መቐለ፡ 'ወይኒ ጓዕ እናበልኩም ድላይኩም ስኣሉ'

ስእሊ፡ ውሽጣዊ ስምዒት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ ይእመን

ምንጪ ስእሊ, Esseni art gallery/rigba

ኣብዛ ብልዑል ስግኣት ድሕነት ትሽበር ዘላ ከተማ ዝንጸባረቕ ህይወትን ድልየታትን ክልተ ጫፋት ኣለዎ።

በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ ዝመጽአ ተዛማዲ ሰላም ዘርሓዎ ኣፋፍኖት ሰላም ተጠቒሙ ናብ ንቡር ህይወቱ ክመለስ ታተ ዝብል ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ እዚ ነቶም ኣብ ጽላል ዘይተወድኡ ህንጻታትን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርትን ተዓቚቦም ዘለው ተመዛበልቲ ምዕራብ፣ ገለ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ናብቲ ብሰንኪ ኲናትን ዓመጻትን ገዲፎምዎ ዝመጽኡ ጎጅኦም ክመልሶም ብዘይምኽኣሉ ዝንጸባረቑ ሰፋሕቲ ዘይዕግበታት ትዕዘብ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቶም ግቡእ ናብዮት ሕክምናን መግብን ብዘይምርካቦም ብተደጋጋሚ ሰልፊ ተቓውሞ ዝወጽኡ ጉድኣት ኣካል እቲ ኲናት ብኣውራ ጐደናታት እታ ከተማ የማነ ጸጋም ክሓልፉ፣ ዓበይትን ህጻናትን ክልምኑ ክትርኢ እንከለኻ ነቲ ኲናትን ካልእ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ስዒቦም ዝመጽኡ ማሕበራዊ ቅልውላዋት ማእለያ ዘይብሎም ምዃኖም ትግንዘብ።

ኣብ ክሊ እዚ ተስፋ ዘስንቑ፣ 'ንሕውየት ዕድል ክንህብ ኣለና' ዝብሉ ዝመስሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ኣለው።

ኣብ ጥቓ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ መካነ ጥበብ እሰኒ (Esseni Art Gallery) ሓደ ካብኣቶም’ዩ።

ንኣካያዲ ስራሕን መስራትን እቲ ማእከል ሰለሙን ገብሩ መዓልታዊ ካብቲ ቦታ ኣይፍለን።

ሎሚ ግን ርእሱ ይሕሞ ስለ ዝነበረ (ቃለ መሐትት ኣብ ዝገበርናሉ መዓልቲ) መዐገሲ መድሃኒት ወሲዱ ወግዕና ክንቅጽል ኣፍቂዱልና።

መካነ ጥበብ እሰኒ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰኣልቲ ስርሖም ንህዝቢ ከላልዩን ክሸጡን ዘኽእል ባይታ ካብ ምምችቻእ ብዝሰገረ ኣብቲ ክልል ሓደ ጠንካራ መካነ ጥበብ ክህሉ ንምግባር ዘኽእሉ መድረኻት ፍልስፍና ጥበብ ከምኡ’ውን ኣካዳሚ ጥበብ ብምኽፋት ተመሃሮ ይምህር ኣሎ።

ሰለሞን፡ መካነ ጥበብ እሰኒ ብፍሉይ ኣብ ህጻናትን መናእሰይን ትኹረት ከም ዝገብር ኣውጊዑና።

ናብዚ ማእከል ዝተፈላለዩ ጸጋታት ክመጽኡ ምኽኣሎም ድማ፡ ገለ ነገር መሊስካ ነቲ ማሕበረሰብ ከም ምሃብ ገይሩ’ዩ ዝርእዮ።

“ማሕበራዊ ግቡእና ንምፍጻም ኣብ ማእከላት ተመዛብለቲ ዝርከቡ ቈልዑ ንምህር ኣለና። ህጻናት ናባና መጺኦም ይስእሉ’ዮም - ዋላ ኣይኽኣሉ። ግን ደስ ይብሎም። ክስእሉ እንከለው፡ ኣብቲ ናይ ስእሊ ቦታ ኰይኖም ንስእልታት ክርእዩ እንከለው ጥራይ ይሓውዩ እዮም” ይብል።

