ብናይ ብሕቲ ጀት ስደተኛታት ከምዘሰጋገሩ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ናይ ብሕቲ ጀታት ብዘይተለምደ ምትላል ስደተኛታት ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ንምስግጋር ተጠቒመን እየን (ስእሊ ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ ብሕቲ ጀታት ብዘይተለምደ ምትላል ስደተኛታት ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ንምስግጋር ውዒለን (ስእሊ ፋይል)

ስደተኛታት ከም ዲፕሎማት ኣምሲሎም፡ ብናይ ብሕቲ ጀት፡ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ጣልያን ሓቢሩ።

እቶም ጥርጡራት፡ ናይቶም ስደተኛታት ስኑዕ ዲፕሎማስያዊ ወረቐት ናይ ሃገራት ካሪብያን ሴንት ኪትስን ኔቪስን እዮም ኣቕሪቦም።

እተን ናይ ብሕቲ ጀታት ነቶም ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ጽዒነን ብወግዒ ናብ ካሪብያን ዘምርሓ ዝነበራ ኮይነን፡ ኣብ ሓደ መዕረፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ምስ በጽሓ፡ እቶም ስደተኛታት ሓቀኛ መንነቶም ብምግላጽ ዑቕባ ሓቲቶም።

ፖሊስ፡ እቲ ጉጅለ ንሓደ ሰብ ኣስታት 10 ሽሕ ዩሮ ከም ዘኽፍል ይኣምን።

እቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ኣብ ሮማን ብራስለስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ካልኦት ክልተ ጥርጡራት ግና ጌና ኣብ ይድለዩ ኣለው።

ሓደ ጣልያናዊ፡ ሰለስተ ግብጻውያን ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ቱኒዝያዊትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ፖሊስ ኮስታንቲኖ ስኩዲየሪ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ጥርጡራት፡ ኣባላት ሓደ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምድጋፍ ዝነጥፍ ገበናዊ ትካል እዮም ብዝብል ከምዝተኸሰሱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ መርመራ፡ ፖሊስ ጣልያን ምስ ፖሊሰ ቤልጅየም፡ ጀርመን፡ ኦስትርያን ፈረንሳን፡ ከምኡ’ውን ትካላት ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝተሓባበሩሉ ኣህጉራዊ ስርሒት እዩ።

እቶም መርመርቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቅምትን ታሕሳስን 2020 ኣብ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኦስትርያን ቤልጅየምን ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ምርጋፍ ስደተኛታት ከምዝተገብረ ዝሕብር መረዳእታ ከምዝሰነዱ ይግለጽ።

ፖሊስ ቤልጅየም ከም ኣካል ናይቲ መርመራ፡ 426 ሽሕ ዩሮ ዝዋግአን ክልተ ናይ ብሕቲ ጀት እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ኣሎ።