ብኣሳእል ርሳስ በሰላታት ኲናት ትግራይ ከቃልል ዝፍትን ዘሎ ሓበን ሃይላይ

ምንጪ ስእሊ, Haben Hailay
ወለድና ‘ብርዒ ካብ ሰይፊ ይብርትዕ’ እምበር ርሳስ’ውን እኰ ኣይብሉን - ብቐሊሉ ስለ ዝጠፍእ ዋላስ ሓይሊ ርሳስ ስለ ዘይተረድኦም?
ካብዚ ብዝብገስ ክኸውን ይኽእል፡ ኣቐዲሞም ምጽሓፍን ምንባብን ከለማምዱና፡ ወይ ናብ እንለማመደሉ መውዓሊ ህጻናት ክሰዱና እንከለው፡ ርሳስ ዝህቡና።
እቲ ዝገርም ሓቂ ግን ርሳስ፡ ውሽጡ ማዕድን ግራፋይት ስለዘለዎ ካልእ ቀለም ከየድለዮ ረዘንቲ ሓሳባት ኽኸትብ፡ ጽባቐ ዝተፈላለዩ ነገራት ቍልጭ ኣቢሉ ከርኢ ከም ዝኽእል ኣመስኪሩ እዩ፤ ብቐንዱ ኣብ ስእሊ።
ንኣብነት፡ ጸሓፊ ታሪኽ ርሳስ ሄንሪ ፔትሮስኪ፡ ርሳስ ብቐሊሉ ዝድምሰስ ምዃኑ ንሰብ ሞያ ቅድን መሃንድሳትን መተካእታ ዘይብሉ ኣቕሓ ከም ዝገብሮ ይዛረብ።
"ቀለም፡ ሓሳባት ካብ ህዝቢ ክወጽኡ እንከለው ዝለብስዎ መመላኽዒ'ዩ፤ ግራፋይት ከኣ መሪር ሓቈም’ዩ " ክብል ይጽሕፍ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ እትርእዩዎ ዘለኹም ስእሊ፡ ሰኣሊ ሓበን ሃይላይ ጓሂታቱ፡ ሓሳባቱን ባህግታቱን ከምኡ'ውን ክቕይሮም ዝደሊ ማሕበራዊ ክስተታት እተተንፍሰሉ ርሳስ እያ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ብተፈጥሮኣውን ሰብሰርሖን ሓደጋታት ሃሰያ ንዝወረዶም ክፋላት ሕብረተሰብ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኽገብር፡ ናእዳኡን ክብሩን ንዝገልጸሎም ሰባት ድማ ውህብቶኡ ንኸዳሉ ኣብ ዝገብሮም ዕማማት ልዕሊ ብርዒ በርቲዓ ስእለ ኣእምሮኡ ተውጽኣሉ ኣላ።
ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ተወሊዱ ዝዓበየ ሰኣሊ ሓበን፡ ስእሊ ኣብ ውሽጡ ዝዓቢ ጥሙሕ እምበር ብትምህርትን ስልጠናን ዘበረኸ ክእለት ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
“ቈልዓ ኰይነ’የ ጀሚረዮ፤ ተመሃራይ 4ይ ወይ 5ይ ክፍሊ ኰይነ ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ይስእል ነይረ። ግን ኣብ ውሽጢ ስነጥበብ ዝነብር ኰይነ ዘይኰነ ንባዕለይ ኢለ እየ ዝስእል ነይረ።”
ካብዚ ብዝብገስ፡ ክሳብ ቀረባ ግዜያት ምሉእ ግዜኡ ሂቡ ዝሰርሓሉ ዓውዲ ኣይነበረን።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ስእሊ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን (ካብ 1977 ክሳብ 1983 ዓ.ም.ግእዝ ዝነበረ) ጸለውቲ ሰባትን የተኩር ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ምናልባት ‘ዘ ኣኒማልስ ኢን ዛት ካንትሪ’ ወይ’ውን ‘ዘ ቴስታመንትስ’ ዝብላ ንገለ ልበወለዳዊ መጽሓፍቲ ካናዳዊት ደራሲት፡ ገጣሚትን ተሓላቒትን ስነ ከባብን ማርጋሬት ኣትውድ "ኣብ ነፈርቲ ንኽትጽሕፍ ርሳስ ውሰድ" ዝብል ናይ መጀመርታ ሕጊ ጽሑፍ ነይርዋ።
እቲ ዝገርም፡ ርዝነት ርሳስ ንምግላጽ "ብርዒ ፈሳሲ’ዩ፤ ርሳስ ክኣ እንተተሰይሩ ኣብ ነፋሪት ክትስሕሎ ኣይትኽእልን - ምኽንያቱ (ኣብ ነፋሪት) ካራ ክትሕዝ ስለ ዘይትኽእል። ስለዚ ክልተ ርሳስ ውሰድ" ትብል።
ደሓር ከኣ እቲ ንመትከላት ንኣሽቱ መንግስታዊ ናጻ ዕዳጋ ዝቃለስ ዝነበረ ኣሜሪካዊ ምሁር ስነቝጠባ ሌናርድ ሪድ ኣሎ።
ኣብ 1958 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ሪድ ብድምጺ ርሳስ ባዕሉ ዘዳለዋ፡ "ኣነ ርሳስ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ጽሕፍቲ ኣሕቲሙ ነይሩ።