ውልቀሰባትን መንግስትን ንጥበብ ከመይ ይርድኡዎ ዝብል ዘካትዕ’ኳ እንተዀነ፡ “ኣነ ግን ሓያል እዩ፤ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ቃንዛ፣ ሕማም ምግላጽ ምኽኣል (ዋላ ስእሊ ኣይትኽኣሎ) ቀሊል ኣይኰነን” ብምባል ወትሩ ኣብ ሕውየት ዝዀነ ዓይነት ጸገማት ከም መሳርሒ ኰይኑ ከም ዘገልግል ይገልጽ።

መካነ ጥበብ እሠኒ

ምንጪ ስእሊ, Esseni art gallery/rigba

ንዕኡ፡ ካብ ሕሉፍ እቲ ዝኸበደ ዝብሎ ኣብ እዋን እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ዝነበረ ዕጽዋ ኰይኑ፡ ኣብቲ ህሞት ምስ ካልኦት ሓገዝ ዝህቡ ኣካላት ብምዃን ስርሑ ስምዒታት ግዳያት ኣብ ምፍዋስ የውዕሎ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“ሽዑ፡ ብጣዕሚ ዓብዪ በሰላ (ትራውማ) ዘለዎ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐለ ማሕበረሰብ ብስእሊ ክተዘናግዖ ምፍታን ከቢድ ይመስለኒ ነይሩ። ድሓር ግን ብኡኡ ክሕጐሱ ክትሪኦም ከለኻ፣ ኣብ ቦታኦም እናስኣሉ ከነጻውቶም እንከለና ዓብዪ ነገር ነይሩ። ነቲ ኩነታት ዘላቒ መፍትሒ ዘድሊ’ኳ እንተዀነ ታሕጓስ ምፍጣር፣ ስምዒቶም ክገልጹ ምግባር ዓብዪ ነገር እዩ”።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሸውዓተ ዝንባለ ስእሊ ዘለዎም ተመዛበልቲ ኣብ ኣካዳሚ መካነ ጥበብ እሰኒ ይምሃሩ ዘለው ኰይኖም፡ ካልኦት ልዕሊ ዓሰርተ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ድማ ምስ ቅርጻ ቅርጺ ዝተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክህልዎምን መንፈሶም ዘሐድስሉ ግዜ ክረኽቡን ይሕገዙ ኣለው።

ኣብ ቀጻሊ፡ እቶም ኣብቲ ኣካዳሚ ዝስልጥኑ ዘለው ሰባት ዘፍረዩዎም ስእልታት ናብ ዕዳጋ ብምውራድ ኣታዊ ክረኽቡ ንምግባር ዝዓለመ ፕሮጀክት ከም ዝሓንጸጸ ሰለሞን ይዛረብ።

“እዚ ዝህቦ ቅሳነት ቀሊል ኣይኰነን”።

መካነ ጥበብ እሠኒ

ምንጪ ስእሊ, Esseni art gallery/rigba

ኣቤሰሎም ግርማይ ነባራት ህንጻታት ከተማ መቐለ ንምስኣል ዝዓለመ ፕሮጀክት የማእዝን

ምንጪ ስእሊ, Esseni art gallery/rigba

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ መካነ ጥበብ፡ ኣቤሰሎም ግርማይ ነባራት ህንጻታት ከተማ መቐለ ንምስኣል ዝዓለመ ፕሮጀክት የማእዝን

‘ጥበብ ናጽነት’ዩ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰለሞን ገብሩ፡ ነዳፊን (draftsman) ሰኣልን ከምኡ’ውን ኣማኻሪ ኪነ ህንጻ እዩ።

ትኽክለኛን እዋናውን ምስሊ ወይ ስምዒት ሰባት ምስኣል ስለ ዝፈቱ ኣድናቒ ስእሊ ‘ሪያሊዝም’ ምዃኑ ይዛረብ።

“ኣብ ስእሊ ምስ ስምዒትኻ ኢኻ ትሟገት፤ ስምዒታትካ ክቀያየር እንከሎ ስእልኻ ሓሓሊፉ ነቲ ማሕበረሰብ፣ ሓሓሊፉ ድማ ንባዕልኻ እዩ ዝመስል” ይብል።

ሰባት ስእሊ ምድናቕ ወይ ንስነ ጥበባዊ ስራሕቲ ገንዘብ ምውጻእ ናይ ርኹባት ስለ ዝመስሎም፡ እዚ ዓውዲ ብዙሕን ዘላቕን እቶት ዝርከቦ ከም ዘይኰነ ነጠፍቲ እቲ ዓውዲ ክዛረቡ ምስማዕ ልሙድ’ዩ።

