ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ’ያ

ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ጴጥሮስ መንግስ፡ ቢንያም ግርማይን ኤፍሬም ገብረህይወትን ኣብ መበል 23 ቻምፕኦና ዓለም፡ ቤልጂም 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ላቫኒር ክትሳተፍ ምዃና ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ውድድር ካብ 18 ክሳብ 28 ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ 10 መድረኻት እዩ ክህልዎ።

ዕለት 18 ነሓሰ ብ4 ኪሎሜትር ዝሽፍን ውድድር ‘ፕሪሉደ’ ዝጅምር ውድድር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ።

ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 25 ሃገራውያን ጋንታታትን ክልተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን።

እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበታት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ።

ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፤ ኣውስትራልያ፤ ቤልጂም፤ ኮሎምብያ፤ ኢጣልያ፤ ካዛኪስታ፤ፈረንሳን፤ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፤ካናዳን ዝርከብኣን 25 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸበለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ እያ ትርከብ።

ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር፡ ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ተጻወትቲ መሪሑ ዝኸይድ ኣሰልጣኒ ከምዘይመረጸ ብምግላጽ፡ ኣሰልጣኒ ምስ ተመዘዘን እቲ ኣሰልጣኒ ተጻወትቲ ምስ መረጸን ዝርዝር ኣስማት ተጻወትቲ ብወግዒ ክሕበር ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኤርትራ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ናይ መድረኽ ዕዉት ክኸውን ዝኸኣለ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ንያት ርእሶም፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃንን ካልኦትን’ውን ኣብ ጽቡቕ ቑመና ዝርከቡ ትሕቲ 23 ዓመቶም ተቐዳደምቲ ኣለውዋ።

ኣብ ዓመተ 2021 ኖርወጃዊ ታብያስ ሃላንድ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኒር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ።

እዚ ውድድር ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ እዩ።

እዚ ተቐዳዳማይ ኣብ 1978 ከምኡ ኸኣ 1979 ተዓዊትሉ።

ነዚ ውድድር ተቐዳደምቲ ደጋጊሞም ክዕወትሉ ዘይክእልሉ ምኽንያት ሓያል ብምዃኑን ዕድሚኦም ናብ ልዕሊ 23 ስለዝሰጋገሩን ምዃኑ’ውን ይግለጽ።

እዚ ውድድር ብጀካ ኣብ 1975፣ 1991 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2020 ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ምስንኻል ካብ 1961 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዘይምቁራጽ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

እዚ ውድድር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሽሙን ሕጋጋቱን ክቐያይር ድሕሪ ምጽናሕ ካብ 2007 ጀሚሩ ግን ትሕቲ 23 ዓመቶም ጥራይ ዝወዳደርሉ ውድድር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ኣብ 2019 ንቱር ዲ ፍራንስ ኣብ 2021 ኸኣ ንጂሮ ዲ ኢታሊ ዝተዓወተሉ ኮሎምብያዊ ኢጋን በርናል ኣብ 2017 ንቱር ዲ ላቫኒር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።