ሞሪኖ ንተን ሃግ ተኪኡ ናብ ማን. ዩናይትድ ክመጽእ'ዶ ይኸውን?

እቲ ኣብ ወጥሪ ዘሎ ተን ሃግን ጆሴ ሞሪኖን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ወጥሪ ዘሎ ተን ሃግን ጆሴ ሞሪኖን

ሓደ ዓቢ ጸወታ ኣብ ዝህልወሉ እሞ ድማ ሞሪኖ ናይ ሓዲኤን ጋንታ ኣሰልጣኒ ምስ ዝኸውን ልዕሊ እቲ ጸወታ ኣተኩሮ ጋዜጠኛታት ኣብኡ እዩ ዝኸውን።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሞሪኖ ሳላ ዘረብኡ ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ጸወታ ኣመልኪቱ ዝህቦ ርእይቶ’ውን ቀልቢ ካብ ምስሓብ ኣየብኰሮን።

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሊግ ኣውሮጳ ኣብ ምስ ፊነርባቸ ማዕረ ሓደ ንሓደ ምስ ተፈላለየ ነቲ ዝነበሮ ወጥሪ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ’ዩ ወሲኹሉ። ንፊነርባቸ ከኣ እቲ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘሰልጥን ዝነበረ ጆሴ ሞሪኖ’ዩ ዝዕልማ ዘሎ።

ሓላዊ ልዳት ዩናይትድ ኦናና ካብ ተጻዋታይ ፊነርባቸ ዮሱፍ ኢን ነሰይሪ ዝተቐለዐትሉ ሓደገኛ ኵዕሶ ብዘገርም ጥበብ ሸቶ ካብ ምዃን ዝዓገተሉ ኣገባብ ብዙሓት ንኸድንቕዎ ኣኽኢልዎ’ዩ።

እዚ ኹሉ ግን ክንድቲ ንሞሪኖ ዝተውሃቦ ኣቓልቦ ዝዳረግ ኣይኮነን።

ነቲ ጸወታ ዝተዓዘበ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ፖል ስኮልስ ምስ መደበር ተለቪዥን ቲኤንቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ንጆሴ ሞሪኖ ምርኣይ ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠኒ። ዝኾነ ውዕዉዕ ባዕላዊ ስምዒት ኣማዕቢሉ ኣሎ። ምስ ነብሱ ይስሕቕ፤ ክትርእዮ ኣዝዩ’ዩ ዝስሕበካ” ኢሉ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ሞሪኖ ናብ ፕሪሜር ሊግ ይምለስዶ ይኸውን?

ሞሪኖ ኣብ 2023 ንሮማ እናሰልጠና እንከሎ ኣብ ቡዳፔስት ብሰቪያ ምስ ተሳዓረ ብዘርኣዮ ዘይእዱብ ተግባራት ንኣርባዕተ ጸወታታት ተቐጺዑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ጸወታ ምስ ተወደአ ነቲ ዳኛ ዝነበረ ፈረንሳዊ ኣንቶንዮ ተይለር ነቲ ጸወታ ኣዝዩ ብሕማቕ ኣገባብ ከምዝመርሖ ንክነግሮ ኣብ መዐሸጊ መኪና ['ፓርኪን'] ይጽበዮ ከምዘሎ ጋዜጠኛታት ምስ ኣቓልዑ እቲ ዳኛ መንገዱ ቀይሩ። ሞሪኖ ኸኣ በዚ ተግባሩ ተቀጺዑ።

ትማሊ’ውን ንጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ፊነርባቸን ዝመርሐ ፈረንሳዊ ዳኛ ክለመንት ቱሊፒን ስለዝተታረኾ ተቀጺዑ። ኣብ ቦታ ተዓዘብቲ ኮይኑ ጸወታ ንኽዕዘብ ተገዲዱ።

ዘረባ ዘይስኣኖ ሞሪኖ “ይግባይ እንተ ኢለ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክቅጻዕ’የ፤ እዚ ናይ ሎሚ ምስቲ ናይ ሮማን ሰቪያን ይፈላለ’ዩ። ኣነ ግን ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኤውሮጳዊ ሊጋት ዘይትጻወት ጋንታ ስለዝሕዝ ኣይክሓርቅን” ኢሉ።