ሰለሞን ግን፡ ብስእሊ ድማ እናወደቕኻ እናተላዕልኻ’ውን ካብኡ ክትወጽእ ኣይትደልን ኢኻ’ዩ ዝብል።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ሰኣልቲ ብውሑድ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣጥርዮም ስእልታቶም ዝሸጠሉ፡ ነቲ ማሕበሰረብ ድማ ሓሳባቶም ዝገልጽሉ መገዲ ክፍጠር ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ “ሰኣሊ ተረጋጊኡ ንክሰርሕ እየ ዝንቀሳቐስ” ኢሉ።

መካነ ጥበብ እሰኒ፡ ሰለሞን ዝርከቦም ኣርባዕተ ውልቀሰባት’ዮም ብ2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) መስሪቶምዋ።

ኣብ እዋን እቲ ኲናት ተበታቲኖም እኳ እንተጸንሑ፡ ስራሕቲ እታ መካነ ጥበብ ንከይተዓናቐፍ ግን እንከካብ ዘለውዎ ሓሳብ ምልውዋጥ ኰነ ንጥፈታቶም ምምራሕ ኣየብኰሩን።

“እሰኒ ክንምስርት እንከለና 'ስለ ምንታይ መቐለ? ስለ ምንታይ ትግራይ?' ኢና ንብል ነይርና። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዘለው ትምህርታት ብዝተኽኣለ መጠን ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረሰብ ወይ ቈልዓ ክምሃሮም፣ ዓለም ክፈልጣ፣ ክርድኣ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መቐለ ሓደ ጥዑይ ትካል እንተሃልዩ ብዙሓት ብስእሊ ኣቢሎም ሓሳቦም፣ ስምዒቶም ክገልጹ ዝደልዩ ክፋላት ሕብረሰተብ ክህልው’ዮም። ጥበብ ነጻነት ስለ ዝዀነ ብዙሕ ነገራት ዘቕንዐልና እዩ” ይብል ሰለሞን።

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ መቐለ ኣብቲ መካነ ጥበብ ብምኻድ ዝተፈላለዩ ስእልታት ይስእሉ

ምንጪ ስእሊ, Esseni FB

እቲ መካነ ጥበብ ትኹረት ገይሩ ካብ ሞንጐ ዝሰርሓሎም ድማ ጠልሰም ዝብሃል ባህላዊ ስነ ጥበብ’ዩ። ትርጉሙ ድማ ኣምሳል፡ ውክልናን ምጽብባቕን ማለት እዩ።

እዚ ዝተፈለየ ሓይሊ ዘለዎ ጥበብ ብብዝሒ ኣብ ገዳማት ኣብ ዝርከቡ ብራናታት ይርኣይ።

ስእሊ ጠልሰም፡ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኣለዎ’ዩ ስለ ዝብሃል ሓያላት ቃላት፣ ምልክታትን እጽዋትን ብምጥቃም ዝስኣል እዩ።

ኣብዚ፡ ብልምዲ 'ኣስማታዊ ጥበብ' ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ስእሊ ጠልሰም ኣብ ኢትዮጵያ ዝስመ ተወልደብርሃን ኪዳነ ዘፍርዮም ስራሕትን ዝህቦም ስልጠናታት ኣለው።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ክልል በዚ ሞያ ዝተመረቑ ኰነ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ፍልጠት ድሩት ብምዃኑ ነዚ ምስፋሕ፡ መደብ ገይሮም ይሰርሕሉ ከም ዘለው ሰለሞን የብርህ።

ኣብቲ ክልል ስነ ጥበብ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስርሓሉ ዘይምኽኣሉ፣ ነዚ ብትምህርትን ፋይናንስን ክሕግዛ ዝኽእላ ትካላት ዘይምህላወን ክኣ ናይዚ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል የረድእ።

“ንዓይ፡ እዚ ኹሉ መከራ፣ ውድቀት ዝመጽአና ዘሎ ጥበብ ትኹረት ስለ ዘይግበረሉን ኣብ ቅድሚት ስለ ዘይስራዕን’ዩ። ብጥበብ ኣብ ሓሳብን ርእስን ኢኻ ትጻወት። ካልእ ተሪፉ ኣብ እዋን ኲናት ስነ ጥበብ ንፕሮፖጋንዳ ውዒሉ ብዙሕ ነገራት ተፈጢሩ’ዩ፤ ከምኡ ክኸውን የብሉን። ናብ እወንታ ክትቕይሮ ይግባእ” ኢሉ።