እዛ ጽሕፍቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ሕልኽላኽ፡ ፖለቲከኛታት ድማ ቍጠባዊ ጸገማት እንተጋጢሙ ኣክንዲ ሓሳባት እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ህዝቦም ዝሰምዑ ዕላማኦም ንምዕዋት ጥራይ በይናዊ ውሳነታት ከም ዝወስዱ ትነቅፍ።
“ናይ ርሳስ ስራሕ ከቢድ’ዩ” ዝብል ሰኣሊ ሓበን ሃይላይ ድማ፡ “ምኽንያቱ ብዙሕ ሕብርታት ተጠቒምካ ክተሕልፎ እትኽእል መልእኽቲ ብሓንቲ ሕብሪ ጥራይ ክትገልጾ ምፍታን ከቢድ ስለ ዝዀነ’ዩ፤ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ሓሳባት ብሓንቲ ሕብሪ ከተንጸባርቘም ምኽኣል ቀሊል ኣይኰነን” ይብል።
‘ዓቢይ ነገር ናብ ዝሰርሓሉ ክሰጋገር ከም ዘለኒ ተገንዚበ’
ስእሊ ርሳስ (Pencil painting) ምስ ምምጻእ ዘመናዊ ሓሳብ ኣብ መበል 18ን 19 ክፍለ ዘመን መልክዕ እናሓዘ ከም ዝመጽአን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዘመናውያን ስነጥበባውያን ብብዝሒ ክጥቀምሉ ከም ዝጀመሩን ይእመን።
ሰኣሊ ሓበን ሃይላይ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ንሱን ስእልታቱን ምስ ኣፍቀርቲ ስእሊ ብሰፊሑ ዝተላለይሉን ገለ ንብሉጻት ስእልታቱ ዝዀኑ ሓሳባትን ተመስጦታትን ዝረኽበሉን ባይታ ነይሩ።
“ድሒሩ፡ ብስነጥበብ ክሰርሖም ናብ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ክሰጋገር ከም ዘለኒ ተገንዚበ።”
እቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ገለ መዋስንቲ ከባቢታት ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ዝዘመተ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፡ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ትግራይ ሓያሎ ክሳራ የውርድ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እዚ፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ትግራይ ይብርትዕ ነይሩ።
መንእሰያት እቲ ክልል፡ ኣብ ዘራእቲ ዝዓረፈ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምብራር፡ ጉድኣት ዝወረዶም ሓረስቶት ኣብ ምሕጋዝ ዝጓየይሉ ዝነበረ እዋን ኰይኑ፡ ሰኣሊ ሓበን ሃይላይ’ውን ብሞያኡ ክሰርሖ ዝኽእል ነገር እንተሃለወ ናብ ምሕሳብ ኣትዩ።
ሽዑ፡ ኣዒንቱ ሳዕቤን እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምርኣይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ይዝርግሓ ካብ ዝነበራ ስእልታት ሓረስቶት ኣብ ሓንቲ ወዲቐን።
እታ ስእሊ፡ ኣብ ዝባና ቈልዓ ዝሓዘለት'ሞ፡ ኣብ መንጐ እቲ ብዕስለ ኣንበጣ ሃሰያ ዝወረዶ ሕርሻኣ ኰይና ጓሂኣን ድኻማን ኣብ ገጻ ዝንበብ ዝነበረት ኣደ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Haben Hailay
“እታ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት እየ ረኺበያ፤ ምስ ርኣኹዋ ረዚን መልእኽቲ እተሕልፍ መሲላ ስለ ዝተሰምዓትኒ፡ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ወሲደ ስኢለያ፤ ሸይጠ ሓገዝ ከተኣኻኽበላ ኢለ ስኢለያ።
"እታ ስእሊ ናብ ዕዳጋ ቅድሚ ምውራደይ ካብቲ መሸጣ ዝርከብ 25 ሚእታዊት ነታ ኣደ ከም ዝኸውን ኣፍሊጠ እየ። ምስ ተሸጠት ናብ ከባቢ ኣላማጣ ኩኩፍቶ 35 ሽሕ ብር ሒዘላ ከይደ” ይብል ሓበን።
