ፑቲን ንሓምሻይ እብረ ንፕረዝደንትነት ክወዳደር እዩ

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ቭላድሚር ፑቲን ንሓምሻይ እብረ፡ ፕረዝደንት ሩስያ ኰይኑ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብቲ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈቶ ወራር ንዝተሳተፉ ሽልማት ኣብ ዝካየደሉ ፅንብል እዩ ነዚ ዝገለፀ።

ሰብመዚ መረፃ እታ ሃገር ካብ መጋቢት 15 ክሳብ 17 2024 ፕረዝደንታዊ መረፃ ሩስያ ከም ዝካየድ ወግዓዊ ገይሮም እዮም።

ኣብታ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይብላን መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣብ ቁፅፅር ፑቲን ዝኾነላን ሩስያ፡ እቲ ወዲ 71 ዓመት ማልሳይ ንፕረዝደንትነት ክወዳደር እየ ምባሉ ዘገርም ኣይኰነን።

ፑቲን ካብ 2 ሽሕ ክሳብ 2008 ንሩስያ ብፕረዝደንትነት ዝመርሐ እንትኾን፡ ክሳብ 2012 ድማ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ሓላፍነት ብምምላስ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ካብ ውልቀ መላኺ ሶቭየት ጆሴፍ ስታሊን ንደሓር፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን መራሒ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ይገብሮ።

ኣብ 2020 ዝተኸለሰ ሕገ-መንግስቲ ሩስያ፡ ዘበን ስልጣን ፕረዝደንት ካብ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ሽድሽተ ዓመት ክብ ብምባል፡ ፑቲን ቅድሚ ሕዚ ኣብ መንበረ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ብምስራዝ፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዳግማይ ንክወዳደር ዘጣጥሕ ኮይኑ።

እቲ ሃንደበታዊ ነገር እንተዘይ ኣጋጢሙ ፑቲን ከም ዝዕወተሉ ዝግለፅ ዘሎ ፕረዝደንታዊ መረፃ እታ ሃገር፡ ክሳብ 2030 ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ እዩ።

ድሕሪኡ እውን እንተኾነ፡ ፑቲን ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ድሌት እንተድኣ ሃልይዎ ክሳብ 2036 ክቕፅል ይኽእል።

ኣብ ናይ ቀደም ሶቭየት ሕብረት ትካል ስለላ መኰነን ዝነበረ ቭላድሚር ፑቲን፡ ንዩክረይን ምውራሩ ስዒቡ ምስ ምዕራባውያን ዝኣተዎ ምትፍናን ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፈተናታት ሸሚምዋ ይርከብ፤ ኣብ ቀፃሊ ፕረዝደንታዊ መረፃ ክሳተፍ ድማ ብዙሕ ሃንቀውታ ተገይርሉ ነይሩ።

ርትዓውያን ፖለቲካዊ መነሓንሕንቱ ብህይወት የለዉን፣ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ወይ ድማ ካብታ ሃገር ወፃኢ ብምዃኖም፡ ኣብዚ ዝካየድ መረፃ ተነሓናሒ ከም ዘይብሉ ግልፂ እዩ።

ባይቶ እታ ሃገር ብሓሙስ ፕረዝደንታዊ መረፃ ከም ዝካየድ ወግዓዊ ምስ ገበረን ኮምሽን መረፃ እውን መዓልቲ ምስ ቆረፀን፡ ወሃቢቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ብዙሓት ሰባት ፑቲን መራሒ ኰይኑ ክቕፅል ከም ዝደልዩ ተዛሪቡ።

ቭላድሚር ፑቲን እንተኾነ’ውን፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምፅናሕ ድሌት ከም ዘለዎ ንምግላፅ ግዘ ኣይወሰደሉን።

ኣብ ኵናት ዩክረይን ንዝተሳተፉ ወተሃደራት ሽልማት ኣብ ዝሃበሉ ፅንብል፡ “ውሳነ ክወሃበሉ ዝግባእ እዋን ሕዚ እዩ። ንፕረዝደንትነት ፌደሬሽን ሩስያ ክወዳደር እየ” ኢሉ።

ፑቲን ኣብ 1999 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ንፕረዝደንት እታ ሃገር ነበር ቦሪስ የልሲን ብምትካእ ናብ መንበረ ስልጣን ከም ዝመፅአ ይዝከር።