ን241 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ናጻ ምስ ወጽአ ዓለም ዝሓደሰቶ ቦቢ

ቦቢ ቦስቲክ

ምንጪ ስእሊ, BOBBY BOSTIC

ቅድሚ 27 ዓመታት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዝፈጸሞም ተኸታተልቲ ገበናት፡ ቤት ፍርዲ ን241 ዓመታት ክእሰር ፈሪድዎ።

ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቲ፡ ዝሓለፈ ሕዳር ነጻ ምስ ወጽአ ግን ኣብዛ ዓለም ብዙሓት ነገራት ተቐይሮም ጸኒሖምዎ፤

ቦቢ ቦስቲክ ይበሃል።

ካብ ገመድ ኣልቦ መስምዒ (“ስለ ምንታይ’ዮም ሰባት ምስ ርእሶም ዝዘራረቡ ዘለው?”)፣ ንመጕልሒ ድምጺ ዝዛረቡ ሰባት ("ኣሌክሲስ እንታይ’ዩ?” ይብል)፡ ክሳዕ ባዕለን ዝስተ ቀዲሐን ዝህባኻ መሽናት ("ኢድካ ተወዛውዘለን ማይ ቀዲሐን ይህባኻ?)።

እወ፤ ዓለም ምስ ታሕሳስ 1995 ዓ.ም (ኣ. ኣ) ክትነጻጸር እንከላ ኣዝያ ተቐይራ እያ።

ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝሓደስዎ ግን ሰባት እዮም።

እዚ ወዲ 44 ዓመት ሰብኣይ፡ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዘለው ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ተመሓዘውቲ’ዮም” ይብል።

"ኣብ ድኳን ክትኣቱ እንከለኻ፡ 'ጐይታይ ክሕግዘካ ይኽእል’ዶ?' ትበሃል፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣ ብዘይካ ዝተጸወገ ገጽን ምግፋዕን ካልእ እትረኽቦ ነገር የለን።”

ሕጂ’ውን፡ ኣክንዲ እቲ “ኣይትቕረበኒ”፣ "ከመይ ኣለኻ?" ንዝብል ድምጺታት ገና ኣይለመደን።

"ኣብዚ፡ ጽቡቕ ነገራት ጥራይ'ዩ ዘሎ። ሰባት ፍሽኽ ይብሉ። ንኣሽቱ ቈልዑ ሰላም ይብሉኻ፤ ከምዚ'ዩ፡ ህይወት ከምዚ'ዩ፤ እዚ ንቡር'ዩ። ነገራት ከምዚ ክዀኑ ኣለዎም።"

እምበኣር፡ ድሕሪ 27 ዓመታት ማእሰርቲ ነዚ ኣብ ግሃዳዊ ዓለም ዘሎ ነገር ክትለምዶ ኣጸጋሚ’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ . . .

"ኣይፋልን፡ ምኽንያቱ ወትሩ ኣብ ውሽጥኻ ነቲ ሰብኣውነት ኢኻ ትደሊ፤ ሰብኣዊ ምትእስሳር ኢኻ ትደሊ . . . ህይወት ንሱ'ዩ። ጽባቐ ንሱ'ዩ። ሰብ ብምዃንካ እትረኽቦ ሓጐስ ንሱ'ዩ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቦቢ ቦስቲክ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘሕለፎም ኣስታት 10 ሽሕ መዓልታት 8 ሕዳር 2022 ናይ መወዳእታኡ እያ ነይራ።

ኣብታ ዕለት፡ ብዛዕባ ናጽነት ብዙሕ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ከይደቀሰ እዩ ሓዲሩ።

ኣብኡ ዝነበሩዎ ነገራት ንኻልኦት መተኣስርቱ ገዲፉ፡ ሓንቲ ነገር ጥራይ ሒዙ ወጺኡ፤ ብዙሓት ዝኽርታቱ ንድሕሪት ክገድፎም ዝደሊ ብዙሓት ታሪኻት ዝሓዘት ናይ ጽሕፈት መኪናኡ።

ኣብታ ዕለት፡ ካብ ካልኦት መዓልታት ብዝተፈለየ ኣብ ጐኒ ሽሙ “ተፈቲሑ” ዝብል ጽሑፍ እዩ ርእዩ።

“ሓቂ ኣይመሰለንን ነይሩ።”

ን27 ዓመታት ዝተኸድኖ ናይ ቤት ማእሰርቲ ክዳን ምስ ቀየረ ግን ምፍትሑ ሓቂ ኰይኑ።

“እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወተይ ዝውክል’ዩ።”

ቅድሚ 25 ዓመታት ዳኛ ኤቬሊን ባከር፡ “ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ክትመውት ትኽእል ኢኻ” ኢላቶ ነይራ።

