ቢትሆቨን፡ ኣብ ጸጕሩ ዝተገብረ ጀነቲካዊ መርመራ ጸገም ጥዕናኡ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቀናባሪ ሙዚቃ ቢትሆቨን፡ ቅድሚ ሞቱ ኣዋርሕ ንሕማም ጸላም ከብዲን ረኽሲ ሄፓታይተስ ቢን ዘቃልዖ ጀነቲካዊ ዝንባለ ከም ዝነበሮ መርመራታት ኣረጋጊጾም።
ጕጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ፡ ንሓሙሽተ ፈለጋት ጸጕሪ ርእሱ ብምትንታን ሕነተ-ሰረት ቤትሆቨን ንምፍላጥ ጻዕሪ ገይሮም።
እንተዀነ፡ ጠንቂ ናይ ምስማዕ ጸገም እቲ ህቡብ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ዝምልከት ውዱእ መረጋገጺ ክህቡ ኣይከኣሉን።
ቀንዲ ጸሓፊ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ትሪስታን ቤግ፡ ጀነቲካዊ ሓደጋታት ምስ ልዑል ኣልኮላዊ መስተ ቢትሆቨን ተደሚሩ፡ ኣብ ኵነታት ጸላም ከብዱ ጽልዋ ኣሕዲሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
እቲ ኣህጉራዊ ጕጅለ፡ ኣብ ህዝባውን ውልቃውን ቦታታት ካብ ዝተዓቀቡ ሸሞንተ ፈለጋት ጸጕሪ ብምውሳድ ንጸገማት ጥዕና ቢትሆቨን ንምብራህ ምርምር ገይሩ።
ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ "ሓቀኛ" ተባሂሎም ክውሰዱ እንከለው፡ ካብ ሓደ ኣውሮጳዊ ተባዕታይ ዝመጽኡ እዮም።
ሉድቪግ ቫን ቢትሆቨን ኣብ ቦን ጀርመን ብ1770 ክውለድ እንከሎ፡ ብ1827 ኣብ መበል 56 ዓመቱ ኣብ ቪየና ዓሪፉ።
እቲ መስተንክራዊ ኣቀናባሪ ሙዚቃ ተጻዋቲ ፒያኖን በብቕሩብ ናይ ምስማዕ ጸገም ኣጋጢምዎ ነይሩ።
እዚ ካብ መፋርቕ ክሳብ መወዳእታ 20ታት ዕድመኡ ዝጀመረ ጸገም፡ ብ1818 ምሉእ ብምሉእ ክጸምም ምኽንያት ኰይኑ።
ተመራማሪ ቤግ፡ እቲ ጕጅለ ካብቲ ቢትሆቨን ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ናይ ህይወት ዝጥቀሞ ዝነበረ ናይ "መጻሕፍቲ ዕላል" ብምውሳድ፡ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ቢትሆቨን ስሩዕ እኳ እንተነበረ፡ ብዝሒ እቲ ዝሰትዮ ግን ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ።
"መብዛሕትኦም ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ናይ መስተ ኣጠቓቕምኡ ብመሰረት ኣብ መጀመርታ 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ መዐቀኒታት ቪየናውያን፡ ማእከላይ ምንባሩ ክዛረቡ እንከለዉ፡ እዚ ግን ሕጂ'ውን ምስቲ ሎሚ ንጸላም ከብዲ ጐዳኢ ምዃኑ ዝፍለጥ ብዝሒ ኣልኮላዊ መስተ ዝመዓራረ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, KEVIN BROWN/UNIVERSITY OF CAMBRIDGE
"እቲ ዝወስዶ ዝነበረ ኣልኮላዊ መስተ ብንውሓት ግዜ ከቢድ እንተነይሩ፡ ምስ ጀነቲካዊ ሓደጋታቱ ዝገብሮ ምትእስሳር፡ መንቀሊ ሕማም ሲሮሲስ ቢትሆቨን (ጸላም ከብዲ) ክኸውን ይኽእል’ዩ።”
እቲ ጕጅለ ተመራመርቲ ግን፡ ብመሰረት ሕነተ-ሰረት ሕማም ከስዐ-መዓንጣዊ (gastrointestinal) ጸላም ከብዲ ቢትሆቨን ብሰንኪ ሕማም ሲልያክ (ሕማም ሲልያክ፡ ግሉተን ኣብ እትበልዓሉ እዋን ስርዓተ ምክልኻልካ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ቲሹታት ዘጥቅዓሉ ኵነታት እዩ) ወይ ላክቶስ ዘይምጽዋር ከም ዘይተፈጥረ ገሊጹ።
ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ፍልቀት ኣንትሮፖሎጂ ማክስ ፕላንክ ዝዀነ ጆሃነስ ክራውዝ፡ "ንቢትሆቨን ዝቐተለ ሕማም እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና፤ ሕጂ ግን እንተወሓደ ርኡይ ተወርሶኣዊ ሓደጋን ረኽሲ ቫይረስ ሄፓታይተስ ቢን ምህላዉ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና" ኢሉ።
"ካልኦት ሓያሎ ውሑድ ዘእምኑ ጀነቲካዊ ጠንቅታት'ውን ከነወግድ ንኽእል ኢና።"
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ቦን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ጀነቲክስ ደቂ ሰባት ዝሰርሕ ዶክተር ኣክሰል ሽሚት፡ "ዋላ'ኳ ንጹር ጀነቲካዊ መበገሲ ምጽማም ቢትሆቨን ምልላይ እንተዘይከኣለ፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ብጥብቂ ክውገድ ከም ዘይክእል የጠንቅቐ" ይብል።
ተመራማሪ ቤግ ብወገኑ፡ "ሕነተ-ሰረት ቢትሆቨን ንተመራመርቲ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ወግዓዊ ብምግባር፡ ምናልባት'ውን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ተኸታታሊ ቅደም ተኸተል ተወሳኺ ምርምር ብምክያድ ብዛዕባ ጥዕናኡን ትውልዱን ዝተረፉ ሕቶታት ሓደ መዓልቲ ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