“እቲ ዝነበረቶ ናብራ’ውን፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ኣዝዮም ጽጕማት ዝበሃሉ ሓደ እዩ ነይሩ። መንበሪ ገዛኣ ማዕጾ ኣይነበሮን፣ ቈርቆሮ’ውን ኣይነበሮን - ሰሪሕናላ። ሽዑ ዝነበራ ሓጐስ ንዓና እውን ፍሉይ ስምዒት ፈጢሩልና፡” ብምባል “እምበኣር ካብዚ ንላዕሊ ክሰርሕ እኽእል’የ” ዝብል ምትብባዕ ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።
እታ ስእሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝተገብረ ጐስጓስ ብ100 ሽሕ ብር ክትሽየጥ እንከላ፡ 75 ሽሕ ብር ካልኦት ተመሳሳሊ ሓረስቶት እቲ ኸባቢ ንምሕጋዝ ንማሕበር ረድኤት ትግራይ ከም ዘበርከቶ ሓቢሩ።
“ስእልታተይ ዝገዝኡ ሰባት ኣይፈልጦምን፤ ስእሊ ክገዝኡ እንከለው ጥራይ ኢና ንፋለጥ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ደገ ዝነብሩ’ዮም፤ እቶም ስርሓት ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ዝውዕሉ ምዃኖም እናርኣዩ ድማ ንምትብባዕን ንምሕጋዝን’ዮም ዝገዝኡ።"

ምንጪ ስእሊ, Haben Hailay
ሕጂ ኸኣ ስድራ ተጋደልትን ተመዛበልትን
ተዂሲ ብዘላቕነት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶሪያ ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ተራጸምቲ ሓይልታት ዕጥቈም እንተኣውረዱ’ውን ብዙሓት ስቪላውያን ገና ካብቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝወረዶም ሃሰያ ኣይተናገፉን ዘለው።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝተቐትሉን ይእመን።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ ኣብቲ ኲናት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ እዩ።
“እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ስነጥበብ ኣካል መፍትሒ ጸገም ክኸውን ምግባር እዩ” ዝብል ሰኣሊ ሓበን፡ ኣስታት 11 ስእሊታት ተጋደልቲ ብምሻጥ ዝረኸቦ ልዕሊ 700 ሽሕ ብር ንሰብኣዊ ሓገዝ ስድራ ተጋደልቲን ተመዛበልትን ክውዕል ከም ዝገበረ ይዛረብ።
“ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ መቐለ ዘለው ተፈናቐልቲ ከምኡ’ውን ኣብ ውቕሮ፡ ኣጽቢ፡ እምባሰነይትን ካልኦት ከባቢታትን ዘለው ግዳያት ክሕገዙ ገይርና ኢና። ኵሎም ልብኻ ዝትንክፍ ዛንታ ኣለዎም፤ ጽቡቕ ደረጃ ናብራ ዝነበሮም ሕዚ ግን ገዛኦም’ውን ክሕግዞም ዘይኽኣሉ ሰባት ክትርኢ ምቕባል ይኣብየካ።”
እዞም ስእልታት ኣብ ደገ ኰይኖም ዝሓሸ ዝርግሐ ኢንተርነት ምስ ዝረኽቡ ሰባት ብምትሕብባር ሸይጡ ካብ ዝረኽቦ ውልቃዊ ኣታዊ ብዝገሰረ ካብኡ ወጻኢ ክሕግዙ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ኴንና ዝሰርሖም ስርሓት ግብረ ሰናይን ሓገዛትን ኣለው፡ ኢሉ።
ስእልታት ነባራት ተጋደልቲ፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኪነትን ዝነጥፉ፡ ሓሓሊፉ ድማ ናይ ውልቀሰባት ምስኣል ከም ዘዘውትር ዝገልጽ ሓበን፡ መብዛሕትኦም ግን ናብ ሚድያ ዘይወጽኡ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ትዅረት ዝገበሩ ከም ዝዀኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Haben Hailay
ክሳብ ሕጂ ድማ ኣስታት 400 ስእልታት ከም ዝስኣለ ገሊጹ።
“ቀንዲ ዕላማይ ግን ታሪኽ ምስናድ እዩ፤ ኣብ ሕሉፍ ዝዀነ ንሎሚ ዘበርክቶ ዘሎ ጽቡቕ ነገር ንምትብባዕ፡ እቶም ብህይወት ዘየለው ድማ ታሪኾም ንምስናድ ስእሎም እናስኣልኩ እእክቦም። ብምርኢት ከኣ ታሪኽ ከሕልፍ እደሊ። ካብዚ ወጻኢ ግን ስእሊ ኣካል መፍትሒ ማሕበራዊ ጸገማት ክዀነሉ ዝኽእል መገዲ እየ ዝርኢ።”
