ሞሪኖ ንተን ሃግ ተኪኡ ናብ ማን. ዩናይትድ ክመጽእ'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ዓቢ ጸወታ ኣብ ዝህልወሉ እሞ ድማ ሞሪኖ ናይ ሓዲኤን ጋንታ ኣሰልጣኒ ምስ ዝኸውን ልዕሊ እቲ ጸወታ ኣተኩሮ ጋዜጠኛታት ኣብኡ እዩ ዝኸውን።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሞሪኖ ሳላ ዘረብኡ ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ጸወታ ኣመልኪቱ ዝህቦ ርእይቶ’ውን ቀልቢ ካብ ምስሓብ ኣየብኰሮን።
ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሊግ ኣውሮጳ ኣብ ምስ ፊነርባቸ ማዕረ ሓደ ንሓደ ምስ ተፈላለየ ነቲ ዝነበሮ ወጥሪ ሰፍ ዘይብል ጸቕጢ’ዩ ወሲኹሉ። ንፊነርባቸ ከኣ እቲ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘሰልጥን ዝነበረ ጆሴ ሞሪኖ’ዩ ዝዕልማ ዘሎ።
ሓላዊ ልዳት ዩናይትድ ኦናና ካብ ተጻዋታይ ፊነርባቸ ዮሱፍ ኢን ነሰይሪ ዝተቐለዐትሉ ሓደገኛ ኵዕሶ ብዘገርም ጥበብ ሸቶ ካብ ምዃን ዝዓገተሉ ኣገባብ ብዙሓት ንኸድንቕዎ ኣኽኢልዎ’ዩ።
እዚ ኹሉ ግን ክንድቲ ንሞሪኖ ዝተውሃቦ ኣቓልቦ ዝዳረግ ኣይኮነን።
ነቲ ጸወታ ዝተዓዘበ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ፖል ስኮልስ ምስ መደበር ተለቪዥን ቲኤንቲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ንጆሴ ሞሪኖ ምርኣይ ኣዝዩ’ዩ ዝምስጠኒ። ዝኾነ ውዕዉዕ ባዕላዊ ስምዒት ኣማዕቢሉ ኣሎ። ምስ ነብሱ ይስሕቕ፤ ክትርእዮ ኣዝዩ’ዩ ዝስሕበካ” ኢሉ።
እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን።
ሞሪኖ ናብ ፕሪሜር ሊግ ይምለስዶ ይኸውን?
ሞሪኖ ኣብ 2023 ንሮማ እናሰልጠና እንከሎ ኣብ ቡዳፔስት ብሰቪያ ምስ ተሳዓረ ብዘርኣዮ ዘይእዱብ ተግባራት ንኣርባዕተ ጸወታታት ተቐጺዑ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ጸወታ ምስ ተወደአ ነቲ ዳኛ ዝነበረ ፈረንሳዊ ኣንቶንዮ ተይለር ነቲ ጸወታ ኣዝዩ ብሕማቕ ኣገባብ ከምዝመርሖ ንክነግሮ ኣብ መዐሸጊ መኪና ['ፓርኪን'] ይጽበዮ ከምዘሎ ጋዜጠኛታት ምስ ኣቓልዑ እቲ ዳኛ መንገዱ ቀይሩ። ሞሪኖ ኸኣ በዚ ተግባሩ ተቀጺዑ።
ትማሊ’ውን ንጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ፊነርባቸን ዝመርሐ ፈረንሳዊ ዳኛ ክለመንት ቱሊፒን ስለዝተታረኾ ተቀጺዑ። ኣብ ቦታ ተዓዘብቲ ኮይኑ ጸወታ ንኽዕዘብ ተገዲዱ።
ዘረባ ዘይስኣኖ ሞሪኖ “ይግባይ እንተ ኢለ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክቅጻዕ’የ፤ እዚ ናይ ሎሚ ምስቲ ናይ ሮማን ሰቪያን ይፈላለ’ዩ። ኣነ ግን ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኤውሮጳዊ ሊጋት ዘይትጻወት ጋንታ ስለዝሕዝ ኣይክሓርቅን” ኢሉ።
እዚ መልሱ ኸኣ ካልእ ሕቶ ንኽመጽኡ ድርኺት ፈጢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“እሞ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ፤ ቶቶንሃም ወይ ቸልሲ ኢኻ ክትከይድ” ዝብል ሕቶ ስዒብዎ።
“ሓንቲ ነገር ርግጸኛ ኮይነ ዝነግረካ ካብ ፊነርባቸ ምስ ተፋነኹ ናብ ሓንቲ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ዘይትጻወት ጋንታ’የ ክኸይድ። ኣብ ፕሪሜርሊግ ኣብ ታሕቲ ዘላ ንክልተ ዓመት ኣሰልጣኒ ናብ ዘድልያ ጋንታ’የ ክኸይድ። ብዛዕባ እዚ ልዕሊ’ዚ ክዛረብ ኣይደልይን’የ። ሕጂ ብዛዕባ እዚ ዝነበረ ጸወታ ጥራይ ንዘራረብ” ዝብል መልሲ ሂቡ።
ሞሪኖ ብዛዕባ እቲ ንጸወታ ማንቸስተር ዩናይትድን ፊነርባቸን ዝዳነየ ዳኛ ዝሃቦ ርእይቶ’ውን እቲ ካልእ መሳጢ ዘረባ’ዩ ነይሩ።
“እቲ ዳኛ ሓደ ኣዝዩ ዘገርም ነገር’ዩ ነጊሩኒ። ኣብ ሳንዱቕ ፍጹም ቅላዕ ዘሎ ጸወታ እናተኸታተለ ንኹሉ ምንቅስቓሳተይ ከምዝርእዮ ገሊጹለይ፡ እንቋዕ ሓጎሰካ ኢለዮ ኣዝዩ ዘገርም ዳኛ’ዩ” ኢሉ።
ሞሪኖ ብምስዓብ “ኣብቲ 100 ማይል ኣብ ሰዓት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣለ ኣዝዩ ናህሪ ዝነበሮ ጸወታ ሓንቲ ዓይኑ ኣብ ሜዳ ሓንቲ ዓይኑ ኸኣ ኣባይ ተኺሉ’ዩ ነቲ ጸወታ ዝመርሖ ነይሩ፡ ብኸምኡ’የ ካብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ዳኛ ኢለ ዝገልጾ [ብኣሽካዕላል]” ክብል ወሲኹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 2016 ክሳብ 2018 ንማንቸስተር ዩናይትድ ዘሰልጠነ ጆሴ ሞሪኖ ናብታ ጋንታ ክምለስ ከምዝኽእል ብሰፊሑ ይዝረብ ኣሎ።
እቲ ሓሓሊፉ ሞሪኖ ፍንው ዘብሎ ዘሎ ዘረባ’ውን ነዚ ዘራጉድ ከምዝኾነ ጋዜጠኛታት ይሕብሩ።
ትማሊ’ውን ሞሪኖ ብዛዕባ ማንቸስተር ዩናይትድ ተዛሪቡ’ዩ።
“ይፈልጥ’የ ንስኹም [ሚድያታት] ማንቸስተር ዩናይትድ ጽቡቕ ኣይተጻወተትን ትብሉ ኣለኹም። ዩናይትድ ኣይኮኑን ጽቡቕ ዘይተጻወቱን ንሸቶታት ዝኾና ኵዓሳሱ ዘይቀልዑን፤ ጋንታይ’ዮም [ፈነርባቸ] ልዕሊኦም ጸብለል ኢሎም። ስለዚ ክብሪ ይግበኦም’ዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







