ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትር ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊት ተቓዳዳሚት ራሄል ዳኒኤል፡ ብሰንበት 11 መስከረም ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ተዓዊታ።
ንሳ፡ ‘ላ ካሬራ ዴል ፓስፊክ’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ውድድር ጽርግያ 10 ሽሕ ሜትሮ፡ 32 ደቂቕን 23 ካልኢትን ብምምዝጋብ ውድድራ ዛዚማ።
ንራሄል ብ30 ካልኢታት ስዒባ ኬንያዊት ኣትለት ሞኒካ ንጊገ ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ካልእ ኬንያዊት ቬሮኒካ ንያሩዋን ድማ፡ ብተወሳኺ 8 ካልኢታት ድሒራ ሳልሳይ ተርታ ተሰሪዓ።
እታ ኣብ ዕስራታት ዕድመ እትርከብ መንእሰይ፡ ኣብ ቀዳሞት ኪሎሜተራት ብላቲን ኣሜሪካውያን ዳኒኤላ ቶረዝ (ሜክሲኮ)ን ዳያና ኦካምፖን (ኣርጀንቲና) ህልኽ ዝመልኦ ሓያል ውድደር ኣጋጢምዋ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣፍሪቃውያን ነቲ ፈተና ድሕሪ ምብዳህ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ራሄል ዳኒኤል ናህሪ ወሲኻ ወሳኒ ፍልልይ ፈጢራ ቀዳመይቲ ኰይና ተዓዊታ።
ኣትለት ራሄል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣብ ኮሎምብያ ንመጀመርታ ግዜይ እዩ፡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ውድድር፣ እቲ ውድድር ሓያል እዩ ነይሩ ብሓቂ ድማ ደስ ኢሉኒ፤ ቅሩብ ዓቐብን ቁልቁልን ነይርዎ።
"ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ውድድር ሞራል ሂቦምና፣ ኣዝያ ሕጉስቲ ከተማ እያ። ብርግጽ ዝመጽእ ዓመት ክምለስ ደልየ ኣለኹ፡” ኢላ።
ኣብ ሓምለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከተማ ኦሪጎን ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣትለት ራሄል ዳኒኤል ዘመዝገበቶ ዓወት’ውን ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም እቲ ዝበለጸ ዝተመዝገበ ውጽኢት እዩ።
ራሄል ዳኒኤል፡ ነቲ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ፡ ኬንያውያን ሄለን ኦቢሪን ማርጋረት ኪፕከመባይን ዝተዓወታሉ ውድድር፡ ንሆላንዳዊት ኣትለት ሲሃን ሓሰን ተኸቲላ ሓሙሸይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ ምንባራ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







