ቀታሊ ዮርዳኖስ ብርሃነ ነቲ ገበን ክፍጽም እንታይ'ዩ ደፊእዎ?

ምንጪ ስእሊ, family
ጓል 19 ዓመት ኤርትራዊት ስደተኛ ዮርዳኖስ ብርሃነ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2021 ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ተቐቲላ ምርካባ ንብዙሓት ዘሰንበደን ዘቖጠዐን ገበን'ዩ ነይሩ።
ዮርዳኖስ ኣብቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ'ያ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብስሕለት ተቐቲላ ተረኺባ።
ፖሊስ ብዘካየድዎ መርመራ፡ ቀታሊኣ፡ ዮርዳኖስ ድሌታቱ ንምፍጻም ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነት ብኻራ ከምዝቐተላ ክግለጽ እንከሎ፡ ብውሕዱ 21 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንዎ።
ጓል 19 ዓመት ዮርዳኖስ ብርሃነ፡ ብ31 ሓምለ 2021 እያ፡ ኣብ ኡነት ስትሪት፡ ሆክሊ፡ በርሚንግሃም፡ ኣብ ገዝኣ ብካራ ተወጊኣ ሞይታ ተረኺባ።
ብመሰረት ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ዮርዳኖስ ምስኡ ፍቕራዊ ስምዒት ከምዘይብላ ምስነገረቶ ሓሪቑ ከምዝቐተላ’ዩ ገሊጹ።
እቲ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ "ንዮርዳኖስ ኣዝዩ ይደልያ" ከም ዝነበረ እቲ ነቲ ብይን ዝሃበ ዳኛ በርሚንግሃም ገሊጹ።
እቲ ሳይሞን ድሪው ዝተባህለ ዳኛ፡ ንሓለፎም ወልደዮሃንስ ከምዚ ኢልዎ፡ "ብሕርቃን ኣዚኻ ከምእተፍቅራ ምስ ገለጽካላ፡ ንሳ ብትሕትና ከም ዘይተፍቅረካ ብምግላጽ ነጺጋትካ። ሽዑ ስምዒትካ ምቁጽጻር ስኢንካ ኣጠቂዕካያን ቀቲልካያን”።
ወይዘሪት ዮርዳኖስ፡ ግዳይ ጨካን ጎነጻዊ ቅትለት ከምዝኾነትን ሓለፎም ነቲ ተግባር ኮነ ኢሉ ከምዝፈጸምን እውን እቲ ዳኛ ሓቢሩ።
ጎረባብቲ ዮርዳኖስ ኣውያት ምስ ሰምዑ ናብ ፖሊስ ክሕብሩ እንከለው፡ ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ናብቲ ስፍራ ቀዲሞም እኳ እንተበጽሑ፡ ኣባላት ፖሊስ ክሳዕ ዝመጹ ን30 ደቃይቕ ከምዝተጸበዩ፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ገዛ ምስ ኣተው፡ ዮርዳኖስ ብደም ጨቅያ ከምዝረኸብዋን ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ህይወታ ምሕላፉን ተገሊጹ።

ኣብ ቤት ፍርዲ፡ ሓያሎ ኣባላት ስድራ ቤት ወይዘሪት ዮርዳኖስ ነቲ ብዓብዪ ሓዋ ክብሮም ብርሃነ እተዳለወ ናይ ሓዘን መግለጺ ሰሚዖም።
ሓብቱ ብኹሎም ቤተሰባን ብማሕበረሰብን ኣዝያ ፍትውቲ ምንባራ ሓቢሩ።
“[ዮርዳኖስ] ኣዝያ ሕያወይቲ፡ ወትሩ እወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዋ፡ ብዓቕማ ንሰባት ክትሕግዝ እትተግህ እያ” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ብሞታ ብልዕን ድቃስን ከምዝሓረሞን ብጭንቂ ይሳቐ ከምዘሎን ተዛሪቡ።
"እቲ ንስድራ ቤትና ኣጋጢሙና ዘሎ ነገር ልዕሊ ዓቕምና ከቢድን መሪርን እዩ። ክንርድኦን ኽንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፣ ወትሩ ንበክን ንሳቐል ኣሎና" ኢሉ።
ካልእ ሓዋ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ከኣ ንሓፍቶም ወይዘሪት ዮርዳኖስ ዝቐተለ ሰብ ን21 ዓመት ጥራሕ ክእሰር ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።
ገዛኢ ብርሃነ ከበዶም፡ "[በቲ ፍርዲ] ኣይተሐጐስኩን፡ ዮርዳኖስ ንፍዕቲ እያ ነይራ። ንሓፍተይ ጎዲኡ፡ ህይወታ ወሲዱ እዩ፤ እዚ እኹል ኣይኰነን " ኢሉ ።
ወይዘሪት ዮርዳኖስ ጓል 15 ዓመት እንከላ፡ ካብ ኤርትራ ሃዲማ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲታ። ኣብ 2020 ከኣ ንበርሚንግሃም መጺኣ ተሓጕሳ ክትነብር ጀሚራ።
ሓለፎም ወልደዮሃንስ እውን ኣብ 2020’ዩ ካብ ግዱድ ዕስክርና ሃዲሙ ካብ ኤርትራ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣትዩ። ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ዑቕባ ተፈቒዱሉ ክነብር ከምዝጀመረ እቲ ቤት ፍርዲ ተሓቢሩ።
ዳኛ ሳይመን ድሬው፡ ሓለፎም ንዮርዳኖስ ንብዙሕ ዓመታት ከም ዝፈልጣን ኣብ ሓንቲ ቚሸት ከምዝዓበዩን ንሓደ መሓዛኡ ከምዝነገሮ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናብ ቅትለት ዘምርሐ እዋን፡ ሓለፎም ንዮርዳኖስ ሓደ ካብ መሓዙታ ተመሲሉ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኹላ ምንባሩ ኣኽባር ሕጊ ክሪስቶፈር ኲንላን ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብቲ መልእኽትታት፡ ዮርዳኖስ ነቲ ሰብ ዝኾነ ፍቕራዊ ዝንባለ እንተለዋ ሓቲትዋ።
እቲ መልኽትታት ንዮርዳኖስ ከቖጥዓ እንከሎ ብድሕሪኡ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ሓለፎም፡ ነቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ባዕሉ ከምዝጸሓፎምን ይቕሬታ ክሓታ ከምዝደልን ነጊርዋ።

