ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ተን ሃግ ተሰናቢቱ

ኤሪክ ተን ሃግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ነቲ ተኸታታሊ ስዕረታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሰልጣኒኣ ኤሪክ ተን ሃግ ኣሰናቢታቶ።

ዩናይትድ ትማሊ ሰንበት ኣንጻር ዌስት ሃም ኣብ ዘጋየደቶ ግጥም 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ ኩነታት እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ ሶንኮፍ ከምዝወደቐ ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ሓዲሩ'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዩናይትድ ኣብ ተርታ ፕሪሜርሊግ ናብ ትሕቲ ፍርቂ ወሪዳ ኣብ መበል 14 ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ 'ዩሮፓ ሊግ' ዘለዋ ደረጃ'ውን፡ ኣብ ሰለስተ ግጥማት ብማዕረ ብምፍልላያ ካብ 36 ጋንታት ኣብ መበል 21 ደው ኢላ'ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ምክትል ተን ሃግ ኮይኑ ዝተመዘዘ ፍሉጥ ኣጥቃይ እታ ጋንታ ነበር ሩድ ቫን ኒስተልሮይ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኮይኑ'ሎ።

"ቀዋሚ ኣሰልጣኒ ክሳብ ዝቑጸር" ቫን ኒስተልሮይ ነታ ጋንታ ክመርሓ ምዃኑ እታ ክለብ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ምንጭታት ማን ዩናይትድ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ስጉምቲ መሪር'ኳ እንተኾነ፡ ኣካየድቲ ብምሉእ ድምጺ ዝወሰንዎ'ዩ።

ኣብ 2022 ናብታ ክለብ ዝመጽአ ዴንማርካዊ ተን ሃግ፡ ሎሚ ሰኑይ ንግሆ እቲ ውሳነ ከምዝተነግሮ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዝተኻየ ግጥም ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓዲ-እንግሊዝ (ኤፍ-ኤ ካፕ) ንቀንዲ ተቐናቓኒት ዝኾነት ማንቸስተር ሲቲ ብምስዓር ዋንጫ ብምዕታሩ፡ ዕድል ንምሃቡ ውዕሉ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ ነይሩ'ዩ።

ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ሰር ኣለክስ ፈርግሰን ኣብ 2013 ብወለንትኡ ድሕሪ ምስንባቱ 5 ኣሰልጠንቲ ከምዝመጹን፡ እታ ጋንታ 6ይ ክትረክብ ሃሰው ትብል ከምዘላን ይፍለጥ።

ወዲ 54 ዓመት ተን ሃግ፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ፡ ነታ ባይታ ዘቢጣ ዝነበረት ጋንታ ብምብርባር ኣብቲ ዓመተ ውድድር ፕሪሜርሊግ መበል 3 ኮይና ክትውድእ ምግባሩ ተስፋ ዝህብ'ዩ ነይሩ። ኣብ 2023'ውን ድሕሪ 6 ዓመታት ዋንጫ ካራባው ምዕዋቱ ነቲ ተስፋ ዝደርዐ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ካልኣይ ዓመተ-ውድድር ግን ነገራት ከምቲ ዝበሃጎም ኣይከዱን። ኣብ ውድድር ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ፡ ካብ መጻረዪ ግጥማት ካብ ምድባ ጭራ ኮይና ቀልጢፋ ተሰናቢታ። ኩነታት እቲ ኣሰልጣኒ 'ኦሮማይ' ኣብ ዝተባህለሉ ግን 'ኤፍ-ኤ-ካፕ' ተዓዊቱ።

ሓድሽ ዋናኒ እታ ክለብ ቢልዮነር ራትክሊፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጸገም ናይታ ጋንታ ኪኖ ኣሰልጣኒ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣብ ዝሓለፈ 11 ዓመታት፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ብዙሓት ኣሰልጠንቲ ቀይራ፡ ኣብ ከምኡ ዝበለ ሃዋሁ ድማ ዝተዓወተ ኣይነበረን"።

እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ጅማሮኣ ኣይጠዓየን፤ ኣብ ዝሓለፈ 8 ግጥማታ ሓንሳብ ጥራይ ምዕዋታ፡ ቦርድ እታ ክለብ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ ይመስል።

እቲ ቢልየነር ኣብታ ክለብ ዓቢ ወፍሪ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ኣካየድታ ለውጢ ተኻይዱ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ከምኡ ዝበለ ኩነታት ድማ፡ ቀጻልነት ንምርግጋጽ ንተን ሃግ ክዕገስዎ ክኢሎም። እንተኾነ ግን ኩነታት እታ ጋንታ ብድሕሪኡ እናንቆልቆለ ምስከደ ንኽጸንሕ መመኽነይታ ተሳኢኑ።

ኤሪክ ተን ሃግ፡ ነታ ጋንታ ንምሕያል ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ፖውንድ'ኳ እንተ ኣፍሰሰ፡ ውጽኢት ግን ጨቐቕ'ዩ ኮይኑ።

ድሕሪ ፈርግሰን ዝመጹ ኣሰልጠንቲ ንዕድጊ ተጻወትቲ ዘውጽእዎ ሚልዮናት፣ ተንሃግ (654)፡ ሶልሻየር (400)፡ ሞሪኖ (374)፡ ቫን ጋል (274)፡ ዴቪድ ሞየስ ድማ (59) ምዃኑ ይግለጽ።

ተን ሃግ ናብ ማን ዩናይትድ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብክለብ ደረጃ ልዕሉኡ ወጻኢ ዝገበረት ቸልሲ (715.6 ሚልዮን) ጥራይ እያ።