ሕጂ ግን ናጻ ኰይኑ እናሰሓቐ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ክዳሎ እንከሎ ሓንቲ ጸሊም ቈብዕ ዝገበረት ሰበይቲ ክትሓቝፎ መጺኣ፤ ዳኛ ኤቨሊን ባከር’ያ።

እዚ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ማእሰርቲ ዝተኸምበተ ጕዕዞ ኣብ ታሕሳስ 1995 ኣብ ሚዙሪ ሰይንት ሉዊስ’ዩ ዝጅምር።

ወዲ 16 ዓመት ቦስቲክ ጂን ምስ ሰተየን ሓሽሽ (ዊድ) ምስ ወሰደን ምስ ዓርኩ ዶናልድ ሃስቶን ብብረት ናብ ዝተደገፈ ዝምታ ኣትዮም።

ኣብ እዋን በዓል ልደት ንድኻታት ህያባት ካብ ዝህብ ዝነበረ ጕጅለ ሰሪቘም።

ጥይት ተኲሶም (ጉድኣት ኣየውረዱን)፣ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሽጉጥ ብምፍርራሕ ድማ መኪና ወሲዶም።

ቦስቲክ ገበኑ እንተተኣሚኑ፡ ናይ ምሕረት ዕድልን ማእሰርቲ 30 ዓመት'ኳ እንተቐረበሉ ኣይተቐበሎን።

ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ፤ ብ17 ገበናት ተኸታታሊ ፍርዲ ክወሃቦ እንከሎ፡ እዚ ድማ ብድምር 241 ዓመታት በጺሑ።

መሓዝኡ ሃስተን ገበነኛ ምዃኑ ተኣሚኑ 30 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቢቢሲ ንቦስቲክ ኣብ 2018 ቃለ መጠይቕ ክገብረሉ እንከሎ ዋግዋጐ ተስፋታት ነይርዎ።

ኣብ 2010 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ገበናት ቅትለት ዘይፈጸሙ ትሕቲ ዕድመ ብዘይ ምሕረት ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጽዑ ከም ዘይብሎም ወሲኑ።

ኣብ 2016 ድማ፡ እቲ ውሳነ ነቶም ከም ናይ ቦስቲክ ዝኣመሰሉ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸሙ ጉዳያት’ውን ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ።

ግዝኣት ሚዙሪ ግን ንቦስቲክ ክትፈትሖ ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ቦቢ፡ ብሓደ ግዜ ንዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ገበናት እዩ ተፈሪዱ፤ እንተዀነ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ከም ዘይግባኦ ተማጒቱ።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንሕቶ ይግባይ ቦስቲክ ነጺግዎ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ግን ኣይገለጸን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ብዙሓት ሰባት ተስፋ ይቘርጹ’ዮም። ቦስቲክ ግን መጽሓፍ ናብ ምንባብን ታሪኻቱ ናብ ምጽሓፍን ተመሊሱ።

መዓልታዊ ሓንቲ ደብዳበ ይጽሕፍ፤ በዚ ተስፋታቱ ዓቂቡ።

ዳኛ ባከር ብ2010 ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ምስ ቦቢ ተራኺባ እያ

ምንጪ ስእሊ, ACLU

መግለጺ ስእሊ, ዳኛ ባከር ብ2010 ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ምስ ቦቢ ተራኺባ እያ

ኣብ 1983 ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ ሚዙሪ ኰይና ዝተሸመት ዳኛ ኤቨሊን ባከር፡ ኣብ 2010 ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ልዕሊ ቦቢ ቦስቲክ ዝተዋህበ ፍርዲ ሕቶ ከተልዕል ጀሚራ።

እዚ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥሮታ ምውጽኣ እዩ ዝኸውን ዘሎ፤ ሽዑ ኣብ መንጐ ሓንጐል ኮተቴን ኣባጽሕን ዘሎ ፍልልይ ዝነግሩ ጽሑፋት ተንብብ ነይራ።

ኣብ ናይ 25 ዓመታት ስርሓ፡ እዚ ፍርዲ ጥራይ’ዩ ዘጣዕሳ።

ኣብ ለካቲት 2018፡ ኣብ ልዕሊ ቦቢ ዝተዋህበ ፍርዲ፡ “ግጉይን ዘይፍትሓውን'ዩ” ክትብል ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ጽሒፋ። እዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል’ውን ደጊማቶ።

ስለዚ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ እንታይ ኢላ?

