጎተይቶም ገብረስላሱ ናይ ቻምፕዮና ዓለም ግዜ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ክትኣቱ እንከላ፡ ኬንያዊት ጁዲዝ ኮሪር ካልኣይቲ እስራኤላዊት ሳልፔተር ኸኣ ሳልሰይቲ ብምዃን’የን ውድድረን ዛዚመን።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትለት ራሄል ዳንኤል ዘመዝገበቶ ዓወት’ውን ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ ቻምፕዮና እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ክኾነላ ክኢሉ’ዩ።

ኣትሌት ራሄል ዳንኤል ካብ ጸጋም ቀዳመይቲ ዘላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣትለት ራሄል ዳንኤል ነቲ፡ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ፡ ኬንያውያን ሄለን ኦቢሪን ማርጋረት ኪፕከመባይን ዝተዓወታሉ ውድድር ንውርይቲ ሆላንዳዊት ኣትለት ሲሃን ሓሰን ተኸቲላ’ያ ሓሙሸይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ ጎኒ ራሄል ዳንኤል ብምዃን ዝተሰለፈት ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፉ’ውን ንውድድራ ብ31 ደቒቕ፡ 49 ካልኢትን 29 ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም ኣብዚ ወቅቲ ካብ ዘካየደቶ ውድድራት እቲ ዝበለጸ ግዜ ከተመዝግብ ክኢላ’ያ።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ማራቶን፡ ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ታምራት ቶላን ሞሲነት ገረመውን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ክኣትዉ እንከለዉ ቤልጂማዊ በሽር ኣብዲ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኤርትራ ንማሮቶን ክወዳደሩ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ቀሪባ እኳ እንተነበረት እቲ ሓደ ተጠባባቒ ብምንባሩ ሰለስተ ተጻወትቲ እያ ኣሳቲፋ።

ዑቕበ ክብሮም ንውድድሩ ብ 2 ሰዓት፡ 9 ደቒቕን 2 ካልኢትን መበል 16 ኮይኑ ብምውጻእ ኣብቲ ውድድር ካብ ኤርትራውያን ዝሓሸ ግዜ ከመዝግብ እንከሎ፡ ካብ ቀዳማይ ግን ልዕሊ 3 ደቒቕ ደንጉዩ’ዩ ኣትዩ።

ኣብቲ ውድድር ጎይትኦም ክፍለ መበል 22 ህዝቅኤል ተወልደ ኸኣ መበል 44 ብምዃን ዛዚሞም።

ጎይትኦም ክፍለን ህዝቅኤል ተወልደን ዝበለጸ ኣብ ማራቶን ኣመዝጊበሞ ዝነበሩ ግዜ ማዕረ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 25 ካልኢት እዩ ነይሩ።

ኣብ ናይ 10,000 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ’ውን ኤርትራ ዓወት ክሰልጣ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ኡጓንዳዊ ጆሽዋ ቸፕተጉ ኬንያዊ ዋይታካ ምቡሩ ኡጓንዳዊ ጃኮብ ምቡሩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽእሉ ውድድር ሃብቶም ሳምኤል ብ28 ደቒቕ፡ 1 ካልኢትን 81 ንኡስ ካሊትን መበል 17 ዛዚሙ።

ኤርትራ ብሕጂ ዝተርፋ ጸወታ ኣትሌት የማነ ገብረስላሰ ዝወዳደሮ ናይ 3,000 ሜትር መሰናኽል፡ ራሄል ዳንኤልን መርሃዊ መብራህቱን ዘካይድዎ ናይ 5,000 ሜትር’ዩ።