ነዚ ኣብ ምግምት ብምእታው፡ ሓድግታት፣ መንነት፣ ባህሊ ትግራይ ከርእዩ ዝኽእሉ ስራሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ኣብ ስቱድዮ እቲ መካነ ጥበብ ድማ፡ ንውልቃዊ ትርኢታት ዝውክሉ ‘ኮሚክ ቡክስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣርባዕተ ዘይተሓትሙ መጽሓፍቲ ከም ዝተዳለው ሓቢሩ።

ሰኣሊ ተወልደብርሃን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስእልታት ጠልሰም ኣፍርዩ’ዩ። ንሱ ስእሊ ኣብ ዝስእለሉ እዋን ሽምዓ ምብራህን ዕጣን ምጣሽን ከም ዝፈቱ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ
መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊ ተወልደብርሃን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስእልታት ጠልሰም ኣፍርዩ’ዩ። ንሱ ስእሊ ኣብ ዝስእለሉ እዋን ሽምዓ ምብራህን ዕጣን ምጣሽን ከም ዝፈቱ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ
ስእሊ ጠልሰም፡ ሓያላት ቃላት፣ ምልክታትን እጽዋትን ብምጥቃም ዝስኣል እዩ
መግለጺ ስእሊ, ስእሊ ጠልሰም፡ ሓያላት ቃላት፣ ምልክታትን እጽዋትን ብምጥቃም ዝስኣል እዩ

'ሲፕ ኤንድ ፔይንት'

እንዳ እሰኒ መካነ ጥበብ፡ ናብ ገዛና መጺእኹም ወይኒ ጓዕ እናበልኩም ድላይኩም ስኣሉ (Sip & Paint) ዝብል ኣብ ቀረባ እዋን ዝጀመረ መደብ ኣለዎም።

ኣብዚ ጋዜጠኛታት፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ፣ መምሃራን ዩኒቨርሲቲ ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ይሳተፉ ኣለው።

“ 'ሲፕ ኤንድ ፔይንት' ዝጀመርናሉ ሓደ ምኽንያት ሰባት እናመጽኡ ሓሳቦም ንክገልጹ፣ ቃንዛኦም ንከውጽኡ’ዩ። ምስ ደቆም መጺኦም ክስእሉ ከለው ደስ ዝብል ስምዒት ይፈጥረልካ፤ ደስ ኢሉዎም ተሓጒሶም እዮም ዝኸዱ” ይብል ሰለሞን።

ኣብ ስእሊ ዝያዳ ኣብ ጥቕሚ ካብ ሞንጐ ዝውዕሉ እታወታት እቲ ሓደን ኣገዳስን ነገር ሕብርታት’ዩ። እዚኦም ንባህሪያትና ከም ዝገልጹዎ ይዝረብ።

ንኣብነት፡ ቢጫ ወይ ቀይሕ ሕብሪ ዝመርጹ ሰባት ውዑይያት ወይ ዕግርግረኛታት’ዮም ይብሃል። እዚ ግን ኣብ ዙርያ እትፈጥሮ ስምምዕ ዝውስኖ ኰይኑ፡ ሰለሞን በቶም ክሳብ ሕጂ እሰኒ ዘአንገዶም ኣጋይሽ ዝዕዘቦ ዘሎ ስራሕቲ እኩብ በሰላ ምህላው ዘመልኽቱ ምዃኖም ይዛረብ።

“ብፍላይ ኣብ ‘ሲፕ ኤንድ ፔይንት’ ካብ ሞንጐ ዝመጽኡ ሰባት ቈልዑ ዝስእልዎ ክትርዮ ከለኺ - ኩላትና’ውን ኣብ ስንባደ ስለ ዘለና - እቲ ዝስእሉዎ ስእሊ ብጣዕሚ ዝተረበሸ፣ ዘጨንቕ ዓይነት’ዩ። ገገሊኡ ድማ ንመጻኢ ዘለዎ ተስፋ ዘርኢ ይስእል። ስለዚ፡ ቀለማት መልእኽቲ ኣብ ምንጋር ሓይሊ ኣለዎም”።