ምንጪ ስእሊ, westmidland police
ሓለፎም ወልደዮሃንስ ንዮርዳኖስ ብቐጻሊ ከምዘፍቅራ ይነግራ እኳ እንተነበረ ንሳ ግን ከም ኣሕዋት ምዃኖም እያ ትነግሮ ነይራ።
ወይዘሪት ዮርዳኖስ፡ ንሓለፎም ይቕረ ከም ዝበለትሉ ብምሕባር፡ ይቕሬታ ንምሕታት ናብኣ ምምጻእ ከምዘየድልዮ ከምዝነገረቶ ኣኽባሪ ሕጊ ሓቢሩ።
ሓለፎም ኣብ እንዳ ዮርዳኖስ ምስ በጽሐ ግና፡ ነታ ለይቲ ክሓድር ስለዝተረዳድኡ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ቤት ካልእ ዝድቅሰሉ ካልእ ክፍሊ ክትደልየሉ ፈቲና።
ሰዓት 02:31 ናይ ለይቲ፡ ዮርዳኖስ “ተሻቒለ ኣለኹ” ጽንሕ ኢላ ከኣ “ኣበይ ኣለኺ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንሓንቲ ጎረቤታ ከምዝለኣኸት ሚስተር ኲንላን ገሊጹ።
ካብ ከባቢ ሰዓት 05:30 ክሳብ 06:00 ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ እዋን ጎረቤታ ኣውያት ሰሚዓ ምስ ወጽአት ሓለፎም ክሓንቃ ክጋደል ረኺባቶ።
ንሳ ሓገዝ ክትረክብን ፖሊስ ክትጽውዕን ከይዳ። ኣብ መንጎ እዚ፡ ሓለፎም ካብቲ ስፍራ ብምህዳም ናብ ሸፊልድ ክምለስ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ኣብ ስቶክ-ኦን-ትረንት ምስ ሓደ መሓዛኡ ተቐሚጡ።
መሓዛኡ፡ ዮርዳኖስ ብርሃነ ከም እተቐትለት ዝገልጽ ዜና ምስ ረኣየ፡ ንፖሊስ ሓቢሩ።
ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ብ1 ነሓሰ 2021 እዩ ካብ እንዳ መሓዛኡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተኣሚኑ።
ኢንስፐክተር ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ፡ ጂም ማሆን፡ ቅትለት ወይዘሪት ዮርዳኖስ ብርሃነ ነታ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ኣዝዩ ዘሕዝን ምንባሩ ገሊጹ።
"ካብ ሃገራ ወጺኣ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መጺኣ፡ ስራሕ ረኺባ፡ ቅሳነት ተሰሚዑዋ ክትነብር ዝጀመረት ዮርዳኖስ ንፍቕሩ ብዘይተቐበለቶ ሓደ ቀናእን ቍጡዕን ዓመጸኛን መንእሰይ ህይወታ ተቖጽዩ” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብታ ንግሆ እቲኣ እንታይ ከም ዘጋጠመ፡ እቲ ንሓያሎ ዓመታት ክእሰር ዝተፈርዶ ሓለፎም ወልደዮሃንስ ጥራይ እዩ ብልክዕ ዝፈልጥ።"
ፖሊስ ዌስት ሚድላንድስ ኣብታ ዮርዳኖስ ዝተቐተለትላ ንግሆ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ብቕልጡፍ ናብቲ ስፍራ (እንዳ ዮርዳኖስ ብርሃነ) ክርከብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