"ቦቢ ከም ምሉእ ዓቢ ሰብ ዝረኣኹዎ ወዲ 16 ዓመት ቈልዓ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ጌጋ እዩ ነይሩ። ምስ ቦቢን ሓፍቱን ተቐራሪበ፤ ብመሰረቱ ካብ ትሕቲ ዕድመ እናሃለወ ዝነበሮ ባህሪ ገበነኛ ናብ ኣዝዩ ሓሳብን ሓላዪን ዓቢ ሰብ ክቕየር ርእየዮ እየ። ዓብዩ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ከምኡ’ውን ዳኛ ባከር፡ ሓደ ካብ ግዳያት ቦስቲክ 1995 (ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ ንገለ ግዳያት ቦስቲክን ሃትሰንን ክረክብ ፈቲኑ’ዩ፤ እንተዀነ ክዛረብ ፍቓደኛ ዝዀነ ኣይነበረን) ንጉዳዩ ክድግፉዎ ሓቲታ፤ ብሓገዞም ድማ እቲ መስርሕ ምሕረት ዕዉት ኰይኑ።

“ክመልሶ ዝኽእል እንተዝኸውን፡ ምገበርኩዎ” ትብል ዳኛ ባኬር።

ልክዕ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣርግ ዝፈረደቶ ሰብ ናጻ ወጺኡ።

“ልክዕ ልደትን ሓድሽ ዓመትን እዩ ዝመስል ነይሩ፤ ኵሎም በዓላት ብሓንሳብ ቅጅል ኢሎምኒ። ክበኪ ጀሚረ፡ ቦቢ ናጻ ኰይኑ።”

ቦስቲክ ምስ ዳኛ ባኬር፡ ኣዕሩኽቱ፡ ኣዝማዱን ደገፍቱን ድሕሪ ምርኻቡ፡ ድሕሪ 1995 ንፈለማ እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ዝተዳለወ መግቢ ክምገብ ናብ ደገ ወጺኡ።

ን24 ዓመታት ስጋ ዘለዎ መግቢታት ኣይበልዕን፡ ‘ቨጋን’ እዩ ነይሩ፤ ሎሚ ግን ‘ታኮ’ ክበልዕ መሪጹ።

ሓደ ጸገም ግን ነይሩ።

"ናብ መኪና ምስ ተሰቐልኩ እቲ ዝበላዕኩዎ ኵሉ ወጺኡ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኻ፡ ን27 ዓመታት ኣብ ጽርግያ ተንቀሳቒሰ ኣይፈልጥን፤ ‘ሞሽን ሲክነስ’ ዝበሃል ነገር ኣሎ።"

ምስ ሓወየ፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ሴንት ሉዊስ ናብ እትነብር ሓፍቱ ከይዱ፤ ኣብኡ ልዕሊ 400 ሰባት ክሓቱዎ ከም ዝመጽኡ ይዛረብ።

ቦቢን ሓፍቱን፡ ‘ዲር ማማ’ ዝበሃል ትካል ግብረ ሰናይ ኣለዎም፤ እዚ ብስም ኣደኦም ዝኸፈቱዎ ትካል ኣብ ሴንት ሉዊስ ንዝርከቡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት መግቢ፡ መጻወቲ ቈልዑን ካልእ ደገፍን የቕርብ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ ድማ ኣብታ ከተማ መንእሰያት ዝተኣሰሩሎም ቦታታት ናይ ጽሑፍ ስልጠናታት ይህብ።

ኣብ ማእሰርቲ ኰይኑ ዝጸሓፎም ሸውዓተ መጽሓፍቲ ኣብ ኣማዞን ይርከቡ፤ ካብ መሸጣ እዞም መጽሓፍቲ ሓሓሊፉ ድማ መደረታት ብምስማዕ ኣታዊ ይረክብ። ዘካርያ፡ ሓንቲ ክፍሊ ገዛ’ውን ኣላቶ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝሳተፈሉ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ክረክብ ግን ይትስፎ።

"ክሳብ ሕጂ ምስ ውሑዳት ነገራት እየ ዝቃለስ ዘለኹ። ካብዚ ወጻኢ ግን ኣብዚ ደገ ዘሎ ህይወት ጽቡቕ’ዩ፤ መዓልታዊ፡ ብመዝሓሊ መግቢ (ፍሪጅ) ጀሚረ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ነገራት እርኢ ኣለኹ። ን27 ዓመታት ኣብ ባኞ ተሓጺበ ኣይፈልጥን፤ ንዝኾነ ነገር ከም ንቡር ኣይወስዶን” ይብል።

ቦስቲክ ካልኣይ ናይ ህይወት ዕድል ብምርካቡ ኣዝዩ የመስግን።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ - ኣብ ታሕሳስ 1995- ምስኡ ዝተኸሰሰ ዓርኩ ግን እዛ ዕድል ኣይረኸባን።

ዶናልድ ሃትሰን ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ኣብ መስከረም 2018 ዓሪፉ። እቲ ኣብ ኣስከሬኑ ዝተገበረ መርመራ፡ ልዕሊ ዓቐን ሓሽሽ ከም ዝወሰደ'ዩ ሓቢሩ። ንሱ ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብምሕረት ክፍታሕ ይኽእል ነይሩ።