እዚ መልሱ ኸኣ ካልእ ሕቶ ንኽመጽኡ ድርኺት ፈጢሩ።

ጆሴ ሞሪኖ ኣብ ሜዳ ዝርእዮ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ኣቓልቦ ብዙሓት'ዩ ስሒቡ ኣምሲዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆሴ ሞሪኖ ኣብ ሜዳ ዝርእዮ ዝነበረ ምንቅስቓሳት ኣቓልቦ ብዙሓት'ዩ ስሒቡ ኣምሲዩ

“እሞ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ፤ ቶቶንሃም ወይ ቸልሲ ኢኻ ክትከይድ” ዝብል ሕቶ ስዒብዎ።

“ሓንቲ ነገር ርግጸኛ ኮይነ ዝነግረካ ካብ ፊነርባቸ ምስ ተፋነኹ ናብ ሓንቲ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ዘይትጻወት ጋንታ’የ ክኸይድ። ኣብ ፕሪሜርሊግ ኣብ ታሕቲ ዘላ ንክልተ ዓመት ኣሰልጣኒ ናብ ዘድልያ ጋንታ’የ ክኸይድ። ብዛዕባ እዚ ልዕሊ’ዚ ክዛረብ ኣይደልይን’የ። ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝነበረ ጸወታ ጥራይ ንዘራረብ” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ሞሪኖ ብዛዕባ እቲ ንጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ፊነርባቸን ዝዳነየ ዳኛ ዝሃቦ ርእይቶ’ውን እቲ ካልእ መሳጢ ዘረባ’ዩ ነይሩ።

“እቲ ዳኛ ሓደ ኣዝዩ ዘገርም ነገር’ዩ ነጊሩኒ። ኣብ ሳንዱቕ ፍጹም ቅላዕ ዘሎ ጸወታ እናተኸታተለ ንኹሉ ምንቅስቓሳተይ ከምዝርእዮ ገሊጹለይ፡ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢለዮ ኣዝዩ ዘገርም ዳኛ’ዩ” ኢሉ።

ሞሪኖ ብምስዓብ “ኣብቲ 100 ማይል ኣብ ሰዓት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣለ ኣዝዩ ናህሪ ዝነበሮ ጸወታ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ሜዳ ሓንቲ ዓይኑ ኸኣ ኣባይ ተኺሉ’ዩ ነቲ ጸወታ ዝመርሖ ነይሩ፡ ብኸምኡ’የ ካብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ዳኛ ኢለ ዝገልጾ [ብኣሽካዕላል]” ክብል ወሲኹ።

ሞሪኖ መጀመርታ ምስ ራብዓይ ደኛ ጸኒሑ ከኣ ምስ ማእከላይ ዳኛ ብምትራኹ ቀይሕ ካርዲ ተዋሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ 2016 ክሳብ 2018 ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘሰልጠነ ጆሴ ሞሪኖ ናብታ ጋንታ ክምለስ ከምዝኽእል ብሰፊሑ ይዝረብ ኣሎ።

እቲ ሓሓሊፉ ሞሪኖ ፍንው ዘብሎ ዘሎ ዘረባ’ውን ነዚ ዘራጉድ ከምዝኾነ ጋዜጠኛታት ይሕብሩ።

ትማሊ’ውን ሞሪኖ ብዛዕባ ማንቸስተር ዩናይትድ ተዛሪቡ’ዩ።

“ይፈልጥ’የ ንስኹም [ሚድያታት] ማንቸስተር ዩናይትድ ጽቡቕ ኣይተጻወተትን ትብሉ ኣለኹም። ዩናይትድ ኣይኮኑን ጽቡቕ ዘይተጻወቱን ንሸቶታት ዝኾና ኵዓሳሱ ዘይቀልዑን፤ ጋንታይ’ዮም [ፈነርባቸ] ልዕሊኦም ጸብለል ኢሎም። ስለዚ ክብሪ ይግበኦም’ዩ” ኢሉ።