10 ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ይሳተፉ ኣለዉ

ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዝወዳደሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣትሌታትን ኣሰልጠንቶምን

ምንጪ ስእሊ, LIVINGSTON ABRHAM

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝካየድ መበል 18 ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፤ ሸውዓት ደቂ ተባዕትዮን ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ካብ ሎሚ 15 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 24 ሓምለ ዝካየድ ድሕሪ ውድድራት ኦሎምፒክ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም፡ ኤርትራውያን ኣትሌታት ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብርሃምን በርሀ ኣስገዶምን ተመሪሖም’ዮም ውድድሮም ከካይዱ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዳጉ 2022 ንውድድራ፡ ብ2 ሰዓት፡ 21 ደቒቕን 25 ካልኢትን ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዝዛዘመት ናዝሬት ወልዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ንቻምፕዮን ዓለም ብጽቡቕ ተዳልያ ከምዘላ ገሊጻ።

ናዝሬት ወልዱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ሰለስተ ክብረ ወሰናት ከም ዘመሓየሸት ዝዝከር እዩ።

እታ ኣትሌት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣቐዲማ ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ውልቃ ግዜ: ናይ ኤርትራ ብደቂ ኣንስትዮ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ሰዓት ከምኡ'ውን ቅድሚ ሕጂ ብኬንያዊት ማርጋሬት ኣጋይ ተመዝጊቡ ዝነበረ ሰዓት ብምምሕያሽ'ያ ክብረ ወሰን ሒዛ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ክትዕቕቦ ተኽእሎ እንተሃልዩ ኣብ ዝተሓተተትሉ “ፍልልይ ኣለዎ፡ ኣብቲ ናይ ማራቶን ዳጉ ኣቀላጠፍቲ ስለዝነበራና እቲ ውድድር ንሰዓት ንምምሕያሽ እዩ ነይሩ፡ ኣብዚ ግና ኩሉ ተቐዳዳማይ ንመዳልያ ስለዝወዳደር ተሓላሊኻ ዝኸይድ ውድድር’ዩ፡ ኣነ ኸኣ መዳልያ ንምምጻእ’የ ክጻወት” ኢላ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም፡ 10 ኤርትራውያን ኣትሌታት’ዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ።

ናዝሬት ወልዱ፡ ራሄል ዳንኤል፡ ዶልሺ ተስፋይ፣ ጎይትኦም ክፍለ፣ እዝቕኤል ተወልደ፣ ፊሊሞን ዓንደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ሃብቶም ሳምኤል፣ የማነ ሃይለስላሰን መርሃዊ መብራህቱን እዮም።

ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ዝወዳደር ኣትሌት የማነ ሎሚ ጸወታ ክህልዎ እዩ።

ኣትሌት ራሄል ዳንኤል ኣብ ናይ 5000 ከምኡ ኸኣ ኣብ 10000 ሜትሮ፣ ዶልሺ ተስፋይ ኣብ 10000 ሜትሮ፣ መርሃዊ መብራህቱ ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ፣ ሃብቶም ሳምኤል ኸኣ ኣብ ናይ 10000 ሽሕ ሜትሮ ክወዳደሩ’ዮም።

ጎይትኦም ክፍለ፣ እዝቕኤል ተወልደ፣ ዑቕበ ክብሮም፣ ፊልሞን ዓንደን ኸኣ ኣርባዕቲኦም ኣብ ማራቶን ክወዳደሩ እዮም።

ጎይትኦም ክፍለን እዝቕኤል ተወልደን ዝበለጸ ኣብ ማራቶን ዘመዝገብዎ ግዜ ማዕረ 2 ሰዓት 7 ደቒቕን 25 ካልኢት ሒዞም ኣለዉ።

ኣብ ናይ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ዝወዳደር የማነ ሃይለስላ 8 ደቒቕ 26 ካልኢትን 17 ንኡስ ካልኢትን ዘመዝገቦ ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዜ’ዩ።

ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ መሕተት፡ ኩሎም ምስኣ ዝተጓዓዙ ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ጽቡቕ ቁመና ከምዝርከቡ ብምግላጽ “ነቲ ዓወት ሒዝና ክንምለስ ዝሰደደና ህዝብናን መንግስትናን ዓወት ሒዝና ክንምለሶ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ኢና” ኢላ።

ኢትዮጵያ’ውን ብኣትሌታት ለተሰንበት ግደይ፤ ጉዳፍ ጸጋይ፤ ሙኽታር እድሪስ፤ ጎይትኦም ገ/ስላሴ፤ ሰሎሞን ባረጋ፤ በሪሁ አረጋዊ፤ ታደሰ ወርቁ ዝርከብዎም ብልዕሊ 30 ኣትሌታት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እያ።