እቶም ዘዳልዎም ስእልታት፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘለውዎ ሰፋሕቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት ንምውጻእ ኣብ ዝገብሮም ቃልስታት ዘድሃቡ ክዀኑ ከም ዝገብርን ታሪኽ ናይ ምዕቃብ ስርሓት ኢሉ ከም ዝገልጾም ይገልጽ።
በዚ መገዲ፡ “ናብቲ ሕዚ ዘለናዮ ተደጋጋሚ ጸገም ንዘይምእታው ግንዛበ ማሕበረሰብ ከዕብዩ ዝኽእሉ - ብፍላይ ካብ ሚድያን ከተማን ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ማሕበሰረብ ግንዛበ ንምዕባይን ዝሓሸ ትግራይ ንምፍጣር ትዅረት ገይረ - ባህልናን ቍጠባናን ክቕይሩ፡ ማሕበረሰባዊ ጸገማት ክፈትሑ ዝኽእሉ ነገራት ክሰርሕ እየ ዝጽዕር” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ “ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ጸገም ክንወጽእ እንተዄንና ኣብ ውሽጥካ እትገብሮ ቃልሲ እውን ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ’ዩ፤ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሕመቓት ፈቲሕና ዝሐሸ መነባብሮ ክህልወና ንግበር። እዚኦም ከም ህዝቢ ቀጻሊ ዋጋ ንኸየኽፍሉዎ ምስራሕ’ዩ ትዅረተይ፤ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ እንተዝሰርሐሉ ባህገይ እዩ” ክብል ኣብ ቢቢሲ ምስ ዝነበሮ ዕላል ገሊጹ።
'መጽሓፍ ስእልታት'
ሰኣሊ ሓበን ሃይላይ፡ ብ2012 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ምርኢት ብርሳስ ዝተስኣሉ ስእልታት ኣቕሪቡ።
እዚ ሞያ፡ ምሉእ ግዜኡ ዘወፍየሉ ገይሩ ክወስዶ ግን ፍጹም ኣይደፍርን።
ናይዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ሕብረተሰብ ንስእሊ ብሓፈሻ ንስነ ጥበብ ዘለዎ ግንዛበ ኣዝዩ ምዕቡል ዘይምዃኑ እዩ።
“እቲ ጸገም፡ ኣብኡ ጥራይ ተሞርኲዝኻ ናብራኻ ክትመርሕ ዘይምኽኣል እዩ። ንስኻ ኣብ ስነ ጥበብ ግዜ እናሕለፍካ ብኻልእ ሞያ ተለዊጡ፣ ቤተሰቡ ዝሕግዝ ሰብ ክትርኢ እንከለኻ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትካ ጸቕጢ የሕድር እዩ። ከም መንእሰይ፡ ድማ ቤተሰብ ስለ ዝጽበየካ፡ መኽሰብ ኣብ ዘይብሉ ግዜኻ ከተባኽን ብዙሕ ድጋፍ ኣይህበካን። በዚ ምኽንያት ናብ ካልእ ሞያ ክትከይድ ትግደድ” ኢሉ።
ምሉእ ብምሉእ ናብ ውልቃዊ ህይወቱ ቅድሚ ምእታው ከዐውተን ዝደልያ ክልተ ናይ ቀረባ መደባት ኣለዋኦ።
እቲ ሓደ፡ ካብ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ከዳልዎም ዝጸንሑ ብኢድ ዝተሳእሉ ዝተፈላለዩ ስእልታት ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተሳተፉ ግን ድማ ብዙሕ ዝኽሪ ዘይግበረሎም ስውኣት ዝድህስስ መጽሓፍ እዩ።
ኣብዚ መጽሓፍ ዝተኻተቱ ስእልታት፡ መንነትን ድሕረ ባይታን እቶም ስውኣት ዝገልጹ ታሪኻት ኣለዎም።
እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝወረደ ግፍዕታት ዘርእዩ ናይ ርሳስ ስእልታትን መግለጺታትን ዝሓዘ ከም ዝኸውን እቲ ሰኣሊ ተዛሪቡ ኣሎ።
እዚ፡ ኣስታት 30 ሰኣልቲ ክሳተፍሉ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበር መጽሓፍ ስእልታት፡ ብቛንቋታት ትግርኛን እንግሊዘኛን ዝዳለው መብርሂታት’ውን ከም ዝህልዎን ነዚ ኣብ ምትሕብባር ኣተኲሩ ይሰርሕ ምህላውን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







