ብናይ ብሕቲ ጀት ስደተኛታት ከምዘሰጋገሩ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስደተኛታት ከም ዲፕሎማት ኣምሲሎም፡ ብናይ ብሕቲ ጀት፡ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ 5 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ጣልያን ሓቢሩ።
እቶም ጥርጡራት፡ ናይቶም ስደተኛታት ስኑዕ ዲፕሎማስያዊ ወረቐት ናይ ሃገራት ካሪብያን ሴንት ኪትስን ኔቪስን እዮም ኣቕሪቦም።
እተን ናይ ብሕቲ ጀታት ነቶም ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ጽዒነን ብወግዒ ናብ ካሪብያን ዘምርሓ ዝነበራ ኮይነን፡ ኣብ ሓደ መዕረፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ምስ በጽሓ፡ እቶም ስደተኛታት ሓቀኛ መንነቶም ብምግላጽ ዑቕባ ሓቲቶም።
ፖሊስ፡ እቲ ጉጅለ ንሓደ ሰብ ኣስታት 10 ሽሕ ዩሮ ከም ዘኽፍል ይኣምን።
እቶም ሓሙሽተ ጥርጡራት ኣብ ሮማን ብራስለስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ካልኦት ክልተ ጥርጡራት ግና ጌና ኣብ ይድለዩ ኣለው።
ሓደ ጣልያናዊ፡ ሰለስተ ግብጻውያን ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ቱኒዝያዊትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ፖሊስ ኮስታንቲኖ ስኩዲየሪ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቶም ጥርጡራት፡ ኣባላት ሓደ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምድጋፍ ዝነጥፍ ገበናዊ ትካል እዮም ብዝብል ከምዝተኸሰሱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ መርመራ፡ ፖሊስ ጣልያን ምስ ፖሊሰ ቤልጅየም፡ ጀርመን፡ ኦስትርያን ፈረንሳን፡ ከምኡ’ውን ትካላት ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝተሓባበሩሉ ኣህጉራዊ ስርሒት እዩ።
እቶም መርመርቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቅምትን ታሕሳስን 2020 ኣብ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኦስትርያን ቤልጅየምን ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ምርጋፍ ስደተኛታት ከምዝተገብረ ዝሕብር መረዳእታ ከምዝሰነዱ ይግለጽ።
ፖሊስ ቤልጅየም ከም ኣካል ናይቲ መርመራ፡ 426 ሽሕ ዩሮ ዝዋግአን ክልተ ናይ ብሕቲ ጀት እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