ወሲኹ፡ “ሰብ ሕማሙ እንተገሊጹ’ዩ መፍትሒ ክእለሽ ዝኽእል። ብዙሓት ቈልዑ ዘለዎም በሰላ ብሓሳብ ከይገልጹ ይኽእሉ’ዮም፤ ስእሊ ክኣ ኣብ ዓለም እቲ ንሓሳብ ብጣዕሚ ዝቐረበ ነገር እዩ። ኣብ ትግራይ ሙሉእ ሕውየት ንምምጻእ ግን እዚ ሓጋዛይ ከም ዝዀነ ምርዳእ ከድሊ እዩ። እዚ ከብድኻ ዘይመላእኻ ጥበብ ከተድንቕ ተድላ ክመስል ይኽእል። ግን ሓያል መልእኽትን ትምህርትን ከተመሓላልፈሉ ትኽእል ኢኻ። ቈልዑ ዓርሶም ክገልጹ ክኽእሉ እንከለው ንዓይ እታ ዓባይ ታሕጓሰይ’ያ እያ” ኢሉ።

ኣብ ንጥፈታት 'ሲፕ ኤንድ ፔይንት' ዝሳተፉ ሰባት ምርጫኦም ይስእሉ

ምንጪ ስእሊ, Esseni art gallery/rigba

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣባላትን ወለንታውያንን እታ መካነ ጥበብ፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ዝተፈላለዩ ከም ኣብርሃ ካስትል ዝበሉ ነባራት ከባቢታት እታ ከተማ ብምኻድ ክስእሉን ከተማታቶም ክፈልጡን ዝሰርሕ ‘Usk Mekelle’ (አርባን ስኬቺንግ መቐለ) ዝተባህለ ፕሮጀክት ሒዛ ትንቀሳቐስ ኣላ።

መብዛሕትኦም ንስእሊ ዝውዕሉ ናውታት ክኣ ካብ ደገ ዝመጽኡን ክቡራትን ብምዃኖም፡ ጸገማት ንምቅላል ናይ መስኣሊ መዘክራት ዓርሶም ከም ዘፍርዩዎ ዝዛረብ ሰለሞን፡ ብዙሓት ዝድርበዩ ጠራሙዝ ድማ ዳግም ኣብ ረብሓ ከም ዝውዕል ብምግባር መስተዪ ብርጭቈ፣ መቐመጢ ዕምበባ፣ ሽኮር ወይ ሩዝ ክዀኑ ዝኽእሉ ምልኩዓት ኣቑሑ ከም ዝሰርሑ ጠቒሱ።

ብቐንዱ፡ ከም ማሕበር ከየንቲ፣ ትግራይ ኮሌጅ ስነ ጥበብ ዝበሉ ትካላት ጠንካራ ብዘይምዃኖም፡ ስነ ጥበብ እቲ ክልል ኣዐርዩ ክስጉም ከም ዘይክኣለ ዝገልጽ ሰለሞን፡ እቲ ክፍተት ንምምላእ ስነ ጥበባውያን ዝሳተፉሎም መድረኻት ዘተ ፍልስፍና ጥበብ፣ ስልጠናታትን ካልኦት ዕድላትን ኣብ ምምችቻእ ይነጥፉ ምህላዎም ገሊጹ።

“ጠንካራ ትካላት ስለ ዘይተፈጥሩ ኣብ ትግራይ ኣብ ዓመት እውን ሓደ ምርኢት ስእሊ ምቕራብ ከቢድ እዩ። እቲ ዓብዪ ጸገም መንግስቲ ዋላ እንተዀነ እቲ ናይ ጥበብ ማሕበረሰብ ተኣኪቡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ብዘይምግባሩ፣ ማሕበራት ብዘይምፍጣሩ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ ኢለ ይሓስብ"።

እዚ ቀስ ብቀስ ክዓቢ ይኽእል’ዩ ብምባል ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለዉ ይዛረብ።

"ብሓደ ገጽ ትምህርቲ እናምሃርና፣ ብካልእ ወገን ድማ እቲ ናይ ጥበብ ማሕበረሰብ ብምእካብ ስልጠናታት ብምሃብ እጃምና ነበርክት ኣለና። ተስፋ ይገብር፡ ብዙሕ ለውጢ ክመጽእ እዩ ኢለ ይሓስብ”።